ቈጽሊ ዝደፍአ ተቐናያይ ርእሶም ሃይለ

ዶክተር ርእሶም Image copyright DM

"ግጥመይ ካብ ህርመት ከበሮ'ዩ ዚጅምር ... እዝም - ዝ-እዝም፣ እቡም - ቡ-እቡም" ይብል ርእሶም ሃይለ።

ዕላልና ምስ ደስታ ሃይለ'ዩ - ጓሉ ንዶክተር ርእሶም ሃይለ።

ኣብ ባንኮክ'ያ ተወሊዳ (ታይላንድ)፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት'ያ ዓብያ መንነታ ኤውሮጳዊት'ኳ ትዅን ካብ እንግሊዛዊት ኣዲኣን ኤርትራዊ ኣቦኣን ዝወረሰቶ መንነታት ብኣኽብሮት'ያ ትጽንብሎም።

ደስታ ምስ ስድርኣ ኰለል ብምባል ኣብ ዘይበጽሓቶ ሃገር ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል ባርበዶስ፡ ጆርዳን፡ ኣይቮርይኮስት ግን ኣብ ዉሽጢ ልባ ዝዓቘረቶም ተዘክሮታት ለጊሶምላ'ዮም።

ብቖልዓኣ ደስታ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን በጺሓ'ያ። ዘይርሳዕ ተዘክሮታት ጥራይ ዘይኰነስ አረ ንሓዋሩ ዝተርፍ ግጥሚ ተገጢሙላ'ዩ።

ኣቦይ "ኣለዉና /ኣሎዋና"

ኣብ ተስዓታት ንነፍሲሄር ዶክተር ርእሶም ሃይለ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣይነበረን። ንኤርትራ ብስነ-ግጥሚ ምስ ዓለም ዘላለየ ክኢለ ነበረ።

ብድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ኣብ መድርኽ ወጺኡ፡ ጋቢ ተኸዲኑ፡ ብተሰሚዑ ዘይፈልጥ ረምታ ዘሎዎ ድሃይ፡ ስኒት ዘሎዎም መግለጽያታት ኣቃሚሙ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ቃላውነት ተጠቒሙ ብሽውታ "ኣለዉና/ኣሎዋና" ኢሉ ክድሕድሖ ንዝሰምዐ ዅሉ ሽዑ ደንጸዎ።

እቲ እዋን'ቲ ብየዋህነት ዝግለጽ እዋን ነበረ እወ፡ ብዓስተራውነት ኰነ ተስፈኝነት ዚግለጽ ኵነታት።

ርእሶም ነቲ እዋን'ቲ ዝኣረጉ ቃላት ተጠቒሙ የቐንየልና ሓራ ዘውጻእኩምና ኣብ ክንዲ ምባል ብሓደስቲ ቃላት "ኣለዉና/ኣለዋና" ብምባል ገለጾ፣ ንስምዒታት ስነ-ግጥሚ ኸኣ ኣናኸሶ።

ቆልዑ ኣስመራ ኣብ ኮምቡሽታቶ (ማእከል ከተማ) ደድሕሪኡ እናኸዱ "ኣቦይ ኣለዉና/ኣለዋና" ክብልዎ ንረኣዪ ሓድሽ ተርእዮ ነበረ።

Image copyright DM

ድጕዓ ርእሶም

ርእሶም ኣንባቢ ገጽ-ህዝቢ'ዩ ነይሩ፣ ህዝቢ ዘይዛረበሉ ጕዳያት ናይ ምርኣይን እሕሕ ናይ ምባልን ዓቕሚ ዝነበሮ ገጣማይ።

ዋላ'ኳ እቲ ፈለማይ ተሸላሚ ብልጫ-ራይሞክ እንተነበረ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ግጥምታቱ፡ ብትሓዝትኦም፡ ቀስ ኢሎም ናብ ድጕዓ እናተለወጡ ኸዱ። እዚ ዝዀነሉ ዝተራእዮ ብጥንቃቐን ኣስተንትኖን ኪገልጽ ምስ ጀመረ'ዩ።

ንኣብነት ንጓሉ ደስታ ንኤርትራ ሒዙ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኵነታት ዒግ ኢሉ ስለ ዝረኸቦ ሓልዮታውያን ሓረጋት ተጠቒሙ ...

ኣብ ስደተይ ወሊደያ

ደስታ ጓለይ ዓደይ ወሲደያ

ምስ ዓባያ ኣፋሊጠያ።

እነውለ ህዝብኺ! እነውለ ኣዝማድኪ!

እንሆለ ዓድኺ ኢልያ።

ከቀባጥር በብዓይነቱ

ናይ ጾም ናይ ስዕረት ኣብሊዐያ

ከይትጠምየኒ ንጠዓሞታ

ሽንጦ ኵዕንቲ ወሲኸያ።

ኢላትኒ ... ኣቦይ መዓረይ ፈትየዮ ኹሉ

እቲ ህድሞና ግን መስኮት ግበሩሉ።

(ግጥሚ "ደስታ")

... እናበለ ሓሳቡ ገለጸ።

Image copyright DM

ርእሶም ናይ ቀደም

ዶክ ርእሶም ሃይለ ኣብ ኣፈልባ'ዩ ተወሊዱን ዓብዩን። እቲ ናይ ሽዑ ተዘክሮታቱ ኣብ ግጥምታትቱ ሓሓሊፉ ይርአ። ንዝፈልጥዎ ብዛዕባ መዝሙረ-ዳዊት ብግዕዝ ክደግም ዝሰምዕዎ ገሊኦም ከድንቕዎ ካልኦት ከኣ ካን ይገርሞም ነበረ።

ሓደ ኣዝዩ ዘመናዊ ሰብ፡ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ዓሰርተታት ዓመታት ዘሕለፈ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብስራሕ ዝዞረ፡ ፈረንጂ ተመርዕዩ ካብ ማሕለኻታት መሓውር ባህሉ ዝረሓቐ ሰብ ብግዕዝ ዳዊት ክደግም ንዝሰምዖ ሰብ ኣበርጋጊ ተመኵሮ የጥሞ ነበረ።

ርእሶም ብንእሽቶኡ ኣቦኡ ካብዛ ዓለም ተፈልዩዎ፣ ከም ሓውሲ ዛቝናይ ኰይኑ ድማ ምስ ኣቕሽሽቲ'ዩ ዓብዩ።

ካብ ናብራ ገዳም ናብ ናብራ ኣዲስ ኣበባ ከመይ ኢሉ ከም ዝሰገረ ዘዘንቱ'ኳ ንእዋኑ ኣይረኸብ ግን ጓሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮምቦኒ - ኣስመራ ከም እተማህረ ትሕብር።

ብተፈጥርኡ ኣዝዩ ትጉህን ትኵርን፡ ኣብ ትምህርቲ ኸኣ ንፉዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ናይ ቋንቋታት ተውህቦ ስለ ዝነበሮ ደርጊ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ኣብ ትካል ናይ ኢትዮጵያ ረድዮን ቴለቪዥንን ኣገልግሎት ከም ኣዳልው-መደብ ኰይኑ ክሰርሕ ጀመረ ኣብ መደብ ክፍሊ እንግሊዘኛ።

እቶም ሽዑ ንርእሶም ዝፈልጥዎ ሰባት ከም ሓደ ፍሉይ ባህርይ ዝነበሮ ሰብ ገይሮም'ዮም ዝገልጽዎ ፈሲሕ፡ ኣዝዩ ዘመናዊ፡ ዉጹእ ከተመኛ፡ ክዳውንቱ ድማ ፍሉይ ቅዲ ከም ዝነበሮም፡ ግን ልበ-ምሉእ፡ ገይሮም ይገልጽዎ።

ብእዋን ደርጊ ኵነታት ኢትዮጵያ እናኸፍአ ስለ ዝኸደ ከም ብዙሓት መዘነታቱ ርእሶም ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንክስደድ መረጸ።

ርእሶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

ናብራ ኣሜሪካ ቀሊል ኣይነበረን። እናሸቀልካ ምምሃር ዘስዕቦ ምረት ናብራ ንርእሶም ኣራኺቡሉ'ዩ።

ኣይሓመቐን ግን፡ ምስቲ ዝነበሮ ናብራ ዝገበረ ገይሩ ትምህርቱ ይምሃር ነይሩ።

ንማማ ደስታ ባይሩ ግን ኣይረሰዐንን፣ ከም ካልአይቲ ኣዲኡ'የን ነይረን። ማማ ደስታ በቶም ብሰብዓታት ኣብ ኒውዮርክ ከባቢ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ጽቡቕ ሽም ዘትረፋ ማማ ነበራ።

ማማ ደስታ ሓንቲ ዉላድ ዘይነበረን ኤርትራዊት ኣደ ነበራ። ብ1959'የን ንኣሜሪካ ተሰዲደን - ሰራሕተኛ ናይቲ ሽዑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበረ።

ደርጊ ምስ መጸ ግን እቲ ኣምባሳደር ንኢትዮጵያ ክምለስ ተገደደ፡ ማማ ደስታ ኸኣ ኣብ ኒውዮርክ ተረፋ። ኣብኡ ኸኣ ቤት-መግቢ ከፈታ።

ማማ ደስታ ንዝሽገሩ ተምሃሮ ኣደ ዀንኦም፡ እንተላይ ንርእሶም አዐንጊለንኦ'የን። ጓሉ ንርእሶም፡ "እቲ ማማ ደስታ ጽቡቕ ዝገበራሉ ንኸይርስዖ ኢሉ ንዓይ ደስታ ዚብል ስም ኣውጽኣለይ" እናበለት ተዘንቱ።

ርእሶም እናተማህረ ሓገዝ ንክዀኖ ንኣሽቱ-ንኣሽቱ ስራሓት ይሰርሕ ነበረ።

ምስ ሰባት ብቐሊሉ ዝምድናታት ናይ ምምስራት ዓቕሚ ስለ ዝነበሮ "ከም ሞደል ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሓደ ዉሩይ እንዳ ቅዲ ኽዳን ስራሕ ረኸበ" እናበለት ጓሉ ተዘንቱ።

"ምስ ዉሩያት ሙዚቀኛታት'ውን ርክባት ነይሩዎ'ዩ" ትብል ደስታ።

ርእሶም ናይ ፒ.ኤች.ዲ. መዓርግ ካብ ኒውዮርክ ዩኒቨርሲቲ ብመድያ-ስነ-ማሕድሮ ክረክብ ከኣለ። እቲ ፍረ-መጽናዕቱ ኸኣ ንኣዲኡ - ኣደይ ኣኽበረት - ወፈዮ።

"ኣቦይን ኣደይን ኣብ ኒውዮርክ'ዮም ተራኺቦም" እናበለት ደስታ ዛንትኣ ትቕጽል።

ጀይን፡ ኣዲኣ፡ ካብ ከይምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ብኣንትሮፖሎጂ (ስነ-ሰብ) ብናይ ፒ.ኤች.ዲ. መዓርግ'ያ ተመሪቓ። ኣዲኣ ኣብ ዩኒሰፍ፡ ኣቦኣ ኸኣ ኣብ ዩ.ኤን.ዲ.ፒ. ዀነ ክልኦት ኣህጕራውያን ትካላት እናሰርሑ ኣብ ዓለም ንዕስራ ዓመታት ዑደት ኣካየዱ።

ርእሶም ብተዘክሮታት ጓሉ

"ኣቦይ ተጽዕኖ ዘይገብር፡ ጐነጽ ዝቐፎ፡ ብጣዕሚ ሊበራል 'ዩ ነይሩ" ትብል ደስታ።

"ናይ ቋንቋታት ክኢላ፡ መሃዚ ሓንጎል ዝነበሮ፡ ብምኽሻን ይዅን ኵስኰሳ ኣታኽልቲ ዘርክቦ ኣይነበረን። ኣብ ዝኸድናዮ ሃገር ምስ ጐረባብትና ቀልጢፉ ዝምድና መስሪቱ ክነብር ዝኽእል ኣቦ'ዩ ነይሩ" እናበለት ብሓበን ትገልጾ።

"ኣቦይ ኣብ ሕቘኡ ጸገም ነይሩዎ" ትብል ደስታ። "እቲ ማህሰይቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሒዙዎ ዝመጸ መዘከርታ'ዩ ነይሩ" እናበለት ትገልጾ።

ርእሶም ብጎበዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መኪናኡ ተገልቢጣ ኣብቲ ወሰናስን ጽርግያ ዝነበሩ ሳናዱቝ-ሬሳ ዓለበት። "ኣካ ሽዑ ሞተይን መቕበርየይ ሳንዱቕ ርአኹ!" እናበለ እናተዋዘየ የዕልለሉ ከም ዝነበረ ትዝክር።

"ምስ'ዞም ኵሎም ብልጫታቱ ግን ሰንሰለታዊ-ኣትካኺ'ዩ ነይሩ ... ኣብ መጨረስትኡ ኸኣ ዕድሚኡ ከም ዝሓጽር ገበሮ" እናበልት ትትክዝ።

Image copyright DM

ግጥምታት ርእሶም

ቻርለስ ካንታሉፖ ንግጥምታት ርእሶም ናብ እንግሊዘኛ ዝተርጐመ ምሁር'ዩ። "ርእሶም ማዕረ ክልተ ሺሕ ግጥማታት ገጢሙ ኣሎ" ይብል ካንታሉፖ።

ብ1998 "ዋዛ ምስ ቍምነገር ንትንሳአ ሃገር" ናይ ራይሞክ ብልጫ ዝተሸለመት መጽሓፍ/ካሴት (እቲ ዝለዓለ ናይ ስነ-ጽሑፍ ብልጫ ኣብ ኤርትራ) ክትከውን ከላ ብ2002 ከኣ ሓደ ሲዲ ቀሪጹ ነይሩ።

ካብቶም ግጥምታት ኣብ ብህይወቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክልተ መጻሕፍቲ'ውን ኣሕቲሙ "We Have Our Voice" ብ 2000, "We Invented the Wheel" ብ 2002 (Red Sea Press)።

ርእሶም ሃይለ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ብ2003 ቅድሚ ምፍላዩ፡ ማእምራዊ ቆላሕታ ኣህጕራውያን ገጠምቲ ክረክብ ጀሚሩ ነይሩ'ዩ።

ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ናይ መድያ ማዕከናት ኣዘራሪቦምዎ'ዮም - ቢቢሲ፡ ሲ.ኤን.ኤን፡ ዶይቸ-ቨለ (ጀርመን)፡ ራይ (ኢጣልያ)፡ ድምጺ ሓፋሽ (ኤርትራ)፡ ኤን.ፒ.ኣር. (ሕ.መ.ኣ.)፡ አስ.ቢ.አስ (ኣውስትራልያ)፡ ቪ.ኦ.ኤ (ሕ.መ.ኣ.) ...ወዘተ።

ኣብ ብዙሓት ዩኒቨርሲታት፡ ዋዕላታት፡ ናይ ግጥሚ መደበራት'ውን ተሳቲፉ።

ርእሶም ተባዕን ክዉንነተኛ ስነ-ጥበበኛ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ፣ ተቓላሳይ'ውን።

ኣብ መወዳእታ ዕድሚኡ በቲ ኣብ ሃገሩ ዝርእዮም ዝነበሩ ቄናናት ምዕባሌታት ስለ ዝቐሓረ ብግጥሙ ዓገብ ክብል ጀመረ።

ምስ ብጾቱ (ጂ-13) ዀይኑ ዝጸሓፎ ማዕዳ ንፕረሲደንት ኤርትራ ናብ ኣስመራ ዀይዱ ኣቕሪቡ'ዩ። እወ፡ ነቲ ብትኪ ዒግ ዝበለ ህድሞ መስኮት ንኽግበረሉ እናተቓለሰ'ዩ ሓሊፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት