ባይቶ እስራኤል 'ሃገረ ኣይሁድ' ዝምስርት ኣካታዒ ሕጊ ኣጽዲቑ

ናታንያሁ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ

ባይቶ እስራኤል 'ሃገረ ኣይሁድ' ዝምስርት ኣካታዒ ሕጊ ኣጽዲቑ፡ ባይቶ እስራኤል ነታ ሃገር ብፍሉይ ሃገረ ኣይሁድ ዝገብር ቀቢላውን ዓሌታውን ሕጊ ኣጽዲቑ። ንየሩሳሌም ብምልእታ ድማ ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ይገልጻ።

ባይቶ እስራኤል ንሃገረ እስራኤል ብፍሉይ ናይ ኣይሁድ ሃገር ኢዩ ኢሉ ዝገልጽ ኣካታዒ እማመ ከም ሕጊ ኣጽዲቕዎ።

እቲ ናይ "ብሄር ኣይሁድ መንግስቲ"ዝእምም እማመ ንቛንቋ ዓረብ ዘሕሰርን፡ ናይ ኣይሁድ ሰፈራ ድማ ከም ሃገራዊ ረብሓ ብምጥማት ዘተባብዕን ኢዩ።

እቲ ከም ሕጊ ዝጸደቐ እማመ የሩሳሌም "ብምልእታ" ከም ርእሰ ኸተማ እስራኤል ኢዩ ዝገልጻ።

ዓረብ ዝመበቆሎም እስራኤላውያን ግና ነቲ ዝጸደቐ ሕጊ ክኹንንዎ ከለው፡ ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ኔቴኛሁ ግና ነቲ ዝጸደቐ ሕጊ "ወሳኒ ህሞት" ብምባል ንኢድዎ።

እቲ ብየማናውያን ዝድገፍ መንግስቲ እቲ ሃገር ዝቐረበ እማመ "እስራኤል ከም ሃገር ታሪኻዊት ሃገር ኣይሁዳውያን ከምዝኾነትን ኣይሁዳውያን ድማ ብፍሉይ መሰል-ርእሰ ውሳነ ኣብ ሃገሮም ከምዘለዎም" ይገልጽ።

ባይቶ እስራኤል ነቲ እማመ ድሕሪ ሸሞንተ ስዓታት ዝወሰደ ብርቱዕ ክትዕ ኢዩ ኣጽዲቕዎ። ነቲ እማመ 62 ኣባላት ባይቶ ክድግፍዎ ከለው 55 ድማ ተቓዊሞሞ።

እንተኾነ፡ ፕረዚደንትን ዓቃብ ሕጊ እታ ሃገርን ገለ ዓንቀጻት እንተላይ እቲ እታ ሃገር ናይ ኣይሁድ ማሕበረ ሰብ ጥራይ ኢያ ዝብል ዓንቀጽ ስለዝተቓወምዎ ካብቲ ቀሪቡ ዝነበረ እማመ ከምዝጎድል ተገይሩ።

እስራኤላውያን ኣዕራብ 20 ሚኢታዊት ናይቲ ትሽዓተ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ እስራኤል ኢዮም።

ብዓይኒ ሕጊ ማዕረ መሰላት ኢዩ ዘለዎም። እንተኾነ፡ ከም ካልእይ ዜጋ ኢና እንርአን፡ ብፍላይ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን መንበሪ ገዛን ድማ ኣድልዎ ኣብ ልዕሌና ይፍጸም ኢዩ ብምባል ወትሩ ከማርሩ ኢዮም ዝስምዑ።

ዓረብ ዝመበቆሉ ኣባል ባይቶ ኣሕመድ ቲቢ ምጽዳቕ እቲ ኣማመ "ሞት ናይ ዴሞክራሲ" ኢዩ ዘበስር ኢሉ።

ኣዳላሕ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ድማ ምጽዳቕ ናይቲ እመመ "ቀቢላዊ ልዕልነትን ዓልየታዊ ፖሊሲን ዝተባብዕ" ኢዩ ኢልዎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኔቴኛሁ ነቲ ሕጊ ብምድጋፍ "ኣብ ናይ እስራኤል ዴሞክራሲ መሰል ዜግነት ከነረጋግጽ ኢና፡ እንተኾነ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ምውሳን መሰል ይህልዎም" ኢሉ።