ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ሙሁራት ትግራይ፡ ንምንታይ ሕዚ?

ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሴ (ጸጋም) ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ (የማን)

ንዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘካይዶም ስራሕቲ ልምዓት ኮነ ካልኦት ምንቅስቃሳት ተሳትፎ ሙሁራት ገዲቡ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ክበጽሖ ጸኒሑ'ዩ።

ነቲ ክልል ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ህወሓት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣካይደዮ ኣብ ዝበሎ ከይዲ "ብዕምቆት ምሕዳስ" ንሙሁራት ከየጸግዐ ምምጽኡ ብምእማን፡ ድሕሪ ሕዚ መናእሰይን ሙሁራትን ግደኦም ዘዕዝዙሉ ባይታ ከምዝፈጥር ተመጻቢዑ ወጺኡ።

ድሕሪ እዚ ከይዲ 'ምህዳስ' ስዒቡ ዝመፀ ሃገራዊ ኩነታት ግን ንጹር መልክዕ የብሉን።

ዝተፈለየ መልክዕ ይሕዝ ዘሎ ፖለቲካ፣ ዘይዛረዩ ተኣፈፍቲ ግጭታት፣ ዘይጸረየ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ካልኦት ማሕበረ ቑጠባዊ ለዉጢታትን ኣብ ዘንፀላለውሉ ኩነታት እያ ትርከብ 'ታ ሃገር።

እዚ ኹነታት፡ ከም መጠን ኣካል ናይ ኢትዯጵያ፡ ንትግራይ'ውን ከምዝፀልዋ ግሁድኳ እንተኾነ፡ "ተብሃጊትን ብልጽግትን ትግራይ ምፍጣር" ዝብል መርገጺ ዘንጸባረቐ ዓብዪ ዋዕላ ሙሁራት ክትእንግድ እያ ቐንያ።

ኣብዚ ዋዕላ፡ ልዕሊ 1300 ሙሁራት ከምዝተረኸቡ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ትግራይ ዓባይ ማእኸል ፍልጠትን ክእለትን ንምግባር ኣብ ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ዓብዩ ጠመተ ሂብካ ምስራሕ፣ ምብቃዕ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ካብ ትሑት ብርኪ ምጅማር ኣገዳሲ'ዩ ዝብል ምሁራዊ ማዕዳ ተንፀባሪቑ።

ኣብ ምዕባለ ሓይሊ ሰብ ኣሐይልካ ክስራሕ ይግበኦ ዝብል'ውን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዋዕላ ጎሊሁ ዝተልዓለ ዛዕባ ነይሩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ዩኒቨርሲትታት ምስ ካልኦት ዓለምለኸ ዩኒቨርሲትታት ርክብ ምፍጠር ዘኽእል ኣሰራርሓ ምዝርጋሕን፡ መሰረታዊ ለውጢ ከርእዩ ኣብ ዝኽእሉ ዘርፍታት ፅንዓትን ምርምርን ብምክያድ ኣንፈት ምሕባርን ዝብሉ ቀጸልቲ ዓበይቲ ዕዮታት ብምልዓል እሂን ምሂን ክብሉ ቀንዮም።

ንምንታይ ሕ?

ግደ ምሁራት ኣብ ልምዓታዊ ምንቅስቓስን ማሕበረሰባዊ ህንጸትን ዘተሓትት'ኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ ኹላይ ሙሁር ኣበይ ጸኒሑ'ዩ ሕዚ ብዛዕባ ረብሓን መጻኢትን ትግራይ ክዝቲ ተበጊሱ?

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሓደ ኣንጻራዊ ረብሓ ትግራይ ዝበሃል ሓይሊ ሰባ እዩ ዝብል ኣቦ መንበር ዓለምለኸ ሙሁራት ትግራይ ኣብ ጀርመን፡ ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሴ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ተበቲኑ ዘሎ ሙሁር ትግራዋይ ናብ ሓደ ብምእካብ ብዝተወደበ መልክዑ ክሕግዝ ዘኽእሎ መገዲ ንምፍጣር እዩ ክብል ይገልጽ።

ሕቶታት ዘለዓዐለ ምትኽኻእ ሽመት ክልል ትግራይ

ብውድቀት ጽፈት ትምህርቲ ትግራይ መን'ዩ ተሓታቲ?

"ባድመ እንትትንከፍ ብሓደ ከምዝዘመትና፡ ሰላም እንትብሃል'ዉን ብሓባር ንወስን"

ናይዚ ዉጽኢት ድማ ብቐጻሊ ኣብ ትግራይ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ናይ ቑጠባ ማሕበረሰብ ክፍጠር ኣለዎ ዝብል ልኡኽ ሒዙ ከምዝመጸ ተዛሪቡ።

"ትግራይ ኣብዚ እዋን ልምዓት ትደሊ" ዝብል መምህርን ተመራማርን ከምኡ'ዉን ዳይሬክተር ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ብመጽናዕትን ምርምርን ዝተደገፈ ልምዓት ክምዝገብ ድማ ተሳትፎ እቲ ዝተምሃረ ሓይሊ ከምዘድሊ ይገልጽ።

"ልምዓት፡ ዉጽኢት ምርምር ክኸዉን ሙሁር የድሊ። እዚ፡ ሕጂ ዘሎ ዉጽኢት መጽናዕቲ ትግራይ ንቐጻሊ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ከመይ'ዩ ዝኸይድ ዝብል ክሕግዝ ይኽእል'ዩ" ይብል።

እዚ'ዉን ኮይኑ ግና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል መጽናዕትን ምርምርን ምክያድ ሓድሽ ኣይኮነን። ነቲ ክልል ክሕግዙ'ዮም ተብሂሎም በብግዚኡ ዝካየዱ መጽናዕታት ተግባራዉነቶም ከመይ'ዩ? ዝብል እዩ እቲ ዘገድስ ነጥቢ።

ዉጽኢት ምርምር ኩልሻብ ስለዘድልየና ሕጂ'ዉን ክካየድ'ዩ ዘለዎ ዝብል ዶክተር ሙሉጌታ፡ ኣብ ከይዲ ተግባራዉነት ዝቅህሙ ስራሕቲ ብኣግባቡ ናብ ባይታ ዝወርድሉን ዝፍጸሙሉን መተግበሪ ክህሉ ምግባር'ዩ ዘድሊ ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ኣብ ከይዲ ብዙሕ ነገር ይቅህም'ዩ። እቲ ዉጽኢት መጽናዕቲ ናብ መሬት ኣብ ምዉራድ'ዉን ከምኡ። ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ ዘለዉ ጸገማት ኣነጺርኻ ንምዉጻእን መፍትሒ ንምእላሽን እቲ ሙሁር ግድኡ ከመይ ይርድኦ? ዝብል ጸሚቕኻ ኣብ ምትግባር'ዩ እቲ ጸገም ዘሎ። ኣየንአን እየን ካብቲ ዝተለመደ ወጻኢ ዝኾና ኣተሓሳስባታት ዝብላ ግና እናመረጽና ናብ ባይታ ክነዉርደን ኣለና" ኢሉ።

"ብቑዕ ዝኾነ ሓይሊ ሰብን፡ ብፍልጠት ዝተሞርኮዘ ብሳይንስን ምርምርን ዝተደገፈ ጸገማት ዝፍትሕሉ ኣንፈታት ብምቕማጥ ብልጽግቲ ትግራይ ንምፍጣር ኢና ተኣኻኺብና" ዝብል ዶክተር ገብረኪዳን ብወገኑ ኣብቲ ዝሓለፈ ኣበይ ነይርና ዝብል ድኽመት ንምጽብጻብ ዘይኮነ፡ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና? ኣበይ ኩነታት ኢና ዘለና? እንታይ ኢና ክንገብር? ዝብል ሒዝና ኢና ተራኺብና ኢሉ ።

"27 ሚኢታዊት ኣብ ትሕቲ ድነት ከምዘሎ እንትንሰምዕ ደንጊጽና"

ካብ 1987 ክሳብ 1988 ዓ.ም ጀሚሩ እዞም መራሕቲ እናመጹ የዛትዩና ነይሮም። ሓግዙና፤ ከመይ ንገብር? ይብሉ እኳ እንተነበሩ ለዉጢ ግና ከምጽኡ ስለዘይርኣናዮም ንምንታይ ተድኽሙና? ኢልና ገዲፍናዮም" ዝብሉ መምህር ቋንቋ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዶክተር ተስፋይ ሰለሞን፡ እቲ ናይ ሕዚ መድረኽ ግና ዓብዪ ተስፋ ዝሃበ ምንባሩ ተዛሪቦም።

"መራሕቲ እቲ ክልል (ብፍላይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል) ኩሉ ሓሳብ ክመጽእ ኣለዎ ምባሎምን፤ ርኢይቶ ክህብሉ ምኽኣሎምን፤ ካብ ብሕዚ ናይቲ ሙሁር ድጋፍ ከይተትሓዘ ናብ ምሕንጻጽ ፖሊስን ምትግባርን ከምዘይእቶ ስለዝተገለጸልና ጉልበት ሂቡና'ዩ" ኢሎም።

ትግራይ ኣለዋ ካብ ዝበሃል ሕሱም ጸገማት ሰናይ ምምሕዳር ብዝሰገረ፡ ሰፊሕ ድኽነት ዝሓዛ እያ። እዞም ጸገማት ተደራሪቦም ንኣብዝሓ ስግኣት ይፈጥሩ።

"27 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ኣሎ ምስተብሃልና ኩልና ደንጊጽና። ኣበይ ኢና ዘለና? ኣበይ ኢና ነይርና? ዝበልዖ ዝሰኣነ ህዝቢ ሒዝና እንታይ ኢና ንገብር ዘለና ኢልና?" ዝብሉ ዶክተር ተስፋይ፡ ኣለዉ ዝበሃሉ ጸገማት ፖሊሲ፣ ኣመራርሓን ኣተገባብራን፣ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ሰብኣዊ መሰላትን ብምልዓል ዝተኻደየ ዘተ ጉልበት ዝህብ ነይሩ ኢሎም።

እቲ ጸገም ግና ካበይ ዝነቐለ'ዩ?

እቲ ቑልፊ ጸገም ናይ ርእዮተ ዓለም፣ ናይ ሕገ መንግስቲ ወይ ካልእ ዘይኮነ ድኽነት ኣብ ምጥፋእ፣ ምትሕብባርን ሓድነትን ተጋሩ ኣብ ምጥንኻር ዝተሰርሐ ስራሕ ኣይነበረን ይብሉ ዶክተር ተስፋይ።

"እዚ ኩሉ አይነበረን። ብድሕሪ እቲ ዝነበረና ዓᎁቕ ዘተ ግና ኩልና ሓንቲ ዘረባና ኾይና፡ ድልየት ትግራይ እንታይ'ዩ? ህዝቢ እንታይ'ዩ ዝሓተና ዘሎ? እንታይከ ነወፊ? ተባሃሂልና ኢና ወጺእና። ስለዝኾነ ንድሕሪ ሕጂ ተስፋ ኣለኒ' ኢሎም።

ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ምድላዉ ዝተገበረሉ መድረኽ ዓለምለኸ ሙሁራት ትግራይ ዓበይቲ ሞገታት ኣልዒሉ እዩ።

ብቐጻልነት እዚ ኣበይ በጽሐ እናበለ ዝከታተለል ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሰንዐ ሓደ ኣካል ክጣየሽን ዉጽኢታት እቲ ኮንፈረንስ ዝትግብር ዉዳበ ከምዝህሉን ተመጻቢዑ'ዩ ወጺኡ።

እቲ ዋዕላ፡ ኣብ መወዳእታ ካብቶም ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝተበገሱ ዓበይቲ ውሳነታት ኣሕሊፉ፤ ፎረም ማሕበር ዓለም-ለኸ ምሁራት ትግራይ ብምምስራት ድማ ተዛዚሙ፡፡

ተወሳኺ ዛንታ