ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ መስጊድ ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ተጎዲኦም

ከተማ ደሴ

ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ሸዋበር ቁርዓን ኣብ ምቅራእ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ዉልቀሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ጉድኣት በጺሑዎም።

ሜዲካል ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ደሴ፡ ዶክተር መንግስቱ ወርቁ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ሰባት ንህይወቶም ዘስግእ'ኳ እንተዘይኾነ ከቢድ መጉዳእቲ ዝበጽሖም እንትኾን፡ ቀሊል መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሰባት'ዉን ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ሰለስተ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶም መዉቃዕቲ በጺሑዎም ርእሶም ድማ ከምዝተፈግአ ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ ዘበጽሖም ጉድኣት ቀሊል ብምዃኑ፡ ሎሚ መዓልቲ ንተወሳኺ ሕክምና ናብቲ ሆስፒታል ክመዝኣተዉ ገሊጹ።

ሓጂ ስዒድ እንድሪስ ኣብ ከባቢ ሸዋበር ዝነብሩን ብንግዲ ዝመሓደሩን ነባሪ ከተማ ደሴ'ዮም።

ንሶም ከምዝብሉዎ እንተድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊኦምን ካልኦትን ዝበጽሐ ጉድኣት ኣብ እዋን ቁርዓን ኣብ መስጊድ እናሃለዉ'ዩ።

ሓጂ ስዒድ ከምዝብሉዎ ኣብቶም ዝሓለፉ ሸዉዓተ ዓመታት ብምኽንያት ኣፈላላይ ኣስተምህሮን ካብ መስጊድ ርሒቖም ከምዝነበሩ ዝዛረቡ እስላም፡ ዝሓለፈ ሮቡዕ ተኣኪቦም ተዛትዮም'ዮም።

ኣብዚ ግዘ፡ መንግስቲ ሕጂ ዝፈጠረሎም ዕድል ተጠቒሞም ኣብ መስጊድ ቑርዓን ክቀርኡ ከምዝተዘራረቡን ካብ ዝኾነ ኣካል ሕማቕ ነገር እንትመጽእ ብትዕግስቲ ብምሕላፍ ንምዝርራብ ወሲኖም ኮሚቴ ከምዝመረጹ'ዉን ይዛረቡ።

ብመሰረት እዚ ዝሓለፈ ሓሙስ ትምህርቶም ጀሚሮም። ሓጂ ስዒድ እንድሪስ ዓረብኛ እንተንብቡ፡ ሸኽ መሓመድ ኑር ድማ እናተርጎሙ ትምህርቲ ምሃብ ከምዝጀመሩ'ዉን ሓቢሮም።

ቀዳም ተመሳሳሊ ትምህርቲ ዝተዉሃበ ኮይኑ፡ ዕለተ ሰንበት ግና፡ ምምሕዳር እቲ መስጊድ ከምህር ኣይኽእልን ዝብል ሓበሬታ ከምዝጠቅዐ ሓጂ ስዒድ ይገልጹ።

ኣብቲ እዋን ዝተመረጸ ኮሚቴ ካብቲ መስጊድ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዘይደሊ፤ ቁርዓን ጥራሕ ክቀርእ ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ'ዩ ይብሉ።

ሰኑይ ንጉሆ ምስ መንግስትን ኣካልት ጸጥታን ብምዃን ክሳብ ዙሁር ሰላት ብዝግባእ ከምዝተዛተዩን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐን ይሕበር።

በዚ ምኽንያት ትማሊ ምሸት እቲ ልሙድ ናይ ምምሃር ምስትምሃር ከይዲ ክቕጽእለ ገይርና ኢና ዝብሉ ሓጂ ስዒድ፡ ኮይኑ ግን ካብ ኮምቦልቻን ካልኦት ከባቢታትን ዝመጽኡ ሰባት ምርባሽ ከምዝጀመሩ ይዛረቡ።

ሓጂ ስዒድ ደጋጊሞም 'ኣላህ ፍርሑ' እናበሉ ከምዝተማሕጸኑ ገሊጾም።

እቲ ትምህርቲ እናተዉሃበ ከሎ ግና ኣብዚ ክመሃሩ ከምዘይኽእሉ ዝተነገሮምን ዳግም ምስቲ ምምሕዳርን ኣካላት መንግስትን ብምዝርራብ ከምዝተፈቐደሎም ብምንጋር ናብ ትምህርቶም ከምዝኣተዉ ይዝክሩ።

ድሕሪኡ ሓደ ጸሊም ሸሚዝ ዝተኸደነን ቖቢዕ ዝገበረን ገጹ ዘይርኣይ መንእሰይ ኣጋጣሚ ካብቲ መምሃሪ ክፍሊ ተንሲኡ፡ "ጠጠዉ ይበል! ጠጠዉ ይበል!" ኢሉ ከምዝጠርዐ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብዚ ህሞት ነቶም ተምሃሮ ብምርግጋእ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር'ኳ ክቕጽል እንተገበሩ፡ ስግኣት ስለዝሓደሮም ሓሙሽተ ቖልዑ መሪጾም እቲ ከባቢ ከጽንዑ ልኢኾም።

ድሕሪ እዚ፡ "ኣላህ ወኣክበር" ኢሎም ከምዝተዛረቡን ምጥቃዕቲ ከምዝበጽሖምን የረድኡ።

ከም ሓበሬታ ሓጂ ስዒድ ሓደ ፣ መፈለጺ እምንን ዕንጸይትን፣ ሰለስተ ሓጺንን እምንን ኣብ ዉሽጢ መስጊድ ከምዝርኣዩ'ዩ።

ኣብቲ እዋን 42 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ዝወዓሉ እንትኾን፡ ዝተረፉ ካብ መስጊድ ወጻኢ ተታሒዞም 55 ሰባት ኣብ ፖሊስ ጣቢያ ከምዝተረኸቡ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት