ቃለ መሕተት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምስ ቢቢሲ

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማን ገብረመስቀል Image copyright Mary Harper
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማን ገብረመስቀል

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቃልኪዳን ይበልጣል ንህሉው ኩነታት ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሕጂ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ለውጥታትን ኣመልኪቱ፡ ምሰ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ቃለመጠይቕ ኣካይዱ'ሎ።

ካብ ሓሙሽተ ሰነ፡ ኣብ ክልተ ወርሒ ዘይኣክል፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ኣዝዩ ቅልጡፍን ኣወንታውን ምዕባለታት፡ ንዘሎ ጸቡቕ ጉርብትና፡ ኣብ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ናይ ክልቲኡ ብምክብባር ዝተመስረተ ሓዲሽ ምዕራፍ ከምዝኾ ተዛሪቡ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተራ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ኣገዳሲ'ዩ ነይሩ ይብል ኣቶ የማነ

እዚ ከኣ ንክልቲኡ ህዝብታት ዓቢ ብስራት ሓጎስ፡ ብስራት ልምዓት፡ ብስራት ናይ ሰላም ከምዝኾነ ገሊፁ። "ንኽልቲኡ ህዝብታት ጥራይ ዘይኮነ ንከባቢና'ውን ኣወንታዊ ነጸብራቕ ክህልዎ'ዩ" ኢሉ።

ምጅማር በረራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ብዙሕ መኽስባት ከምዝህልዎ ሓቢሩ።

ብመንጽር ህዝቢ ኤርትራ ክረአ እንከሎ፡ ዝሰፈሐ ናይ መራኸቢ መስመር ከምዝኸፍተሉን ብዓይነትን ብዋጋን'ውን ንተገልጋሊ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ገሊፁ።

ንተወሰኽቲ ሕቶታት ድማ ዝስዕብ መልሲ ሂቡ።

ቢቢሲ፦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ ብህዝ ናይ ሓጎስ ስምዒታት ኔሩ ሕጂ'ውን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት እቲ ሓጎስ ቀጻሊ እዩ ዘሎ፡ እዚ ንዓኹም ንቀጻሊ እንታይ ትምህርቲ ይህበኩ?

የማነ ፦ እዚ ተረኺቡ ዘሎ፡ ካብ 1960 እንድሕር ሓሲብና እቲ ዝሓለፈ 53 ዓመታት ናይ ኩናት ወይ ናይ ወጥሪ እዋን እዩ ኔሩ። ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብዚ ኩሉ ዓመታት ተዛመዲ ሰላም ዝነበረሉ ሸውዓተ ዓመት ጥራይ እዩ ኔሩ።

እዚ ምዕራፍ'ዚ ንጎኒ ተገዲፉ፡ ንቅድሚት ክንርኢ፡ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ተማላላእነት ተራእዩ፡ ከም ክልተ ሃገራት፡ ከም ናይ ታሪኽ ናይ ባህልን ካልእ ዝምድናን ዘለዎም ህዝብታት ብሓባር ንልምዓት ክንሰርሕ ንህዝቢ የገድሶ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ኣስመራ ምስ መጽአ፡ ናይ ህዝቢ ስምዒት እንታይ ከም ዝነበረ ኩሉ ሰብ ርእይዎ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ'ውን ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስምዒት ተራእዩ እዩ።

ኣነ ብሕጽር ዝበለ እዚ ኩነታት እዚ ዝመጽኣሉ ምኽንያት ክልቲኦም መራሕቲ ጽቡቕ ራኢ ስለዘለዎም፡ ኣገዳስን ተባዕን ፖለቲካዊ ወሳነ ስለዝወሰዱ፡ ክልቲኡ ህዝቢ'ውን ናይ ኲናት ምረት ስለዝፈልጦ፤ ድምር ናይ ብዙሕ ረቛሒታት'ዩ ናብዚ ተበጺሑ።

እቲ መጻኢ ከኣ ጽቡቕ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

Image copyright YEMANE/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማን ገብረመስቀል

ቢቢሲ፦ ኣብ ዝሐለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ውጥታት'ዩ ዝረአ ዘሎ፡ ምስ ኤርትራ እውን ዳግማይ ርክባት ተጀሚሩ ኣሎ እዚ ርክብ'ዚ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ውጢ ምጽ ተኽእሎ ኣለዎ ድዩ? ብወን ኤርትራ እንታይ ዓይነት ለውጥታት ክህልዉ ይኽእሉ?

የማነ ፦ እዚ ኣጽብብ ኣቢልካ ዘረአ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሓርነቱ፡ ክቃለስ እንከሎ ንመሰል እዩ ተቓሊሱ።፡ መሰል ከኣ ሰፊሕ እዩ። መሰል ናይ ልምዓት፡ መሰል ዜግነትን መሰል ከም ህዝቢ ምንባርን፡ ምናልባት ኩናት እንተሎ ምስ ኵናት ዝተኣሳሰር ጸገማት ይህሉ ይኸውን፡ ኣብ ግዜ ሰላም ግን ንብልጽግና ናይታ ሃገር ንሰብኣዊ መሰልን ድሕነትን ናይቲ ዜጋ፡ ኩሉ እቲ ክግበር ዘለዎ ይግበር ማለት እዩ።

ቢቢሲ፦ ናይ ሃይማኖት እሱራት ተፈቲሖም ዝብለ ዜና ሰሚዕና'ሞ. . . . . . . . .

የማነ ፦ ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጥኩን። ግን ኣብ ኤርትራ እኮ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኮይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል ናይ እምነት ተኽብር ሃገር እያ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ተመሳሳሊ ይመስለኒ ።

ኣብ ኤርትራ ክርስትና ኣብ 320 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝተኣታተወ እዩ፡ ምስልምና'ውን መሓመድ እንከሎ ዝተኣታተወ እዩ። ክርስትና፡ እስልምና፡ ኮተሊኽን ከኒሻን ንኣማኢት ዓመታት ብስኒት ዝነብረ እዩ። መንግስቲ ከኣ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ኣየእቱን'ዩ።

ዝኾነ ሰብ ናይ እምነት መሰል ኣለዎ። ምናልባት ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝረኣናዮ ግን፡ ብደገ ዝምወል ንሕብረተሰብ ዘናውጽ ጸገማት ስለዝመጽአ፡ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ጽልዋ ምሰዝህሉ'ዩ መንግስቲ ኢዱ ዘእቱ'ምበር፡ ሰብ ተደለየ ክኣምን ይኽእለ ተዘይደለየ ዘይክኣምን ይኽእል'ዩ።

ስለዚ፡ እዚ ሓደ ሓደ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፍ ፡ ካልእ ዛዕባን ኣጀንዳን ዘለዎም ዘበግስዎ እንተዘይኮይኑ ኣብ ኣስመራ ተዛዊርካ ትኸውን ኢኻ፡ ዝተፈላለዩ ቤትክርስትያንን መስጊድን ብሓደ'ዮም ዘለዉ።

ሕጂ ብዙሓት የለውን እምበር ኣብ ሓደ እዋን ኣይሁድ'ውን ስለዝነበሩ፡ ሲኖጎግ ከይተረፈ ኣሎ። ስለዚ ናይ ሃይማኖታት ሕድሕድ ስኒት፡ ናይ ሃይማኖታት ምጽውዋር ቅቡል እዩ።

መንግስቲ'ውን ኢዱ ዘእትወሉ ኣይኮነን። ኣነ ተደልኹ ይኣምን ተዘይደለኹ ኣይኣምንን። መንግስቲ ነዚ እመን ነቲ ኣይትእመን ክብለኒ ኣይክእልን እዩ።

ከምዚ ዝብለካ፡ ጥሩፉነት በዝን በትን ስለዝመጽእ፡ ካልኦት ሃገራት ንኻልእ ዕላማታት ሓደስቲ እሞ ኸኣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ጸገም ዘምጽእ እንተኾይኑ ግን ገለ ስርዓት የድልዮ።

ንሱ'ውን ይኽልከል ኣይኮነን ስርዓት ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ከምይ ኢሉ ይምዝገብ ከመይ ኢሉ ይሰርሕ፡ ኣብ እምነት ዝተሞርኮሰ ድዩ ካልእ ዕላማ ኣለዎ? ንዕኡ ዝምልከት ሕግታት ኣለዎ። ምስኡ ዝተኣሳሰረ ሓደ ሓደ ተርእዮታት ኔሩ ይኸውን።