ኣብ ዞባ ባሌ ከተማ ጎባ ብዝተፈጠረ ግጭት፡ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ከተማ ጎባ ህይወት ሰባት ዘሕለፈ ግጭት ተላዒሉ Image copyright Getty Images

ኣብቶም ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዞባ ባሌ ከተማ ጎባ ብዝተፈጠረ ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ከንቲባ እታ ከተማ ዘይነባ ጣህ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢራ።

እቲ ግጭት ኣብ ኣደባባይ እታ ከተማ ዝህነጽ ሓወልቲ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ሓረስቶት ኦሮሞ መሪሕ ንዝነበረ ሓጂ ኣደም ሳዶ ብምቅዋም ከምዝጀመረ ዝገለጸት እታ ከንቲባ፡ ሕቶ ምህናጽ እቲ ሓወልቲ ካብ ነበርትን ዓበይቲ ዓድን ከምዝቐረበ ትዛረብ።

መንግስቲ ነዚ ሕቶ ተቐቢሉ ናብ ተግባር ከምዝተሰጋገረ እትገልጽ እታ ከንቲባ፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ ዝህነጸሉ ቦታ ዝነበረ ሓወልቲ ቀይሕ ኻርያ ኣይፈርስን፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ይሰራሕ ዝብል ቅሬታ ካብ ነበርቲ ከምዝተላዕለን ክሳብ ዞባ ዝበጽሐ ጉደይ ከምዝኾነን ኣብሪሃ።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት፡ ምስ መብርሂ ከንቲባ እታ ከተማ ይሰማማዕ። "ሓወልቲ ቀይሕ ኻርያ ብዝግባእ ኣይተቐረጸን" ብምባል እቲ ተቃዉሞ ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ከምዘምረሐ ይዛረብ።

ከም ናቱ እምነት እንተኾይኑ ኣብዚ ጎንጺ ኢድ ካልኦት ሓይልታት የለን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣመራርሓ እቲ ዞባ ኣብቲ ጉዳይ ምስቲ ሕብረተሰብ ከምዝተዛተዩ ዝገለጸት ወይዘሮ ዘይነባ፡ መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፡ ብዛዕባ ህንጸት እቲ ሓወልቲ ከምዝተቓወሙ ሓቢራ።

ምኽንያት ተቓዉሞኦም ምስ ሃይማኖት ከምዘይዛመድ ብምግላጽ፡ ሓሙስን ዓርብን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣባትር ሒዞም ምስ ዝመጽኡ ከምዝተጓነጹን ዉሑዳት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ገሊጻ።

"እዞም ናብ ከተማ ዝኣተዉ ሰባት ቀዳም መዓልቲ ወጺኦም መንግስቲ ከይፈለጠ ሓወልቲ ቀይሕ ኻርያ ኣፍሪሶም። ኣብዚ እዋን ዘጋጠመ ጎንጺ ኣይነበረን።

እቲ ሓወልቲ ኣፍሪሶም ካብታ ከተማ እንትወጽኡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ደወል ተሰሚዑ" እትብል ወይዘሮ ዘይነባ፡ እዚ ድምጺ ዝሰምዑ ነበርቲ ኣጽዋር ሒዞም ብምምጽኦም እቲ ኩነታት ናብ ግጭት ከምዝተለወጠ ትገልጽ።

ኣብታ ከተማ ዕጡቓት ሓይልታት ብምንባሮም ፖሊስ ኦሮሚያ ቀትሪ ሰዓት 5 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ምስዞም ሓይልታት ከምዝተፋጠጠን እቲ ኩነታት ክቆጻጸሮ ከምዘይኽኣለን እታ ከንቲባ ተረድእ።

ሓጂ ኣደም ሳዶ ኣብ እዋን ቃልሲ ሓረስቶት ባሌ፡ መሪሕ እጃም ዝነበሮም እንትኾን፡ ኣባል ቦርድ እቲ ብበዓል ጀነራል ታደሰ ብሩ ዝምራሕ ማሕበር ሜጫና ቱለማ ነይሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት