ክልል ትግራይ ምስ ኤርትራ ስፓርታዊን ባህላውን ርክባት ክጅመር ይጽውዕ

ደብዳበ ቢሮ ስፓርትን መናእሰይን ክልል ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Sport and Culture Bureau

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዘሎ ሰላም ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ክራኸቡ ኣኽኢልዎም ኣሎ

ቤት ጽሕፈት (ቢሮ) ስፓርትን መንእሰያትን ክልል ትግራይ ናብ ኮሚሽን ባህልን ስፓርን ኤርትራ ባህላዊን ስፓርታውን ምትእስሳር ክህሉ ዝጽዉዕ ደብዳቤ ጺሒፉ።

ዕላማ ናይቲ ናብ ኤርትራ ዝተሰደ መልእኽቲ "ምጥንኻር ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ" ምዃኑ እቲ ደብዳበ ይጠቅስ።

" እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ሰላምን ፍቕርን ንክጠናኸር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝተፈላለዩ ርክብና ዘጠናኽሩ ስፓርታ'ውን ባህላ'ውን ውድድራት፡ ማለት እውን ውድድር ብስክሌት፡ ውድድር ኩዕሶ እግሪ፡ ሰርከስ፡ ውድድራት ፌስቲቫል ሙዚቓን፡ ናይ መናእሰያት ናይ እግሪ ጉዕዞን ምክያድ ጠቓሚ ስለዝኾነ"

ኣብ መወዳእታ "ብኣኹም ዘሎ ድልውነት ንክትገፁልና ብኽብርን ብሕውነታዊ ፍቕርን እናሓተትና፡ ንዝግበረልና ሕውነታዊ መልሲ ኣቐዲምና ነመስግን" ብምባል ብወገን ኤርትራ ኣወንታዊ ምልሲ ክረክብ ትጽቢት ይገብር።

እቲ ደብዳበ ናይቲ ቢሮ ሓላፊ ዝኾነ ነጋ ኣሰፋ መኮነን ክታም ዘለዎ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝኸፈትዎ ሓድሽ ናይ ሰላም ርክባት፡ ትማሊ ሮቡዕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመት ንመጀመርታ ናብ ኣስመራ በራራ ከም ዘካየደትን፡ ብዙሓት ተፈላልዮም ዝነበሩ ቤተሰባት ክራኸቡ ኣኽእልዎም'ዩ።

ናይ ምድሪ መጓዓዝያ'ውን ኣብ ዝቐረባ እዋን ብዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ ክልቲአን ዶብ ከም ዝጅመር ተፈሊጡ'ሎ።