ኣልሸባብ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሶማሊያ መጥቃዕቲ ፈጺሙ

ወተሃደራት ኣልሸባብ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣልሸባብ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝግለጽ ዕጡቕ ጉጅለ'ዩ

ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ደቡባዊ ሶማሊያ መጥቃዕቲ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ቦምባ ፈጺሙ።

እቲ ጉጅለ ከምዝበሎ ናይ ንጉሆ ጸሎት ምስተጀመረ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 27 ወተሃደራት ሞይቶም።

ሓላፊ ሰራዊት ሶማሊያ "ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ጉጅለ ካብ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ናብቲ ከባቢ ተላኢኹ'ዃ እንተነበረ ዝርዝር መረዳእታ ግና ክህብ ኣይክኣለን" ኢሉ።

ኣልሸባብ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሶማሊያ መጥቃዕቲ እናብጸሐ መጺኡ'ዩ።

22,000 ኣባላት ዝሓዘ ሓይሊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ነቲ መንግስቲ ሶማሊያ ኣንጻር ኣልሸባብ ዘካይዶ ቃልሲ ክሕግዝ ናብታ ሃገር ተመዲቡ'ዩ።

ወተሃደራት ኣሜሪካ'ዉን ኣካል እዚ ወፍሪ ብምዃን ፍሉይ ሓገዝ ንምግባርን ስልጠና ንምሃብን ምእታዉ ይዝከር።

ኣብ መዓስከር ወተሃደራት ባር ሳንጉኒ ብዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ገለ ወተሃደራት ሶማሊያ "ናብ ጫካ ሃዲሞም'ዮም" ክብል ወሃቢ ቃል ኣልሸባብ ኣብዲያሲስ ኣቡ ሙሳብ ገሊጹ።

እቲ ድምጺ ተኩስን ምፍንጃርን፡ ካብ ኪስማዮ 70 ኪሎ ሜትሮ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ጃማሜ ንዝርከቡ ነበርቲ ቐረባ ከምዝነበረ ጸብጻባት ይገልጹ።

"ኣብ ናይ ንጉሆ ጸሎት ከቢድ ምፍንጃር ነታጒ ሰሚዕና። ድሒሩ ኣዝዩ ከቢድ ምልዉዋት ተኩሲ ስዒቡ" ክብል ዖስማን ዓብዱላሂ ተዛሪቡ።

ኣልሸባብ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ'ዉን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት