መሱት ኦዚል፡ "ኣብ ጸወታ እንክንስዕር ጀርመናዊ፡ እንክንስዓር ግና ስደተኛ እየ"

ኢካይ ጉንዶጋንን መሱት ኦዚልን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ኤርዶሃንን ተጻዋቲ ኤቨርተን ሴንክ ቶሱንን Image copyright Getty Images

ኣብ መስመር ምክፍፋል ጋንታ ኣርሰናል ዝጻወት፡ መሱት ኦዚል ብምኽንያት "ዘርኣዉነትን ክብሪ ምስኣንን" ኣብ ዓለምለኻዊ ግጥማት ንጀርመን ከምዘይጻወት ኣፍሊጡ።

እዚ ወዲ 29 ዓመት ተጻዋቲ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ለንደን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶሃን ብዝተልዓሎ ፎቶ ከቢድ ነቐፌታ ክበጽሖ ጸኒሑ'ዩ።

ንሱን ስድርኡን ናይ ጽልኢ መልእኽታት፣ ብስልኪ ድማ ምፍርራሕ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት'ዉን ዘሰክፉ ርኢይቶታት ከምዝበጽሖም እዩ ዝዛረብ።

ካብዚ ሓሊፉ ጀርመን ኣብ ዋንጫ ዓለም ብዝነበራ ዘየዕግብ ዉጽኢት'ዉን ነቐፌታ ከምዝበጽሖ ኦዚል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ኣብ ጸወታ እንክንስዕር ጀርመናዊ፡ እንክንስዓር ግና ስደተኛ እየ" ኢሉ ኦዚል።

ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ጀርመን ንክሲ ኦዚል ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣእሃበሉን።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጀርመን ፅቡቕ ኣተሓሕዛ ከምዘይገበረሉን፡ ብማሕበረሰብ ጀርመን ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ብምግላጽ፡ እዚ "ድሕሪ ሕጂ ካናቴራ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ክለብስ" ድልየት ከምዘስኣኖን ኦዚል ተዛሪቡ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጀርመን፡ ካብ ሞንጎ እቶም፡ ኦዚል ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ፎቶ ተላዒልካ ኢሎም ዝነቐፉ'ዩ።

"ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ ዝኾኑ ዘለዉ ነገራት ሓዊሱ ዉሽጠይ "ምስኣን ክብርን ስምዒት ዘርኣዉነትን እናተሰምዐኒ" ብብርኪ ዓለም ኣብ ዝካየዱ ጸወታታት ንጀርመን ኣይስለፍን ኢሉ።

"መጻወቲ ክዳን ጀርመን በኹርዓትን ታሕጓስን እየ ዝኽደኖ ነይረ። ሕጂ ግና ኣይክእልን። ኩሉ ነገር ተረሲዑ ዘይድለ ዝኾንኩ መሲሉ'ዩ ዝስመዐኒ" ይብል ኦዚል።

Image copyright Getty Images

ፎቶ ኦዚል ምስ ኤርዶሃን ንጀርመን ዓብዪ ጉዳይ ድዩ?

ኦዚል ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ዝተስኣሎ ፎቶ ምስተፈነወ፡ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ጀርመን፡ ኦዚልን ጉንዶጋንን ንዲሞክራሲያዊ ክብርታት ጀርመን ዘለዎም ተገዛእነት ኣብ ሕቶ ኣእቲየሞ'ዮም።

ኦዚል እቲ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ዝተስኣልኩዎ ስእሊ እንተዘይጥቅዖ ነይረ "ኣሰር ኣያታተይ ዘይምኽባር ክኾነኒ ነይሩ'ዩ" ኢሉ።

ጀርመን ከባቢ 3 ሚሊዮን ዘርኢ ቱርኪ ዘለዎም ሰባት ዝነብሩላ'ኳ እንተኾነት፡ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ግና ኣብዪ መካትዒ ጉዳይ ኾይኑ'ዩ ዝቐርብ።

ኦዚል ግና ንምንታይ ካልኦት ክልተ ዘርኢ ዘለዎም ተጻወትቲ ንኸም ናተይ ዓይነት ኣተሓሕዛ ግዳያት ዘይኾኑ ክብል'ዩ ዝሓትት።

"ቱርኪ ስለዝኾነት ድዩ? ኣስላማይ ብምዃነይ ድዩ?" እናበለ ይሓትት።

ሚኒስርት ፍትሒ ሶሻል ዲሞክራት ጀርመን ካታሪና ባርለይ "ከም መሱት ኦዚል ዝበለ ዓብዪ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሃገሩ ከምዚ ዓይነት ስምዒት የሕድር እንተድኣሃልዩ፡ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ ማለት'ዩ" ኢላ።