ሓሳብ 'ትረስት ፈንድ' ብገምጋም ዳያስፖራን ሰብ-ሞያን

ዶላር ኣሜሪካ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ በዚ ትረስት ፈንድ ኣብ ወርሒ ክሳብ 30 ሚልዮን ንምእካብ ይሕሰብ

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ረቂቕ ባጀት 2011 (2019) ኣብ ዝፀደቐሉ እዋን ሓደ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኔሮም።

ንምዕባለ ሃገር ረብሓ ከምዘለዎ ዝገለፅዎ እቲ ሓሳብ ምጥያስ ትረስት ፈንድ ይምልከት። "ብቦርድ ዝምራሕ ኮይኑ ኣታዊኡን ወፃኢኡን ብትኽክል ዝፍለጥ ትረስት ፈንድ ብምጥያስ ዳያስፖራ በብመዓልቱ ሓደ ዶላር ንኽልግስ ንሓትት" ምባሎም ይዝከር።

ካብዚ ድማ ኣብ መዓልቲ እንተውሓደ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክርከብ ከምዝከኣል ምግላፆም ይፍለጥ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ዓዶም ዝልእኽዎ ገንዘብ ሕጋዊ መንገዲ ዝተኸተለ ብምግባር "ዘይሕጋውነት ብምክልኻል ንሃገርኩም ርብሑ" ክብሉ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ነይሮም።

ትረስት ፈንድ እንታይ'ዩ?

ሕጋውነት ዘለዎ ውልቀ-ሰብ፣ ጉጅለ ወይ ድማ ትካል ኮይኑ ጥረ ገንዘብ ይኹን ንብረት ዘመሓድር ኣካል ማለት'ዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትረስት ፈንድ'ኳ እንተሃለዉ፡ ኩሎም ግን ብሰለስተ መሰረታውያን ትሕዝቶታት ይተኣሳሰሩ። ንሶም ከኣ ጥረ ገንዘብ ወይ ንብረት ዝልግስ፣ ዘመሓድርን ተረባሕቲ እቲ ፈንድ ዝኾኑ ኣካላት ዝብሉ እዮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ከምዝበልዎ እቲ ትረስት ፈንድ መቐመጢኡ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ክገብር ይኽእል። ሽዑ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ መዋጮ ገንዘብ ይገብሩ።

ቁፅሪ ሕሳብ ባንክ ናይቲ ትረስት ፈንድ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ተገሊፁ'ሎ። ፍቓደኛ ዝኾኑ ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ብዝግበር ድሕረ-ገፅ (መርበብ ሓበሬታ) ወይ ከኣ 22 ብዝበፅሑ ገንዘብ ዝሕውሉ (ዘተሓላልፉ) ትካላት ተጠቒሞም ገንዘብ ከእትዉ ከምዝኽእሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ኣፍሊጦም'ዮም።

ዳያድፖራ እንታይ በለ?

ኣይተ ሃብታሙ ኣበበ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሜሪላንድ ይነብሩ። "ኣብ ሙሉእ ዕድመይ ክሪኦ ዘይተፀበኹዎ ለውጡ ክርኢ ጀሚረለኹ። ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። ዝከኣለኒ ኩሉ ንምግባር ድልው ኮይነለኹ" ይብሉ።

"እቶም ቀዳማይ ሚንስተር እጃም ዳያስፖራ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ብትኽክል ገሊፆሞ ኣለዉ። ኣነን በዓልቲ ገዛይን ኣብቲ ትረስት ፈንድ ተሳትፎ ንምግባር ድልዋት ኢና" ክብሉ'ውን ወሲኾም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ በዚ መንገዲ እቲ ዝድለ መጠን ገንዘብ ምርካብ ከምዝኸብድ ዝዛረቡ ኣለዉ

ኣብ እንግሊዝ ዝነብሩ ኣይተ ጳውሎስ ኣያሌው "ብዘይ ዴሞክራስን ሕግን ክመርሕ ዝፀንሐ መንግስቲ ሕዚ ገንዘብ ኣዋፅኡ ምባሉ ንዓይ ተኣማንነት የብሉን። ካብ ደገ ዝመፅእ ገንዘብ ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ የብሎምን። ህዝቢ'ውን ኣይመረፆምን። ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ክባኣኣስ ካብ ምግባር ወፃኢ ነቲ ህዝቢ ዝህቦ ረብሓ የለን" ክብሉ ነቲ ትረስት ፈንድ ይቃወሙ።

ብኣንፃሩ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቨርጂንያ እትነብር ፀደይ ብዙኣየሁ " እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ዝበልዎ ንምፍፃም ድልውቲ እየ። ንሕና እንደልዮም ሰባት ኣካል እቲ ትረስት ፈንድ ኮይኖም ነቲ ኣፈፃፅማ ዝገልፅ እዋናዊ ፀብፃባት ከቐርቡልና ጥራሕ ኢና ንደሊ" ኢላ።

ያሬድ ጌታቸው ኣብ ኣሜሪካ ዝነበር በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እዩ። ንሓሳብ ቀዳማይ ሚንስትር ብእወንታ ተቐቢሉ'ሎ። "እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ሓሳብ ከየልዓልዎ'ውን ንቤተሰብና ከመይ ክንረድእ ከምዝግባኣ ንዘራረበሉ ዝነበረና ዛዕባ'ዩ" ክብል የረድእ።

"ንሃገሩ ብገንዘብ ክሕግዝ ዝደሊ ብዙሕ ሰብ ኣሎ። ይኹን ዳኣ'ምበር እቲ ዝተኣኻኸበ ገንዘብ 'ንመዕደጊ ኣፅዋር ይውዕል'፤ 'ብብልሽውና ይጠፋፋእ' ዝብሉ ስግኣታት ካብቲ ሰናይ ድልየትና ይገትኡና። ግሉፅነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣሰራርሓ እንተሃልዩ ግን ካባና ዘድሊ ኩሉ ንምግባር ድልዋት ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

ሓሳብ ሁራት ቁጣባ

ፕረዚደንት ኣብያተ ምኽሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ዘገልገሉ ሕዚ ግን ኣብቲ ስራሕ ዘይርከቡ ኣይተ ክቡር ገና ንሓሳብ ቀዳማይ ሚንሰትር ኣብይ ኣይቕበሉን።

"እዚ ትረስት ፈንድ ናይ ምጥያሽ ሓሳብ ነቲ ካብ ደገ ዝመፅእ ገንዘብ ካብ ምጥንኻር ዝሰገር ካልእ ረብሓ የብሉን" ይብሉ።

"ብዛዕባ ብዙሕ ገንዘብ ኢና ንዛረብ ዘለና። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ይብልዎ ዘለዉ መጠን ገንዘብ ካብ ማክያቶ ብዝእከብ ገንዘብ ዝተኣኻኸብ ኣይኮነን። ኣብታ ሃገር ንዘሎ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምህዳእ ዝመፀ ሓሳብ እንተኾይኑ ብዙሕ ከኽይድ ዘኽእል ስለዘይኮነ መሊስካ እንተዝሕሰበሉ እብል" ክብሉ ሓሳቦም የጠናኽሩ።

ኣይተ ክቡር ገና "ኣነ ብውልቀይ ንዳያስፖራ ኣይኣምንን። ብርግፅ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ናይ በዓሉ እጃም ከምዘለዎ እግንዘብ። ይኹን ደኣ'ምበር ቆላሕታ ሂብካ ክስርሓሉ ዝግባእ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሃብቲ ክኸውን ኣለዎ" ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።

ካልእ ምሁር ቁጠባ ዶክተር ኑሩ ሰይድ ብዛዕባ ዓቕሚ ዳያስፖራ "ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብታ ሃገር ዝልእኽዎ መጠን ገንዘብ፡ እታ ሃገር ናብ ደገ ሰደድ ብምልኣኽ ካብ እትረኽቦ ኣታዊ ብኽልተ ዕፅፊ ይበልፅ" ክብሉ ይዛረቡ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንዓቕሚ እቲ ዳያስፖራ ስለዝተገንዘቡ ፃውዒት ከምዘቕረቡ ዝገልፁ ዶክተር ኑሩ "ቅድሚ ሕዚ ንመንግስቲ ንምጉዳእ ብምሕሳብ ዳያስፖራ ናብ ዓዲ ገንዘብ ከይልእኽ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ይካየዱ ነይሮም። ካብ ሕጊ ወፃኢ ገንዘብ ክኣቱ'ውን ይግበር ነይሩ። ሕዚ ግን ዓቕሚ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ከትርፍ እንተኺኢሉ እታ ሃገር ክትርባሕ'ያ" ኢሎም።

እቲ ዝድለ ገንዘብ ግን በቲ ትረስት ፈንድ ክርከብ ከምዘይክእል ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ