ክፍፍልን ዉህደትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ

ቤተ ክርስቲያን ባእታ፡ ኣዲስ ኣበባ Image copyright Getty Images

ቤተ ክርስትያን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ሞገት ግቡእነት ኣብ ዘልዕሉ ክልተ ሲኖዶሳት ተኸፊላ ንክልተ ዓሰርታት ዓመታት ክትሕመስ ጸኒሓ።

ቅድም ኢሉ ኣብ እዋን ፓትሪያርክ ብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ፣ ድሕሪ ሕልፈቶም ድማ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ብብጹእ ኣቡነ ማቲያስ ብዝምራሕ ሲኖዶስን፡ ንብጹእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ፓትሪያርኩ ገይሩ ዝወስድ "ስደተኛ" እናተብሃለ ኣብ መንጎ ዝጽዋዕ ሲኖዶስን ዕርቀ ሳለም ንምዉራድ ብርክት ዝበሉ ፈተነታት'ኳ እንተነበሩ፡ ኣይሰመረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ንኣመንታን ኢና ንዉክል ዝብሉ ክልተ ሲኖዶሳት ዓይኒ ንዓይኒ ከይረኣኣዩ ከልኪልዎም ዝፀንሐ ቅርሕንቲ ተኣልዩ ሓደ ክኾኑ ድሌት ከምዘለዎ ምስ ገለጸ፡ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ግና ፍረ ዘፍሪ ይመስል።

ትማሊ ኣማስዩ ዜና ዕርቀ ሰላም እቶም ሲኖዶሳት ክስማዕ ጀሚሩ'ሎ።

ኣመራርሓ እታ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ኣብ ክልተ ተገሚዑ?

ኣብ 1983 ዓ.ም ኢህወደግ ናብ መሪሕነት እንትመጽእ፡ ብራብዓይ ፓትሪያርክ ኣቡነ መርቆሪዮስ ሕጉስ ከምዘይነበረ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ማሕበረ ካህናት ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ቀሺ ኤፍሬም እሸቴ ይዛረቡ።

"ኣብቲ ሲኖዶስ ኣፈላላይ ክፍጠር ዝጀመረ ብጹእ ኣቡነ መርቆርዮስ ስልጣኖም ክለቁን ብብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ ክትክኡን ካብ ዝግበር ኣትሒዙ'ዩ" ይብሉ።

ቐሺ ኤፍሬም ከምዝብሉዎ፡ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ሓይሊ ተጠቒሙ እቶም ፓትሪያርክ ካብ መንበሮም ክለግሱ ገይሩ"ዩ። ኣመራርሓ ማሕበረ ቅዱሳን ዝነበሩ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት በዚ ሓሳብ ይሰማምዑ።

ንሶም ከምዝብሉዎ፡ ኣብቲ እዋን ብጹእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ካብ መንግስቲ ንዝመጽእ ጸቕጢ ክፃወሩዎ ዘይምኽኣሎም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናቶም ካብ መንበር ምልጋስ ከም እንኮ መፍትሒ ዝረኣይዎ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት'ውን ነይሮም።

እቶም ፓትሪያርክ ምስተሰደዱ ድማ መረጻ ተኻይዱ ካልእ ፓትሪያርክ ተሸይሙ። ገለ ጳጳሳት ግና ነቶም ስደተኛ ፓትሪያርክ ክስዕቡ መሪጾም። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ካልእ ሲኖዶስ እንትምስርቱ፡ ካልኦቶም ድማ ኣብቲ ኣብ ዓዲ ዝተረፈ ሲኖዶስ ክቕፅሉ ወሲኖም።

"በዚ ምኽንያት እዚ እታ ቤተክርስቲያን ብኽልተ ሲኖዶስን ብኽልተ ፓትሪያርካትን እትምራሕ ኾይና" ይብሉ ዲያቆን ዳንኤል።

እዚ ኸይዲ፡ ክልተ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣስተምህሮታት ዝጠሓሰ ከምዝኮነ ድማ ይዛረቡ።

ንሶም ከምዝብሉዎ ቀደሙ'ዉን "ሓደ ወላዲ ደቁ ገዲፉ ክኸይድ ኣይግባእን"፤ ቀፂሉ ድማ "ዋላኳ እዞም ኣቦ ካብ ሃገር እንተወፁ፡ ንዐኦምን ንካልኦትን ካብ ስደት ንምምላስ ጻዕሪ ክግበር እናተገብኦ ካልእ ኣቦ ተሸይሙ። ስርዓት እታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኣቦ ብህይወት እናሃለወ ካልእ ምሻም ኣይፈቅድን" ይብሉ።

ሳዕቤን እቲ ምክፍፋል እንታይ ነይሩ?

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ሕጂ'ዉን ዓባይ ትካል እምነት እታ ሃገር'ኳ እንተኾነት ቑጽሪ ኣመንታ እናነከየ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ንመወዳእታ ግዘ ኣብ 1999 ዓ.ም ዝተኻየደ ቖጸራ ህዝብን ኣባይትን ከምዘርእዮ፡ ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ እታ ሃገር 43 ሚኢታዊት ተኸታሊ እቲ እምነት እንትኾን፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1977 ዓ.ም ዝነበራ ሃገራዊ ብጽሒት ምእመን ግና 50 ሚኢታዊት ከምዝነበረ ይግለጽ።

Image copyright FITSUM AREGA TWITTER

"ምድኻም እቲ ቤተ ክህነት" ናይዚ ጠንቂ እዩ ይብሉ ዲያቆን ዳንኤል።

"እቲ ቤተ ክህነት ነታ ቤተ ክርስቲያን ክሽከም ዝኽእል ዓቕሚ የብሉን። ሕጂ ንዘላ ኢትዮጵያን ሕጂ ንዘሎ ወለዶን ዝምጥን ኣይኮነን። ኣብ ኣሜሪካ ኾነ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ቤተ ክህነት ነዚ ዝምጥን ዓቕሚ የብሉን" ኢሎም።

እቲ ቤተ ክህነት ክዳኸም ድማ ምክፍፋል ሲኖዶስ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ከም ምኽንያት ይጠቕሱ።

ቀሺ ኤፍሬም ብወገኖም ዝተዃረዩ ኣመራርሓ ምህላዮም፣ ሓደ እምነትን ስርዓትን ዘለዎም ኣመንቲን ካህናትን ክረሓሓቑ ምኽንያት ካብ ምኻን ሓሊፉ፡ ብርክት ዝበሉ ጸገማት ኣምፂኡ'ዩ ይብሉ።

"ምክፍፋል መራሕቲ ሃይማኖት፡ ቤተ ክርስቲያን ሕጂ ንዘለዋ ድኽመት ብሓፈሻ፣ ቑጽሪ ምእመናን ክንኪ፣ ምምሕዳራ ክበላሾ፣ ግዕዝይናን ስርቅን ክነግስ፣ ሞያን ስነ ምግባርን ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክሽኩዑ በሪ ኸፊቱ'ዩ"።

ሕጂኸ ጽላሎት ቤተ መንግስቲ ካብቲ ቤ እምነት ለጊሱ ድዩ?

እቶም ሲኖዶሳት፡ ሓደ ነቲ ኻልእ ሕጊ እምነት ከምዝጠሓሰ ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገይሩ ከምዝሪኦ ዘመላኽት ነንርእሶም ምውግጋዞም እዩ።

ሕጂ ይካየድ አኣብ ዘሎ ከይዲ ሽምግልና፡ ብሓባር ጸሎት ምብጽሖም ነቲ ቅድም ኢሎም ዘንበርዎ ዉግዘት ወግዓዊ'ኳ እንተዘይኮነ ብተግባር ቀዲሞም ከምዘልዓልዎ መርኣያ'ዩ ይብሉ ቀሺ ኤፍሬም።

ነንሕድሕዶም ዝጠማመትሉ መገዲ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝተገበረ ፈተነ ዕርቂ እኳ እንተህሰሶ፡ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር'ዉን ዓብዪ ኣጃም ከምዝነበሮ ይሰማምዑ።

ቀሺ ኤፍሬም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ካብ እትምስረት ኣትሒዙ፡ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ካብ ዘለዉ እምነታት ክርስትና ብዝተፈለየ መልክዑ መንግስታዊ ምትእስሳር ከምዘለዋ የረድኡ።

"ኣብ ካልኦት ሃገራት እምነት ኣብቲ ህዝቢ ምስ ሰረጸ መንግስታት ከምዝተቐበሉዎ ታሪክ የረድእ። ኣብ ኢትዮጵያ ግና ናይዚ ተጻራሪ'ዩ። መንግስቲ ነቲ እምነት ተቐቢሉ'ዩ ናብቲ ህዝቢ ኣስሪጹዎ። ስለዝኾነ መንግስታዊ ዝምድና ኣሎ" ይብሉ።

እሞኸ?

ዲያቆን ዳንኤል፡ ፖለቲካዊ ድሌት ዘይነበረ ኾይኑ እምበር፡ 'ቶም ሲኖዶሳት ክተዓረቑ ከቢድ ኣይምነበረን ዝብል እምነት ኣለዎም።

ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ ጻዕርታት ዕርቂ "ከይሳኽዑ ማሕለኻ ዝኾነ ናይታ ሃገር ፖለቲካ'ዩ" ይብሉ። "ምኽንያቱ እቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ሲኖዶስ ነቲ ናይዛ ሃገር ፖለቲካ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ድማ ነቲ ናይ ደገ ፖለቲካ ስለዝድግፉን እቲ ፖለቲካ ኣብ ዘሕድረሎም ጸቕጢ ስለዝወደቑን'ዩ"።

እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሲኖዶስ ብቑጽሪ ኣመንቲ እንተድኣተመዚኑ ብጣዕሚ ንኡሽቶ'ዩ፡ ብዘንቀሳቕሶ ገንዘብን ዘሕድሮ ጽዕንቶን ግና ድልዱል እዩ ይብሉ ዲያቆን ዳንኤል።

ቀሺ ኤፍሬም ብወገኖም፡ እቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ፓትሪያርክ ጥራሕ ዘይኮኑስ ካልኦት ካህናት 'ውን ተመሊሶም ናብ ኣገልግሎት ክኣትዉን ውህደት ክህልውን ኣለዎ በሃሊ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ