ተኹሲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 11 ዘወርቲ ታክሲ ተቐቲሎም

ሚኒባስ ታክስታት ደቡብ ኣፍሪካ Image copyright AFP/Getty

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዕጡቓት ን 11 ዘወርቲ ታክሲ ሃንደበታዊ ተኹሲ ከፊቶም ከምዝቐተሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቶም ግዳያት፡ ቀዳም ምሸት ካብ ጋውተንግ ናብ ጆሃንስበርግ እናተጉዓዙ እንከለዉ እዩ ተኹሲ ተኸፊትዎም።

እቶም ዝሞቱን ካልኦት ኣርባዕተ ብፅኑዕ ዝቖሰሉን ሰባት ሓዊሱ፡ ኩሎም ካብ ናይ መሳርሕቶም ቀብሪ እናተመለሱ ነይሮም ይብል ፖሊስ።

ጠንቂ ናይቲ ተኹሲ ዋላኳ ዛጊድ ዘይተፈልጠ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ዝተፈላለዩ መስመራት ዝሰርሑ ሰብ ታክሲ፡ ቅድም ክብል ንሕንሕን ጎንፅን ከምዘጋጥም ይፍለጥ።

ሚኒባስ ታክስታት ኣብታ 55 ሚልዮን ዝህዝባ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣዝየን ዝተለመዳ ሜላ መጓዓዝያ እየን።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ብርጋዴር ጄይ ናይስከር ከምዝብሎ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማእኸል ከተማታት ኮለንሶን ዊነንን ኣብ ዝርከብ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ።

"ኣብተን መካይን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተኸፊቱ። 11 እንትሞቱ ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ኣለዉ" ብምባል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

"ኣብቲ ኸባቢ ጎንፂ ሰብ ታክሲ ብተደጋጋሚ የጋጥም እዩ፡ ጠንቂ ናይዚ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ ግን ገና ነፃሪ ኢና ዘለና" ኢሉ።

እቲ ተኹሲ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝነበረ ካልእ መጥቃዕቲ ስዒቡ እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፤ "ፀላኢ ኣይነበሮን" ዝተብሃለ ሓደ ዘዋሪ ታክሲ፡ ኣብ ውሽጢ መኪንኡ ብጥይት ተቐቲሉ ተረኺቡ። ካልኦት ክልተ ድማ ፖሊስ እናወሰዶም እንከሎ ተቐቲሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ መንጎ ጉጅለታት ሰብ ታክሲ ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ኣብ ኬፕ ታውን ዓሰርተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት