ኣፈሪቃ ብስእሊ፡ ኣብዚ ሰሙን ካብ13-19 ሓምለ 2018

ብሉጻት ኣሳእል እዚ ሰሙን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኣፍሪቃን ካብ ከባቢታት ዓለምን

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ ድሕሪ 18 ዓመታት ምስ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝራኸበሉ፡ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኤርትራ 18 ሓምለ 2018 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ ድሕሪ 18 ዓመታት ምስ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝራኸበሉ
ኢትዮጵያዊ ወናኒ ሆቴል ወዲ 75 ዓመት ጠዓመ ለማ(ጸጋም) ኣብ ከተማ ዛላምበሳ 13 ሓምለ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያዊ ወናኒ ሆቴል ወዲ 75 ዓመት ጠዓመ ለማ(ጸጋም) ኣብ ከተማ ዛላምበሳ 13 ሓምለ 2018
ደጋፊት ናይ መንግስቲ ማሊ ተቃዋሚ ተውዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሱማይላ ሲሰ ንምድጋፍ እናሳዕሰዐት ዘርኢ ስእሊ 12 ሓምለ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ደጋፊት ናይ መንግስቲ ማሊ ተቓዋሚ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሱማይላ ሲሰ ንምድጋፍ እናሳዕሰዐት ዘርኢ ስእሊ
ኤርትራውያን ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኣየር ET314 ንዝፈትውዎም የዕርክቶምን ኣዝማዶምን ብህንጡይ ስምዒት እናተጸበዩ ዘርኢ ስእሊ 18 ሓምለ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራውያን ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኣየር ET314 ንዝፈትውዎም የዕርክቶምን ኣዝማዶምን ብህንጡይ ስምዒት እናተጸበዩ
ጠራሙዝ ቢራ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ኣብ ሓደ ካሴታ Image copyright Kalkidan Yibeltal/ BBC
ናይ ምስሊ መግለጺ ጠራሙዝ ቢራ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ኣብ ሓደ ካሴታ ኣብ ንንዊሕ ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን ዝተረኸበ
ብረቡዕ ተምሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኖርዝለከን ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንመበል 100 ዓመት ዕለት ልደት ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ ንምብዓል ስእሊ ኔልሰን ማንዴላ እናለጠፈ 18 ሓምለ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብረቡዕ ተምሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኖርዝለከን ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንመበል 100 ዓመት ዕለት ልደት ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ ንምብዓል ስእሊ ኔልሰን ማንዴላ እናለጠፈ
ስነ-ጥበባዊ ክኢላ ቅርጺ ሑጻ ሱዱራሻን ፓተቲናክ ንዕለት ልደት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ገማግም ህንዲ ከተማ ፑሪ፡ ንጸረ ኣፓርታይድ ንምጉላሕ ብሕጻ ዘዳለዎ ቅርጺ ማንዴላ 18 ሓምለ 2018 Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስነ-ጥበባዊ ክኢላ ቅርጺ ሑጻ ሱዱራሻን ፓተቲናክ ንዕለት ልደት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ገማግም ህንዲ ከተማ ፑሪ፡ ንጸረ ኣፓርታይድ ንምጉላሕ ብሕጻ ዘዳለዎ ቅርጺ ማንዴላ
ኣግማል ዝተውጥሑ ማላውያን ኣብ ጋኦ ማሊ ሮቡዕ 18 ሓምለ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሰሜናዊ ማሊ፡ ጋኦ ንጎስጌስ ምርጫ ኣግማል ዝተወጥሑ ማላውያን
ተቓውሞ ኣብ ራባት ሞሮኮ ሰንበት 15 ሓምለ 2018 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ርእሰ ከታማ ሞሮኮ፡ ራባት፡ ንቶም ዓሚ ኣብ ኣል ሆሴና ኣንጻር መንግስቲ ዝኣደሙ ንኽፈትሑ ክጽውዓ ናብ ጎዶና ዝወጻ ሞሮካውያን
ኣብ ኣይቮሪኮስት፡ ኣቦይሶ ክሳብ መዓንጦም ኣብ ማይ ዝጠሓሉ ቀዳም 14 ሓምለ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣይቮሪኮስት እትርክብ ኣቦይሶ ብርቱዕ ማይ ብምውቕዑ ክሳብ መዓንጥኦም ኣብ ማይ ዝኣተዉ ኣይቮራውያን
ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ኣብ መንገዲ ባቡር ኣለ ባድራሸን ፡ ትራፊክ ንተሳፈርቲ ምልክት እናሃበ ዓርቢ 13 ሓምለ 2018 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ኣብ መንገዲ ባቡር ኣለ ባድራሸን ፡ ትራፊክ ንተሳፈርቲ ምልክት እናሃበ
ናይጀርያዊ ሙዚቀኛ ሰዩን ኩቲ ( የማናይ )፡ ምስ ጉጅልኡ ኣብ እስጳኛ ኣብ ፈስቲቫል ፕሪንዮስ ሱር ሃውስካ ምርኢት እናቕረበ ቀዳም 14 ሓምለ 2018 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይጀርያዊ ሙዚቀኛ ሰዩን ኩቲ ( የማናይ )፡ ምስ ጉጅልኡ ኣብ እስጳኛ ኣብ ፌስቲቫል ፕሪንዮስ ሱር ሃውስካ ምርኢት እናቕረበ

እዞም ስእልታት ካብ AFP, EPA, Getty Images Reuters ዝተረኸቡ እዮም።