ቅልውላው ስደተኛታት፡ ኢጣሊያ ክሳብ ኣብ ስምምዕነት ዝብፃሕ ንስደተኛታት ክትቅበል እያ

ስደተኛታት Image copyright Getty Images

ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ፡ ስደተኛታት ዝፀዓና መራክብ ናብ ወደባታ ከይኣትዋ ክትኽልክል ዝፀንሐት ኢጣሊያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ይገብሮ ዘሎ ምክፋል ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ ክሳብ ዝውድእ ሂወት ኣድሕን መራኽብ ኣብ ወደባታ ከዕርፋ ክትፈቅድ እያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሞኣቬሮ ሚላኔሲ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ዳግም ኣብ ዝርኤሉ እዋን ኢጣሊያ ስደተኛታት ዝፀዓና መራክብ ንሓሙሽተ ሰሙናት ክትቅበል እያ ኢሉ።

ሓድሽ የማናይ ሰልፊ ኢጣሊያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ትሩር ቅዋም እዩ ዘለዎ።

ኢጣሊያ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮፓ ዝኣትዉ ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ከም ኣፍ ደገ ዝግልገሉላ እንትትከውን፡ ፀቕጢ ስደተኛታት ኩለን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ እየን ክሽከመኦ ዝግባእ ዝብል ቅዋም ኣለዋ።

ሰኑይ ምስ ናይ ጀርመን መሰትኡ ሄይኮ ማስ ድሕሪ ምዝታዩ፡ ኩሎም ካብ ባሕሪ ዘዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሓንቲ ሃገር ጥራሕ ዝኣትውሉ መስርሕ ዝከላኸል ስምምዕ ክሳብ ዝግበር ወደባት ኢጣልያ ክፉታት ኮይኖም ክቕጽሉ'ዮም ኢሉ ሚላኔስ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ እንተድኣ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ክሰማማዕ ዘይክኢሉ፡ እቲ ኣብ ኣብዝሓ ክፋላት ኣውሮፓ ዘገልግልን ካብ ቪዛ ናፃ ጉዕዞ ንምግባር ዘኽእልን ዞባ ሸንገን ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣሊያ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኢጣሊያ ልዕኢ 600 ስደተኛታት ዝፀዓነት ኣኳርየስ ዝተሰምየት መርከብ ሂወት ምድሓን ኣብ ወደብ ኢጣሊያ ከይተራግፍ ፍቓድ ከልኪሎም። በዚ ምኽንያት ከኣ እታ መርከብ ናብ ወደብ ስፔን መገዳ ክትቅይር ከምዝተገደደት ዝዝከር እዩ።

ብድሕሪኡ ከኣ ላይፍ ላይን እትበሃል ካልእቲ መርከብ ኣብ ወደባት ኢጣሊያ ከይትዓርፍ ተኸልኪላ።

ሓደ ናይ ስፔን ትካል ርዳእታ፡ ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንሰለስተ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ከምዝራሕርሕወንን ኢጣሊያ ድማ ነዚ ተግባር ድጋፍ ገይራ እያ ዝብል ክሲ ምስኣቕረበ እዚ ናይ ምኽልካል ፖሊሲ ዳግም ብጥንቃቐ ክረኣይ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ