ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ጽባሕ ናብ ኣሜሪካ ክጉዓዝ'ዩ

ኣሉላ ሰሎሞን

ምንጪ ስእሊ, ALULA SOLOMON/FACEBOOK

"እቲ ሓጹር ኣፍሪስና፤ ድልድል ክንሃንጽ ኢና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዚ ኣኼባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣብ ዋሽንግተን፣ ሎስኣንጀለስን ሚኒሶታን ዝርከቡ ኣካላት ከራኽብ'ዩ ይብል ሓበሬታ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ፍጹም ኣረጋ።

63 ዝኾና ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ ማሕበረሰብ ድማ ነቲ ምድላዉ ሽፋን ክህባ ተዳልየን ኣለዋ።

እዚ ምድላዉ ዘተሓባብራ ዘለዋ ኮሚቴታት እኹል ምድላዉ ከምዝገበራ ዝገለጸ ኣባል ኣብ ዋሽንግተን ትነጥፍ ዘላ ኮሚቴን ወካሊ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካን መንእሰይ ኣሉላ ሰለሞን፡ ኣብ ምንቕቓሕ ተሳትፎ እቲ ማሕበረሰብን ሚዲያን ጽቡቕ ስራሕ ከምዝሰርሓ ሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ብኣምባሳደር ካሳ ተክለብርሃን ዝምራሕ ዓብዪ ኮሚቴ ሎጀስቲክስ ፕሮቶኮልን ደሕንነትን ኣድላዪ ዘበለ ምድላዉ ከምዝገበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እቲ ምድላዉ ክልተ መልክዕ ዝሓዘ እንትኾን፡ ክሳብ 25 ሽሕ ሰባት ክሳተፉሉ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበር ቀዳማይ ሚኒስትር ጥራሕ መደረ ዘስመዐሉ እቲ ሓደ'ዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ወከልቲ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ካልኦትን1500 ሰባት ዝሳተፍሉ መድረኽ ሕቶን መልስን ኣሎ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብዚ ዝሰርሖም እወንታዊ ስራሕቲ ዝሙጎስሉ እቲ ብዝሒ ዘለዎ ሰብ ዝሳተፈሉ መድረኽ ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣቶ ኣሉላ፡ ኣብታ ሃገር ኣለዉ ዝበሃሉ ሕጽረታት ተላዒሎም ዝዘተየሉ መድረኽ ድማ ቐጺሉ ክካየድ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

"ኩነታት እታ ሃገር ዘተሓሳስቦ፣ መስተኻኸሊ ስጉምታት ክዉሰዱ ኣለዎም፣ ትኹረት ዘይተገረበሮም ዉሽጣዊ ጉዳያት ኣለዉ፡ ኣብ ዝብል እቲ ተሳታፊ ከከም ኣመጻጽእኡን ዉክልንኡን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከንጸባርቕ'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ" ክብል ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ እዘን ከተማታት ኣብ ዘካይዶ ዘተ ካብ ዝለዓሉ ሃገራዊ ጉዳያት ብዝሰገረ ከም ማሕበር ተጋሩ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዘንጸላለዉ ስግኣታት ብዝግባእ ንምቕራብ ምድላዉ ጌርና ኣለና ክብል'ዩ ዝገልጽ።

"ንሕና ብሃገር ደረጃ እንሪኦም ዘለዉ ዘተሓሳስቡና ጉዳያት ንምቕራብ፡ ብብርኪ ክልል ዘለዉ ከም ኣካል ኢትዮጵያ እነልዕሎም ሕቶታት ክህልዉ'ዮም። ነዚ እኹል ምድላዉ ንገብር ኣለና። እዚ መድረኽ ብኣግባቡ ክንጥቀመሉ ድማ ኢሂን ምሂን ንብል ኣለና" ኢሉ ኣቶ ኣሉላ ሰለሞን።

ካብዚ ሓሊፉ ይብል እቲ መንእሰይ፡ "ኣብቲ መድረኽ ናይ ሕብረተተሰብና ኣገደስቲ ዝኾኑ ክምለሱ ኣለዎም ዝበልናዮም ኩለ መዳያዊ ጉዳያት ብዘንጸባርቕ መለኽዑ፡ ነቲ ሕብረተሰብና ድምጺ ምዃንና ክገልጽ ዘኽእል ኣቀራርባን ኣካይዳን እዩ ክህለወና"