ሽርክነት ንግዲ ኢትዮ-ኤርትራ ክሳብ ኣበይ?

ዶክተር ቆስጠንጢኖስ (ፀጋም) ኣቶ ክብሮም (የማን) Image copyright FB/DR. KOSTENTINOS/ KIBROM
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ቆስጠንጢኖስ (ፀጋም) ኣቶ ክብሮም (የማን)

ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ነተን ብብዙሕ ነገራት ዝተኣሳሰራ ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልየን ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምምስራተን ዓቢ ነገር ምዃኑ ብዙሕ ዘየጠራጥር'ዩ።

እዚ ሰላም ናብ ንግዳዊ ርክባት ምምዕባሉ ንክልቲአን ሃገራት ተጠቀምቲ ከምዝገብረን ቡዙሓት ትጽቢት ይገብሩ። ነታ ወደብ ዘይብላ ኢትዮጵያ ብወደብ ዓሰብ ምጥቓም ኣርባሒ ክኸውን እንከሎ ንኤርትራ ከኣ ካልእ ምንጪ ኣታዊ ይኸውን።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መንገዲ ኣየር ኤርትራን ብሽርክነት ክሰርሓ ምስምመዐን ከኣ ሓደ ኣካል ናይዚ እዩ። ካብዚ ንግዳዊ ርክባት፡ ክልቲአን ሃገራት መኽሰብ ዝረኽባሉ ክኸውን እንከሎ፡ ህዘቢ'ውን ይርባሕ።

እዚ ናይ ሰላም ሰጉምን ርክባት ህዝብን ዓቢ ነገር ድኣ ይኹን'ምበር፡ ኤርትራን ህዝባን፡ ካብዚ ንግዳዊ ርክባት ትረብሖ ነገር ከምዘይብላ ዝዛረቡ ግን ኣለዉ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኤርትራን ዳይረክተር ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ ሓደ ካብዚኦም'ዩ።

ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ብዛዕባ ቁጠባዊ ኩንታት ኤርትራን ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎ ገዲም ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ "ልቢ ክልተ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዕርፍ ስጉምቲ ምዃኑ ዓቢ ነገር'ዩ" ይብል።

ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ግን ካብዚ ዝረብሕዎ ነገር ከምዘየለ ይዛረብ።

ኢትዮጵያ ሰፊሕ ስርዓተ ንግዲ ዘለዋ ኮይና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ንግዲ ስምምዓት ኣብ እትገብረሉ ንኢትዮጵያውያን ኣውፈርትን ኩባንያታትን ኣብ ግምት ብዘእቱ እዩ ዝግበር፤ ኣብ ኤርትራ ኣብ እንመጸሉ ግን ብኣንጻሩ፡ እዚ ዓይነት ቅርጺ ዘይምህላዉ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ከም ነጥቢ የቐምጦ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ነገር ክፉት እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ብሕጊ ዕጹው እዩ እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ እዩ። እዚ ንዝስደድን ንዝኣቱን ነገራት ኢትዮጵያውያን ብዘይ ተወዳዳሪ ናይ ምስታፍ ዕድል ክፈጥረሎም'ዩ። ኤርትራዊ ግና ተዓዛቢ ጥራይ'ዩ ክኸውን ማለት'ዩ" ዝብል ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ እዚ ንኢትዮጵያ ሎቶሪ ምዃኑ ይዛረብ።

Image copyright KIBROM DAFLA

ንንግዳዊ ሽርክነት ክጸውር ዝኽእል ስርዓት ኣብ ኤርትራ ካብ ዘይህሉ ዕስራ ዓመታት ከምዘቑጸረ ፡ ህዝቢ ካብዚ ዓይነት ሽርክነት ዝረብሖ ነገር ስለዘየዕብሉ፡ ንንግድ ተዓጽዮም ዘለዉ ማዓጹ ንኽርሓዉ ህዝቢ ክሓትት ከምዘለዎ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ይዛረብ።

ምስ ኤርትራ ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ሽርክነት ኢትዮጰያን ኢትዮጵያውያንን ዋላ ይርብሑ፡ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ረብሓታቱ ዘቐድም ስርዓት ክሳብ ዘይተተኸለ ናይ ኢትዮጵያ መኽሰባት ከምዚ ዝተሓሰቦ ክኸይድ ከምዘይክእል፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ የረድእ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጰያ ጀሚርዎ ዘሎ ንግዳዊ ሽርክነት ከም ባንኪ ዝኣመሰላ ትካላት ፋይናንስ ተዘይተፈጢሩሉ፡ ካብ ተዋስኦ ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ኣቶ ክብሮም ዳፈላ ይገልጽ።

ብጥቅልሉ እዚ እዩ ዝብሃል ፖለቲካወን ኢኮኖሚያውን ስርዓት ምስዘይብሉ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ርክባት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥብ ዝብል መኽሰብ ከምዘየምጽእ'ውን የረድእ።

ተስፋ ኣብ ልዕሊ ተስፋ

ብዓል ሞያ ስነቁጠባ ዶክተር ቆስጠንጢኖስ በርሀ፡ ብወደብ ጂቡቲ ምጥቃም ንብረት ኣብ ወደብ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሓሉ እዋናት ስለዘሎ፡ ንዓመት ክሳብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ንትኸፍል ዘላ ኢትዮጵያ፡ ብወደብ ኤርትራ ምጥቃም ዓቢ ነገር ምኳኑ ይገልጽ።

ምስ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሽርከነት ንኽሰርሕ ብርኪ ንዝዓደገ መንገዲ ኣየር ኢትዮጰያ፡ ንክሊ ኣየር ኤርትራ ንዘይምርጋጽ ዝግበር ዝነበረ ነዊሕን ኮለል ዝበዝሖ በረራን ይሓጽር ምህላዉ ዓቢ ረብሓ ንመንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምዃኑ የረድእ።

ካብ ወደባት ብፍላይ ምስ ወደብ ባጽዕ ዝያዳ ናይ መሬት ምቕርራብ ዘለወን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ተረባሐዕቲ ከምዝኾና'ውን የብርህ።

Image copyright FB

ዶክተር ቆስጠንጢኖስ ግን ኣንጻር መረዳእታ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ ኣብ እትጥቀመሉ ዕድላት ስራሕ ስለዝፈጠር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ እምነቱ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣብ ዘኻየደሉ ካብ ዝተዛረቦ ብምብጋስ፡ "ኤርትራ ሕገ መንግስቲ ብምጽዳቕ፡ ህዝቢ ዝኾኖ መራሒ ክመርጽ ክኽእል ኣብ ተስፋ ዝተመስረተ'ዩ" ይብል።

ነገራት ተዘይተቀያይሮም፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም ንኤርትራ'ምበር ንኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ዝዘረብ ዶክተር ቆስጠንጢኖስ፡ ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ፡ ሶማሊላንድን ሱዳንን ባዕላ ትቆጻጸሮ ወደብ ንምርካብ ትዛረረብ ምህላዋ ይጠቅስ።

መንእሰያት ኤርትራ ክንዲ ንኩናት ንኣፈራይነት ዝዳለውሉ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ኤርትራ ዘውፍረሉ ዕደል ዝፈጠር ስርዓት ተዘይሃልዩ ኩሉ ትርጉም ከምዘይህልዎን እታ ሃገር'ውን ናብቲ ዝነበረቶ ቅልውላው ከምትምለስ ሓሳቡ ይህብ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ዘድሊ ለውጢ ንክመጽ ህዝቢ ጻዕሩ ከሐይልን፡ ምስ ኢትዮጰያ ዝግበር ኢኮኖምያዊ ሽርክነት እወታዊ ተጽዕኖ ከምዝህልዎ ተስፋ ከምዝገብር ዶክተር ቆስጠንጢኖስ ይዛረብ።

ተወሳኺ ዛንታ