"ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ኣዋርሕ ክምለስ'ዩ" ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ምንጪ ስእሊ, MARY HARPER

መግለጺ ስእሊ,

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኩነተ-ኲናት ድሕሪ ምብቅዑ ለውጥታት ከተታኣታቱ ትጽቢት ይግበረላ

መንግስቲ ኤርትራ ክኽተሎም ዝጸንሐ ፓሊሲታት ካብቲ "ንህላወ [እታ ሃገር] ኣብ ሓደጋ ዘእተወ" ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ግጭት ዝምንጩ ምዃኑን፡ እቲ ግጭት ኣብ ዝውገደሉ እዋን ናይ ፓሊሲ ለውጢ ክህሉ ግድን ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ የማነ፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሰባዊ መሰላትን፡ ጉዳይ እሱራት'ውን ዝምልከት ሕቶታት'ውን ቀሪቦምሉ ነይሮም።

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ንሱ ብዛዕባ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ምብቃዕ ናይቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ኩነተ-ኲናት ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ማለት ናብ 18 ኣዋርሕ ከም ክምለስ ከም ዝገብር ኣተንቢሁ።

"ግጭት እንድኣ ዘይሃልዩ እቲ ቀንዲ መትከላት ናይቲ [ኣብ 1994 ዝተኣወጀ] ሕጊ ክትግበር'ዩ" ክብል ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ኢማኑኤል ኢጉንዛ ኣብ ኣስመራ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ሚኒስተር እቲ ለውጢ መዓስ ክትግበር ምዃኑ ብንጹር ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

እቲ ኣብ 1994 ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ እዚ ድማ 6 ኣዋርሕ ወታሃደራዊ ታዕሊም ዘካተተ ምዃኑ ይፍለጥ።

ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ምውልዑ ድማ እታ ሃገር ኣብ ኩነተ-ኲናት ብምጽንሓን፡ እቲ ብብይን ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት መሰረት ንኤርትራ ዝተዋህቡ ባድመ ዝርከቦም ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢትዮጵያ ምህላዎም ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት-ኣልቦ (ኢንደፍኒት) ክኸውን ከም ዘገደደ ሰበስልጣን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሐም እዮም።

እንተኾነ ግን እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላምን፡ እቲ ኩነተ-ኲናት ብወግዒ ምብቅዑን፡ እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ'ዩ ዝብል ትጽቢት እናዓዘዘ መጺኡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ኣማኢት ኤርትራውያን መስርሕ ናይቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ሂወቶም ሲኢኖም እዮም

ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ካብዚ ደረት-ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብሰንኪ ካልኦት ምኽንያታትን ካብታ ሃገር ሂዲሞም ናብ ስደት ክውሕዙ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ኣሽሓት ካብዚኣቶም ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ማዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ኣሽሓት'ውን ናብ ኣወሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኪኖኡን ተሰዲዶም እዮም፡ እቶም ኣብኡ ክበጽሑ ዘይተዓደሉ ድማ ኣብ ምድረበዳታትን፡ ባሕርን ሂወቶም ሲኢኖም'ዮም።

ፓለቲካዊ ለውጢ

ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ ሃገሩ ክትጅምሮ ዘለዋ ፓለቲካዊ ለውጥታት'ውን ተሓቲቱ ነይሩ።

ንሱ፡ "ግጭት እንተድኣ ተወጊዱ ሓያሎ ናይ ፓሊሲ ለውጥታት ክመጽእ'ዩ ኢለ እሓስብ" ክብል ብድብድቡ ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን እትመሓደር ሃገር'ያ። ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝድስክል ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ነዚ ንምምላስ ነቲ ናይ 1997 ቅዋም ምትግባር ወይ ድማ ሓድሽ ቅዋም ብምንዳፍ፡ ብኡ መሰረት ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ክሓትት'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ24 ግንቦት 2014፡ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዘስመዖ መደረ "ንመጸኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፓለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ክሕብር እፈቱ" ኢሉ ነይሩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ታሕሳስ 2014 ንቴለቭዥን ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም "ብግብሪ ኣብ ባይታ ከይኣወጅካ ዝሞተ ሰነድ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ፐረዚደንት ኢሳይያስ ሓደ ካብቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ'ዩ

እቲ "ሓድሽ" ቅዋም ድማ "ብዘይ ዓውዓው፡ ብግብሪ ግን እቲ ዘድሊ ምድላዋት፡ ዘድሊ ምቅርራባት ወይ መጽናዕቲ ተኻይዱሉ እቲ ሰነድ ክዳሎ'ዩ። እቲ ሰነድ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ፣ ክርደኦ ዘለዎ'ዩ" ድሕሪ ምባሉ ንዕኡ ዘሳልጥ "ሓደ ኣካል ቆይሙ ኣሎ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 2016 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ግን "ኣነ ቅዋም ኣይብሎን'የ፡ ስርዓተ-መንግስቲ'የ ዝብሎ" ኢሉ ምግላጹ ብዙሕ ኣዛሪቡ'ዩ። ይኹን'ምበር እቲ ዝተባህለ "ስርዓተ-መንግስቲ" እውን ክወጽእ ኣይተራእየን።

ይኹን እምበር ብ8 ሰነ 2016 ቀንዲ ፓለቲካዊ ኣማኻሪ ናይቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ነቲ በቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝገበር ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ንምጽራይ ዝቖመ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ መልሲ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ "ንምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ናይ'ታ ሃገር ዘሳልጥ ኮምሽን ምቛም" ከም ቀንዲ ዓወት ሃገሩ ጌሩ ኣቕሪብዎ ነይሩ።

ኣብ 2015 ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2014 ክንደፍ ምዃኑ ዝተዛረበሉ ቅዋም ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ "ኣነ ቅዋም ኣይብሎን'የ፡ መርሓ ጎደና ወይ ሮድ ማፕ እየ ዝብሎ" ክብል ገሊጽዎ'ዩ።

ብዘይብኡ ንኣካይዳ እቲ ፕረዚደንት ብምቅዋም፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረት ዝጠለቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ዝነበሩን ካልኦት ፓለቲከኛታት ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ኣእቲኹም ተባሂሎም ብመንግስቲ ድሕሪ ምእሳሮም ሃለዋቶም ኣይፍለጥን'ዩ።

"እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣጀንዳ ብካልእ ረብሓታት ዘለዎም ወገናት ክድፋኣሉ ዝጸንሐ ጸለመ እዩ፡ ኤርትራ ከም ኩለን ካልኦት ሃገራት ኣብዝን ኣብትን ድኽመታት ኣለዋ። እንተኾነ ግን እቲ ኤርትራ ኣዝያ ዝኸፈአት ሰብኣዊ መሰል ዝግፈፈላ ሃገር ጌርካ ምቕራባ መሰረት ዘይብሉ'ዩ" ብምባል ኣቶ የማነ ነቲ መንግስቱ ክኽተሎ ዝጸንሐ ፓሊሲ ይከላኸል።

ምልዓል ማዓቀብ

ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ ዝተነብረ ማዕቀብ ክለዓል ኣቕሪባቶ ዘላ ሕቶ ክምስገን ዝግበኦ ምዃኒ እቲ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ።

"እንተኾነ ግን" ይብል ንሱ፡ "እቲ ወሳነ ሕጋዊ ነገር ስለዝኾነ እቲ ባይቶ ጸጥታ'ዩ ዝውስኖ" ኢሉ።

እቲ ኣብ 2009 ዝተነብረ ማዕቀብ ብሰንኪ'ቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ዑጡቓት ኣልሸባብ ትድግፍ'ያ ዝብል ዝቐረበላ ክሲ እዩ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, STAN HONDA

መግለጺ ስእሊ,

እቲ ማዕቀብ ብድፍኢት ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተነብረ ምዃኑ ይንገር

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ጉጅለ ብምቛም ዓመታዊ ጸብብጻብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከቕርብ ምጽንሑን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምእትደግፍ ጭብጢ ከምዘይረኸብ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኢትዮጵያ ዝነበረተን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጠን ይኹን ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክትፈጥር ትጽዕር ኣላ ኢለን ብምኽሳሰን፡ እቲ ማዕቀብ ክቕጽል ክጉስጉሳ ጸኒሐን እየን።

እቲ ማዕቀብ ናይ ኣጽዋር እገዳን፡ ምድስካል ሕሳባት ባንኪ ናይ ገለ ሰበ ስልጣን ኤርትራን ዘካተተ'ዩ።

ኢትዮጵያ ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮይና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ዳግም ተማሓይሹ ከምዘሎ ይፍለጥ።