ብቻይና ዝተደጎመ መንገዲ ባቡር ኬንያ ከሲሩ

መንገዲ ባቡር ኬንያ Image copyright MICHAEL KHATEL

እዚ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ናይሮቢ ናብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሞምባሳ ዝኸይድ መንገዲ ባቡር ኬንያ፡ ካብ ኤግዚም ባንኪ ቻይና ብዝተረኸበ ገንዘብ 3 ቢልየን ዶላር እዩ ተሃኒፁ። እዚ ልቓሕ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመታት ዝኽፈል እዩ።

እዚ መንገዲ ባቡር ካብቲ ፈለማ ዝተተለመሉ ወፃኢ ምኽባሩ፣ ዘላቒነት ዘይብሉን ምዃኑን ካብዚ መንገዲ ባቡር ዝርከብ ትርፊ ኪሳራ ምዃኑን፡ ኬንያ ትኹረት ንከይትገብረሉ ኣገዲዱ እዩ።

ኬንያ እዚ ፕሮጀክተ መንገዲ ባቡር ልዕሊ እቲ ዝተገመቶ ገንዘብ ምውድኡ መኽሰብ ዘይርከቦ ምዃኑን፡ ንዝምልክት ነቀፌታታት ዕሽሽ ክትብሎ ጸኒሓ'ያ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳግማይ ምስተመረፁ፡ቀንዲ ትኹረቶም ኣብዚ መንገዲ ባቡር ከምዝገብሩ ገሊፆም ነይሮም።

"ካሕሳ ኣይተኸፈለናን" ሓረስቶት

ዋላ እኳ ብርክት ዝበሉ ተጓዓዝቲ ካብ ከተማ ናይሮቢ ናብ ሞምባሳ ቆፀሮ ብምሓዝ ብመደበኛ እንተተጓዓዙ፡ ናይ ንግዲ ሰባት ፅዕነቶም ካብ ብመኪና ብባቡር ንከጓዓዕዙ ምእማን ግን፡ ከቢድ ከምዝኾነ ሚኒስትር መጓዓዝያ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር መጓዓዝያ ኬንያ ጄምስ ማቻርያ ከምዝሓበርዎ፡ መጓዓዝያ ባቡር እታ ሃገር ብኸመይ ኣትራፋይ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ምስ ቀንዲ ወነንቲ ውልቀ ኢንዳስትሪታት እታ ሃገር ይዝተ ኣሎ ኢሎም።

ዋላ እኳ እዚ መንገዲ ባቡር ንክሳራ እንተተጋለጸ ፡ ኬንያ ነዚ መንገዲ ባቡር ንምህናፅ ካብ ቻይና ዝተለቅሐቶ 3 ቢልየን ዶላር ካብ ዝቕፅል ዓመት ክትከፍል ግን ግድን እዩ።

እዚ መንገዲ ባቡር ክሳብ ሽዑ፡ ካብ ዝተሸመሞ ኪሳራ እንተዘይወፅዩ ድማ ኬንያውያን ከፈልቲ ግብሪ እዚ ዕዳ ንምኽፋል ክግደዱ እዮም።

ሰብ ሞያ ቁጠባ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቻይና 70 ሚእታዊት ልቓሕ ኣብ ኬንያ ከምዘለዋ እዮም ዝሕብሩ።

መንግስቲ እታ ሃገር ግና እዚ መንገዲ ባቡር ካብ ዝቕፅል ዓመት ትርፊ ከምዝረክብ የተስፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት