ጦብላሕታ ጉዕዞ ከተማ ኣስመራ

ንፈለማ እዋን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘምርሑ ኢትዮጵያውያን

ሎሚ ኣብ ፅባሕ ድሕሪ እቲ ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን፡ ንዕሰራ ዓመታት ኩራ ኣስፊኑ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፈላልዩ ዝፀንሐ ኲናት፡ ሰላም ምውራዱ ስዒቡ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዯጵያ ዝመፃእኻ ጋሻ ምዃንካ እንተፈሊጦም፡ ኣተሓቛቑፍኦም ዝያዳ የጥብቑ።

ንዓመታት ተፈላልዮም ዝፀንሑ ስድራታት፣ ዓሌተ ኣዝማድን ፈተውትን፡ ዳግማእ እንትራኸቡ ምርኣይ ወሸጥኻ ይትንክፍ። ዘይፋለጡ ግን ከኣ ዝነፋፈቑ ኣብ ሓያል ናፍቆታዊ ሰላምታ ጥሒሎም ናብዝን ናብትን ክብሉ ከለዉ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ክተልዕል የገደድካ። ሓባራዊ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ቋንቋን ስነ-ልቦናዊ ምትእስሳርን፡ እዞም ህዝብታት ብኸመይ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ምቅርራብ ተስኢንዎም?

ካብ ትፅቢት ወፃኢ ብዝኾነ ኩነታታ ብቅልጡፍ ርክብ ዝጀመሩ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፡ እዞም ናይ ምፍልላይ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ "ዝባኸኑ ግዘታት' ኢሎም ገሊፆሞም እዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ርክብ እተን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋቱ ምስኣወጁ ነቲ ዝባኸነ ግዜ ዝበልዎ ዓመታት ንምክሕሓስ እውን ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ "ፍቕር ያሸንፋል" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተር ንመሸጣ ዘዳለወት ዱኳን

እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ግና ኣብ ከይዲ ግዜ እንታይ ዓይነት ቅርፂ ከምዝሕዝ፡ ብንፁር ከምዘይተረድኦም ዝገልፁ ኤርትራውያን ኣይጠፍኡን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፖለቲካን ቁጠባን ፅቡቕ ትጓዓዝ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣካል ግዝኣታ ዝነበረት ኤርትራ መሊሳ ክትረክብ'ዶ ትኸውን ዝብሉ ውሑዳት ስግኣታት ምንፅብራቖም እውን ኣይተረፈን።

ምንልባት እዚ ብዙሕ ዘይተዘረበሉ ስግኣት ውድቂ ንምግባር ሓሲቦም ወይ ከኣ ኣብቲ ታተ ዝብል ዘሎ ዳግማይ ርክብ እዘን ሃገራት፡ ብኣጋ ረቛሕታት ንምቅማጥ ደልዮም፡ ሚኒስትር ሓበሬታ እታ ሃገር ኣይተ የማነ ገብረመስቀል፡ ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ከምኡ እውን ግዝኣታዊ ሉኣላውነት፡ ሓድሽ ምሕዝነት ኢትዮ-ኤርትራ ልክዕ ከምዝኾነ ደጋጊሞም ይዛረቡ።

ዕድመ ፀገብ ከተማ

ንብዙሓት ዓመታት ንኤርትራ "ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ" ኢልካ ብኣሉታ ምግላፅ ልሙድ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ብዙሓት ዘይቅበልዎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምዕፋን ድምፅታት ተቓውሞ፣ እቲ መንግስቲ ገባሪ ሓዳጊ ምዃኑን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተነፂላ ዝመነነት ሃገር ከምዝኾነት ምውሳዳን'ዩ ነዚ ንፅፅር መበገሲ ኮይኑ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጎደና ናቕፋ

ሰበ-ስልጣናታ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝቐርበሎም ነቐፌታታን እታ ሃገር ዘጋጠመ ተነፅሎን'ኳ ቆላሕታ እንተዘይሃብዎ፤ ስግኣታት እታ ሃገር እዮም ኣብ ዝበልዎም ጉዳያትን ቀዳምነት ዝህብዎም ዛዕባታትን ምድሃቦም ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ይግለፅ።

ይኹን እምበር መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብቲ ህዝቢ ስምዒት ሃገራውነት ንምስራፅ ከይተሓለለ ከምዝሰርሐ ንምግማቱ ኣይኸብድን። "ኤርትራዊ እየ፣ ኩሩዕ እየ" ዝብሉ ፅሑፋት ኣብ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ተለጢፎም ይረኣዩ።

መንፈስ ሃገራውነት ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ንክሰርፅ ዝተደለየሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዘራኽብ እውን ክኸውን ይኽእል።

እታ ሃገር ኣብ ልዕሊኣ ብዝተወሰኑ ማዕቐባት፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ምግላላን ተደጋጋሚ ጎንፅታትን፡ ተደማሚሮም ንቑጠብኣ ሃስዮም ኣለዉ። በዚ ድማ ነቲ ስምዒት ሃገራውነት ከይፀለዎ ኣይተረፈን።

ኣብ ጎደናታት ኣስመራ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ምርኣይ ከቢድ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰገናትን ሰብ ፀጋ ዕድመን ብብዝሒ ይረኣዩ።

ነዚ ትዕዝብትና ዘካፈልናዮም ክልተ ነባርቲ እታ ከተማ፡ እዚ ጉዳይ ምስ ስደት ኣተሓሒዘሞ።

በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን መናእሰይ (ካብ ሞንጎ እዚኦም እቶም ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ)፡ ካብ ድኽነት፣ ውትህድርናን ዓፈናን ብምህዳም ናብ ኣውሮጳ ከምዝተሰደዱ ይግለፅ።

ሰብ-መዚ ድማ፡ ኤርትራ ንዓርሳ ዝኸኣለተት ሃገር ካብ ዝኾነትሉ እዋን ጀሚሩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣኖም ይርከቡ።

ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ ንግዲ፡ ሃይሃይታ ዘለዎ እዩ ንምባል ዝኸብድ'ኳ እተኾነ፡ ምስ ቢቢሲ ፃንሒት ዝገበሩ መናአሰይ ግና እኹል ኣማራፂ ስራሕ ከምዘሎ እዮም ዝኣምኑ።

ኢንተርኔትን ስልክን

ኣብ ከተማ ኣስመራ ገመድ ኣልባ ኣግልግሎት ኢንተርኔት ዘለወን ሆቴላትን ኤንተርኔት ካፌታትን ኣለዋ፤፡ ፅሬት ኣገልግሎተን ግና ዘዕግብ ኣይኮነን።

መንገዲ ኣየር ኢትዯጵያ ልዕሊ 450 ተጓዓዝቲ ሒዙ ናብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዘቕንዐሉ ፈላማይ ጉዕዞ፡ ብርክት ዝበሉ ተጓዓዝቲ ኣገልግልሎት ኢንተርኔት ንምርካብ ናብዝን ናብትን እንትንገላትዑ ተዓዚብና።

ዘርፍታት ኣግልግሎት እታ ከተማ ብሓደ ግዘ ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎም ኣጋይሽ ንምትእንጋድ ዓቕሚ ዘኻዕበቱ ኣይመስሉን።

ተንቀሳቓሲ ስልኪ (ሞባይል) ክጥቀሙ ዝደልዩ ኣጋይሽ ሲም ካርድ ብቅልጡፍ ክረኽቡ ዘይሕሰብ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ፍሉያት ከባብታት እታ ከታማን ብካርዲ ኣብ ዝሰርሓ ህዝባዊ ስልክታትን ምድዋል ብዙሓት ዝመርፅዎ መራኸቢ ሜላ እዩ።

ፍቕሪ-ኣብይ

ናይ ምስሊ መግለጺ ስእሊ ፕርዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕራይም ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ስእሊ ዘለዎ ማልያ ንመሸጣ ዝቐረበ ዱኳን

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣስመራ ዑደት ምግባሮም ስዒቡ፡ ኣብታ ከተማ ልዑል ተፈታውነት እንከይረኸቡ ኣይተረፉን።

ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ሰገናት ምስሊ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓዙ ካናቲራታት ይሸጡ። ዱንኳናት፣ መደብራትን ናይ ምሸት መዘናግዒ ቦታታትን ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ስእሊ ለጢፎም ይረኣዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዯጵያ ዘመዝገብዎም ለውጥታት ክርእዩ ይብህጉ ዶ ይኾኑ፡ ኢልና ንነበርቲ እታ ከታማ እንትንሓቶም፡ ካብቲ ብዙሕ ኣብ ከብዶም ዝፀርዎ፡ ጨሊፎም ለውጢ ከምዝብህጉ ተስፍኦም ኣካፊሎምና።

ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን፡ ኤርትራ ምስ ሃይማኖት ብዝተተሓሓዘ፡ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ዝፈትሐት እንትትኸውን፡ እዚ ስጉምቲ ኣብ ካልኦት ምንቅስቓሳት ክረኣይ ዶ ይኸውን፡ ዝብል ግልፂ ዝኾነ ነገር የለን።

ጣዕመ ዜማታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ምሸት መዘናግዒ

ኤርትራን ኢትዯጵያን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ዳግማይ ብዕሊ ቅድሚ ምጅማረን፣ ብኣካል ተነፃፂሎም ዝፀንሑ ስድራ ዳግም ቅድሚ ምራኻቦም፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተዘርጊሑ ዝፀንሐ ድልድል ስነ-ጥበብ ዘሎ ይመስል።

ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣብ ዝርከቡ መንገድታት ኣስመራ ኣብ ዝሽክረከራ ታክሲታት ኣስመራ፣ ሙዚቃትት ኢትዮጵያን መንፈሳዊ መዝሙራትን የፃውቱ።

ማእኸላት መዘናግዒ እታ ከታማ እውን፡ ዕዱማተን ብጣዕመ ዜማታት ኢትዮጵያ የሀድሳ።

ብቴሌቬዥን ዝመሓላለፉ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሕ ዝበሉ ተመልከትቲ ኣለዎም። ብተሌቬዥን ዝመሓለለፉ ተዋስኦታት ፍሉይ ፍቕሪ ከምዘለዎም ዝገለፁልና መናእሰይ እታ ሃገር፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንክለምዱ ከምዝሓገዞም ነጊሮምና።

ፈላሞት ተጓዓዝቲ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ስነ-ጥበብ፡ ብኤርትራውያን ናእዳን ድሙቕ አቀባብላን ቀሪቡሎም።

ተወሳኺ ዛንታ