መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ብሕግን ሕጋዊ ትካላትን ጥራሕ እዩ ዝረግእ

ኤርትራዉያን ነበርቲ እስራኤል፡ መንግስቲ ኤርትራ ዉሽጣዊ ምትዕርራይ ክገብር ይጠልቡ Image copyright DEHB

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ውሕስ ንኪኸውን፡ መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ክፈትሕ፣ ባይቶ ክተክል፣ ቅዋም ከተግብርን ህዝባዊ መንግስቲ ክምስርትን ጸዊዖም።

ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንክልቲኡ አህዛብ ዓቢ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ መስርሕ ግሉጽን ብሕግን ሕጋዊ ትካላትን ምስ ዝቕየድ ስርዓት ይካየድ ብዘይምህላዉ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ስክፍታት ኣሎና ዝብሉ ኤርትራውያን ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ትማሊ ዓርቢ 20 ሓምለ 2018 ኣብ ከተማ ተልኣቪብ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኢትዮጵያ "ሰላምና ኪረግእ እንተኾይኑ፡ ኣብ ሃገርና ሕጋዊ ስርዓት ክምስረት ኣለዎ"፣ "ሰላም ክመጽእ እንተኾይኑ ቅድም ኣብ ቤትና ዕርቀ ሰላም ክእወጅ ኣለዎ"፣ "ዓሰብ ኣይትምቀልን እያ!" ዝብሉ ጭርሖ ከስምዑ ውዒሎም።

Image copyright DEHB

ስክፍተኦም ግን እንታይ እዩ?

ስክፍትኦም ምስ ዛዕባ ሰላም ዘይኮነ፡ ምስ "ንህዝብና ዘይዉክል ስርዓት'ዩ" ዝብልዎ መንግስቲ ኤርትራ ጥራሕ ከምዝኾነ ዝገልጹ እዞም ሰልፈኛታት፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሕጋዊ ክኸዉን ኣለዎ'ዮም ዝብሉ።

ኣብታ ሃገር ዝቖመ ባይቶ ዘይምህላዉ፣ ብዝተፈለላየ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ከይተፈትሑ፣ መባእታዊ መሰላት ህዝቢ ከይተረጋገጸ፤ ድላዩ ምስ ዝገበር ሓደ ውልቀ ሰብ ዝግበር ዘተ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽእ ኣይኽእልን ዝብል እምነት ኣለዎም።

ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ብመንግስቲ ኤርትራ ብዘጋጠሞም ሃይማኖታዊ ጸቕጢ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም፡ ብኣጻምእ ሰሃራን ሲናይን ተጓዒዞም ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ሞኖኮስ ገዳም እንዳ ኣቡነ ፍሊጶስ፡ ኣባ ሰመረ ፍስሃየ ሓደ ካብቶም ተሳታፊ እቲ ሰልፊ ነይሮም።

"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ እሱራት ፖለቲካ ፈቲሑ፣ ናይ ሃይማኖት ጸገማት ፈቱሑ፣ ኣብ ህዝቡ ፍሉይ ለውጢ ኣርእዩ እዩ መጺኡ። እንተኾነ ግን ምስ ቅዋምን ሕግን ዘይብሉ፡ ብሕጊ ዘይግዛእ መንግስቲ፣ ባይቶ ዘይብሉ፣ ሎሚ ዘውጽኦ ኣዋጅ ጽባሕ ዘይደግሞ ስርዓት ይገብሮ ስለዘሎ፡ ስክፍታ ኣሎና" ይብሉ እቶም ካብ ሃገሮም ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ከምእተሃድኑ ዝገልጹ ሞኖኮስ።

መንእሰይ ደስበለ ሃብተማርያም ብወገኑ፡ "ሰላም ማንም ፍጡር ዝደልዮን ዝሃርፎን ክቡር ህያብ እኳ እንተኾነ፡ ብባይቶን ሕግን ዘይእሰር ውዕል ግን ጽባሕ ንግሆ እውን ክጸንዕ ስለዘይክእል፡ ኣብ ኤርትራና ሕጋዊ ሰርዓትን ህዝባዊ መንግስትን ክቐውም እዋኑ ሕጂ እዩ" ይብል።

እዚ ሕጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዘተ ሰላም ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድምጺ ውጽዓት ኤርትራውያን ክሰምዕ ከምዝግበኦ እውን የተሓሳስብ።

Image copyright DBH
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባ ሰመረ ፍስሃየ፣ ሰናይት ዘብረኣብሩኽን ደስበለ ሃብተማርያምን

ይኹን እምበር እዚ ሕጂ ንኤርትራዉያን ኣይዉክልን'ዩ ዝበሃል ዘሎ ስርዓት እዩ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ሃገራዊ ርክባትን ጉዳያትን ዝፍጽምን ዝመርሕን። ስለዚ ከመይ ኣቢልካ ድኣ'ዩ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ክኸውን እንከሎ ን እቲ ስርዓት ንዓና ኣይዉክልን ዝበሃል ዘሎ?

"ወኪሉ'ሞ እንታይ ኣፍርይሉ ንህዝቢ ኤርትራ?" ኢሉ ዝሓትት መንእሰይ ደስ በለ እቲ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ሰላም ሕጋዉነት ዘይለበሰ፣ ወግዓዉነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ነባሪ ሰላም ኣብ ምምጻእ ዓብዪ ስክፍታ ከምዘለዎ የስምረሉ።

ብሰንኪ ምሕደራ እቲ ስርዓት ኤርትራዊ መንእሰይ ፈቐድኡ ይብተን ምህላዉ ዝገልጽ መንእሰይ ደስበለ፡ "መንእሰይ ብኹሉ ኣብ ደገ'ዩ ዝነብር ዘሎ፣ ደሃይ ዘይብሎም ኣብ ሲናይን ዶብን ዝወደቑ ዜጋታት ኣለዉና። እዚ ስርዓት እንታይ'ዩ ኣፍርዩልና ድኣ?" ክብል ይሓትት።

ኣብ 1990 ናብ ቃልሲ ሓርነት ዝተሰለፈት ተጋዳሊት ሰናይት ዘርኣብሩኽ ብወገና፡ "ህዘቢ ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ተሓይሩ እንከሎ፡ መንእሰያቱ እናተበተኑ ዝግበር ሰላም እንታይ ዓይነት ሰላም እዩ?" ኢላ ሕቶ ብምቕራብ ዋላ እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም እውን ግሉጽ ብዘይምዃኑ ኣዚዩ ከምዘተሓሳስባ ትዛረብ።

"ስርዓት ህግደፍ መጀመርታ ምስ ነብሱን ህዝቡን ክዕረቕ ኣለዎ። ን30 ዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ዝኾኖ ባይቶ የብሉን፡ ስለዚ ህዝባዊ ባይቶ ክምስረት ኣለዎ" ዝብሉ ኣባ ሰመረ፡ ኣብ ቤትካ ዘሎ ጉዳይ ከየጽፈፍካ ምስ ጎረባብቲ ዝግበር ርክብ ትርጉም የብሉን በሃላይ እዮም።

ትቕጽል ሰናይት፡ "እቲ ዝግበር ዘሎ ውዑል ብሕጊ ምስ ዘይምራሕ ምልካዊ ስርዓት ይግበር ስለዘሎ ሕጋዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ" ትብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓጋዚ ሰላም'ዶ መሻደኒ ምልካዊ ስርዓት?

"እቲ ሰላም ንሕና ልዕሊ ማንም'ኳ ንደልዮ እንተኾንና፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምልካዊ ስርዓት እናሻደንካ ዝግበር ሰላም ግን ቅድሚ ሕጂ'ዉን ኵናት'ዩ ኣምጺኡልና" ዝብል ደስበለ፡ እቶም ብወገን ኢትዮጵያ ዝተጻፈፉ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ብወገን ኤርትራ ብተመሳሳሊ ከይተማልኡ ዘላቒ ፍታሕ ክመጽእ'ዩ ዝብል እምንቶ ከምዘይብሉ ይሕብር።

መንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝጸንሖም ጽልኢ ብሓድሽ መንፈስን ፍቕርን ናብ ካልእ ምዕራፍ ዝሰጋገሩሎም ደረጃ እኳ እንተበጽሑ፡ መገዶም ግና "ድዉን'ዩ" ትብል ገዲም ተጋዳሊት ሰናይት። ንህዝቢ ኤርትራ እኹል ሓበሬታ ይወሃብ ብዘይምህላዉ ስክፍታኣ ትገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ምስ ዘይወከሎ ባይቶን ቅዋምን ምስ ዘይብሎ ሓደ መላኺ ይዛተ ስለዘሎ፡ እዚ መስርሕ ሰላም "ብሙሉእ ልብና ክንቕበሎ ኣይንኽእልን ኢና!" ይብሉ ኣባ ሰመረ ፍስሃየ።

ዘረብኦም ብምቕጻል "ሰላም ልዕሊ ማንም ንሕና ንደልዮ። እቲ ዘሎ ስርዓት ግን ንህዘቢ ዝሓልን ዝውክልን ዘይምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈልጦ ኣለዎ" ይብሉ።

ኤርትራውያን እንታይ እዮም ዝጠልቡ?

  • ኩሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብቕልጡፍ ክፍትሑ
  • ሃገራዊ ቅዋም ክትግበር
  • ፖለቲካዊ ትካላት ክህነጽ
  • ደሞክራሲያዊ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክካየድ
  • ሃገራዊ ባይቶ ክቐዉም
  • ብሕታዊ ሚድያ ክፍቀድ
  • መራሕቲ ሃይማኖት፣ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክፍትሑን ብሕጊ ክዳነዩን

ተወሳኺ ዛንታ