ኣብ ቤት ህንፀት መቐለ ክልተ ሰባት ብባርዕ ሓዊ ሞይቶም ልዕሊ 13 ድማ ቆሲሎም

ኣካያዲ ስራሕ ቤት ህንፀት መቐለ ኮማንደር ይትባረክ ኣለነ ንቢቢሲ እንትዛረቡ እቲ ባርዕ ብሰንኪ ብኣዋጅ ምሕረት ክንወፅእ ኢና ኢሎም ኣተስፍዮም ዝፀንሑን ደሓር እቲ ኣዋጅ ንዓና ኣየካትትን ኢሎም ዝተቖጥዑን ተሃነፅቲ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ብሰንኪ እዚ ኣብ ሓደ መንበሪ ተሃነፅቲ ፍርናሽ ብምንዳድ ዝተጀመረ ባርዕ ቀፂሉ ድማ ኣብ ክፍሊ ስልጠና ማእለማ ተሃነፅቲ ብዝተረኮዐ ሓዊ እቲ ባርዕ ከምዝተወለዐ ተገሊፁ'ሎ።

ኣብቲ እዋን ሓደጋ ነቲ ዝተፈጠረ ኩነት ከውሊ ብምግባር ክሃድሙ ንዝፈተኑ ተሃነፅቲ ንምቁፅፃር ሓይልታት ፀጥታ ጠያይቲ ከምዝተኮሱን ሻቡ ሰባት ከምዝተወቕዑን ኮማንደር ይትባረክ ይዛረቡ።

ዛጊድ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለፁ እቶም ኮማንደር እቶም ሰባት በቲ ዝተተኮሰ ጠያይቲ ድዩስ ዋላ ብሰንኪ እቲ ሓዊ ሞይቶም ነጥልል ኣለና ኢሎም።

ነቲ ባርዕ ዘንቀሉ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 6 ተሃነፅቲ ከምዝተነፀሩ ድማ ኮማንደር ይትባረክ ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ ባርዕ ካብ ሰዓት 8 ክሳብ ከባቢ ሰዓት 11 ከምዝፀነሐን መከላኸሊ ባርዕ ሓዊ ከተማ መቐለን ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ሓገዝ ኣብ ምሃብ ተፀሚዶም ምንባሮም ንምርኣይ ክኢልና ኢና።

ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ወልድያን ፍኖተ-ሰላምን ሓዊ ከምዝተባረዐ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት