ጂቡቲ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ትሓትት

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ (ጸጋም) ፕረዚደን ጂቡቲ ዖመር ገለ (የማን) Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጂቡቲ፡ እቶም ኣብ 2008 ዝተማረኹ ወታሃደራታ ብኤርትራ ተታሒዞም ኣለዉ ኢላ ትኸስስ።

ጂቡቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ናብ ዓለምለኻዊ ዳናዪ ኣካል ክሰጋገርን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኡ ክጻወት ጸዊዓ።

ኣብቲ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረስ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ባይቶ ጸጥታ ንዝእምሞ ዝኾነ ይኹን ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕ ዝኽእል ኣገባብ ክንቅበል ድልዋት ከም ዝኾንና ከረጋግጸልካ እደሊ" ኢሉ።

እተን ኣብ 2008 ናብ ወታሃደራዊ ረጽሚ ዝበጽሓ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ዲፕሎማስያዊ ርክብ የብለንን።

ኣቐዲመን'ውን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ርክብ ኣቋሪጸን ነይረን እየን።

እቲ ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ ማዕቀብ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ዝደፍኣሉ ምዃኑን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኢትዮጵያ እቲ ማዕቀብ ክለዓል ብወግዒ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲታ'ላ።

ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክጅምራ እንከለዋ፡ "ብወገን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፈጺሙ ተገዳስነት ኣይነበሮን ብዛዕባ ጂቡቲ ስለዚ ዋላሓንቲ ነገር ኣይነበረን። እቶም ጂቡቲ'ውን ብእኡ መጠን ሕጉሳት ኣይነበሩን" ይብል ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጂቡቲ ዝነበረ ኣቶ ዓብደላ ኣደም።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ዝምድና ክማሓየሽ እንተድኣ ኾይኑ፡ "ናይ ክልቲኡ መንግስታት ጽቡቕ ድሌት ይሓትት፡ ብሸነኽ ኤርትራ ግን ኣይመስለንን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጽቡቕ ኣመለኻኽታናብ ጂቡቲ ዘለዎ ኮይኑ ኣይስመዓንን፡ ካብቲ ድሕረባይታ ዘለኒ" ይብል።

እዚ ሕጂ ጂቡቲ ትገልጾ ዘላ ድሌት ድማ፡ ነቲ በቲ ውድብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ ናብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ዝዓለመ'ዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ድማ ይዛረብ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም፡ ንናይ ጂቡቲ ረብሓ ክትንክፍ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ምሁር ስነቁጠባ ዝኾነ ዶ/ር ተስፋማርያም መሓሪ ከም ዝብሎ ግን፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም እንተድኣ ሰፊኑ "ንኽልቲአን ዝኣክል ቁጠባ'ሎ፡ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ሓድሽ ገንዘብን ሓድሸዕ ምትሕብባርን ከምጽእ'ዩ" ኢሉ ይኣምን።

ወደብ 80 ሚእታዊት ኣታዊ ወጻእን ኢትዮጵያ ክሓልፈላ ዝጸንሐ ወደብ ምዃናን፡ ኢትዮጵያ ንዓመት ካብ 1.5 ክሳብ 2 ቢልየን ዶላር ንኣገልግሎት ወደብ ጂቡቲ ከም እትኸፍል ይግመት።

ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ናብ ወታሃደራዊ ግጭት ዘምረሐ ምስሕሓብ ከም ዝነበረን ይፍለጥ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ጂቡቲ ኤርትራ ማሪኻቶም ኣላ እትብሎም ወታሃደራታ ሃለዋቶም ክፍለጥን ክምለሱላን ክትሓትት ጸኒሓያ።

እንተኾነ ግን ኤርትራ ብወገና ነቲ ጂቡቲ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ክስታት ትነጽጎ'ያ።

ካብ 2010 ጀሚሩ ሃገረ ቐጠር ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ መንጎኛ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐትን ወታሃደራታ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣስፊራ ምንባራን ይዝከር።

እንተኾነ ግን ቐጠር ኣብ 2017 ኢዳ ካብቲ ጉዳይ ብምስሓብ ወታሃደራታ ኣውጺኣ'ያ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ኣውሮጳ ንቅርሰና (ፓይረሲ) ንምክልኻል ንጂቡቲ ክጥቀሙላ ጸኒሖም'ዮም

ጂቡቲ ናይ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ወታሃደራዊ መዓስከራት ዝተደኮነላ ሃገር ከም ዝኾነት ይፍለጥ።