ደቂ ኣንስትዮ ሞሮኮ ንጎስጓስ ኣንጻር "ኣነዋሪ ክዳን" ይቃወማ

ደቂ-ኣንስትዮ ሞሮኮ ኣብ ደንደስ ባሕሪ እናተዛናግዓ Image copyright FADEL SENNA
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ 'ሰብኣይ ኩን' ዝብል ጎስጓስ ደቂ-ኣንስትዮ ቢኪኒ ከይክደና ንምግባር ዝህቅን'ዩ

ደቂ ኣንስትዮ ሃገረ ሞሮኮ፡ ነቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተበገሰ ክኸውን ዝኽእል ተባሂሉ ዝግመት ኣንጻር 'ኣነዋሪ ክዳውንቲ" ደቂ ኣንስትዬ ዝግበር ዘሎ ናይ ኢንተርነት ጎስጓስ ብምቅዋም፡ ደስ ዝበለን ክዳውንቲ ክኽደና መሰል ከምዘለወን ይዛረባ።

ኣባላት ናይቲ "ሰብኣይ ኩን፡ ንኣንስትኻን ኣዋልድካን ጸቢብ ክዳን ጌረን ክወጻ ኣይተፍቅደለን" ተባሂሉ ዝተጠመቐ ናይ ፈይስቡክ ጎስጓስ፡ ከምዝብልዎ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ጎደናታት ዝረአ ምስርጣይ ደቂ-ኣንስትዮ ንምቅላስ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ከም በዓል ቢኪኒ ዝበለ "ዘቃልዕን" "ኣነዋሪ ክዳን ምልባስ" ከም ዘቋርጻ ምግባር'ዩ ይብሉ።

እቲ ክትዕ ካብ ፈይስቡክ ሓሊፉ ናብ ትዊተር ከም ዝተላበዐን፡ ነቲ "ሰብኣይ-ኩን" ዝብል ሃሽታግ ዝቃወሙ ሰባት ድማ "ናጻ-ጓልኣንስተይቲ-ኩኒ" ብዝብል ስም ይቃወምዎ ኣለዉ።

ገለ ምሽፋን ደቂ ኣንስትዮ ዝቃወሙ ሰባት እቲ ጎስጓስ "ኣባታዊን" "ጸረ-ደቂ ኣንስትዮን" (ሚሶጂኒስት) እዩ ክብሉ ገሊጾሞ።

"ዝኾነ ሰብ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ዝደለዮ ክዳን ክኽደን ናይ ምውሳን ውልቃዊ ናጽነት ኣለዎ... ሕጊ ኣብ ዘለዎ ሃገር ኢና ንነብር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ሃገር ኣይኮነን" ክትብል ሓንቲ ዋሃቢት ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ ጺሒፋ።

ካልእ ሰብ ድማ፡ "ሰብኣይ ኩን፡ ናጽነታ ሓልወላ" ክብሉ ኣስፊሮም።

"ኣነ ናጻ ሞሮካዊት ስለዝኾንኩ፡ ጎስጓሰይ 'ሰብኣይ ኩን፡ ብዛዕባኻ ርእስኻ ሕሰብ' ዝበለት ድማ ማግዳ ካራሚ ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ እያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት