ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ተጋሩ ንመዓልታት ንምንታይ ተኣኪቦም......?

ኣብ ከተማ መቐለ ክዝቲ ዝቐኔ መድረክ ሙሁራትን ፖለቲኸናታትን ብርክት ዝበሉ ዛእባታት ኣልዒሉ Image copyright DT

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተርእዮም ካብ ዘላ እወንታዊ ምዕባለታት ንላዕሊ እቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዉሽጣዊ ዘይ ምርግጋእ ይዛይድ።

ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ብሄር መልክዕ ብዘለዎም ግጭታት ተጠቒዐን መዓልታዊ ሞት፣ ምምዝባልን ዕንወት ንብረትን ይምዝገበን ኣሎ።

እዞም ዉሽጣታዊ ዘይምርግጋኣት ብዘስዕቡዎ ዘለዉ ጉድኣት ብዙሃት "እዛ ሃገር ግና ናበይ'ያ ተምርሕ ዘላ?" ኣብ ዝብል ስግኣት ዘጥሓለ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብግሁድ ግዳይ ብሄራዊ መጥቃዕቲ ንከዉን ኢና ዘለና ዝብሉ ተወለድቲ ትግራይ ግና በብዘለዉዎ "ንምዃኑ መጻኢና ዘዉሕሶ መገዲ እንታይ'ዩ?" ክብሉ ጸኒሖም።

ድሕሪ 27 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብ ታሪክ "ሓበራዊ መድረኽ ተጋሩ" ዝተሰነዳ ዝሓለፉ ሸዉዓተ መልዓታት ድማ ንትግራይን ተጋሩ ሙሁራትን፣ መናእሰይን ፖለቲከኛታትን ዓበይቲ መዓልታት ነይረን።

ቑጽሮም ዘይነዓቕ ብፖለቲካዊ ኣፈላለይ ጸግዖም ሒዞም ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፣ መናእሰይ ሙሁራት ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ነበር ኣመራርሓታትን ክኢላታትን ወተሃደራዊ ምምሕዳራትን ሓይሊ ኣየርን፣ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ትግራይ ዝለዓለ ብጽሒት ዘለዎም መራሕቲ፣ ኣማኸርቲ ጉዳያት ፖሊሲ መንግስቲ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፣ ሰብ ሃፍትን ጸሓፍቲ ታሪክን ካልኦትን ኣብ ሓደ መድረኽ ተኣካኺቦም።

ካብ ምንታይ ተበጊሶም? ንምንታይ ሕጂ? እንታይከ'ዮም ከብስሉ? ኣበይ ጸኒሖም? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶ ምልክት ዝተመልኦም ሕቶታትን ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ክለዓል ቐንዩ።

ንትግራይን ትግራዋይን ዘይትደሊ ኢትዮጵያ ግና ክሳብ መዓስ? ህዝቢ ትግራይ ን27 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ድኽነት ክነብር ዝገበሮ ምክንያት እንታይ'ዩ? ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ከመይ'ዩ ዝሕሎ?

ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክህልወና እንደልዮ ርክብ ብኸመይ ነዐዉቶ? እዛ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኢህወደግ ግና ኣሎ ድዩ? ዝብሉ ቀንዲ ዛዕባታት እቶም ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰዱ፣ ረዘንቲ ክትዓትን ሓሳባትን ዝተንጸባረቐሉ ዋዕላ ምሕደራ ትግራይ'ዮም።

ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ሑቐን ከብድን

ሕጂ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ደንገርገር ዝጸረየ ኣይኮነን ይብሉ ብዙሓት።

ብፍላይ እቲ ኣብታ ሃገር ንዝፍጠሩ ዘለዉ ጸገማት፡ መሪሕ ሰልፊ እቲ ክልል ዝኾነ ልፍንቲ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ኢህወደግ፡ ንህወሓት ተሓታቲ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ብዝበጽሕ ዘሎ ጥቕዓት "እዚ ኩነታት ክሳብ መዓዝ'ዩ?" ዝብል ሕቶ፡ ሕቶ ትግራዋይ ኮይኑ'ዩ።

ይኹን'ምበር ኢሉ ተሳታፊ እቲ መድረኽ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን "እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዋዒ ካብ ኩሉ ንላዕሊ መንእሰይ ትግራይ ተዓፊኑ ሓዱሽ ሓይሊ ክፍጠር ዝነበረሉ ዕድል ዓፅዩ ዝነበረ መንግስታዊ ምምሕዳር ክበራበር ገይሩ ኣሎ" ክብል እቲ ኩነታት እወንታዊ ዕድል ሒዙ ከምዝጽአ'የ ዝግንዘቦ ኢሉ።

ብኻልእ ገፅ ኢንጅነር ግደይ ዘርኣጽዮን ሎሚ ተጋሩ ብመንነቶም ዝሽቑረርሉን ዝፈርሕሉን ግዜ (ኣብ 1974ዓመተ ፈረንጂ) ኢና ዘለና ክብል ይገልጾ።

ካልኦት ኢትዮጵያን ንተጋሩ ዝፀልእሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ? እንትብሉ ብምሕታት ምላስ ዝሃበ ኢንጅነር ግደይ፡ ህወሓት/ኢህወዴግ ሰባት ኣብ ጋዜጣ ፅሒፍኩም ኢሉ ን20 ዓመት ዝኣሰረን ዝቐጥቀጠን ውድብ እዩ ኢሉ።

"ኢትዮጵያ ክሳብ መዓዝ ኢና ንሕን ክንደልያ? እታ እንደልያ ኢትዮጵያ እናደለናያ ዲና ክንነብር? ክትደልየና ድያ ወይስ ክንደላለ ኢና?" ዝብል ጉዳይ ኣብዝሓ እቲ መድረኽ ዘልዓሎ ዛዕባ እንትኾን፡ እዚ ጸገም ንክፍታሕ እቲ ናይ 70ታት ኣተሓሳስባ፡ ክተርፍን እቲ መንእሰይ ዕድል ተዋሂቡዎ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ከመይ ትኩን? ዝብል ጉዳይ ክርኢ ይገበር ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቑ'ዩ።

ተሳታፊ እቲ መድረኽ ዝነበረ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፡ "እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ መንነት ብሄር ብሄረሰባት ንፁር መብርሂ ዘይህብ ሕገ መንግስቲ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" እንትብል፡ ብቐጻልነት ዘተ ተገይርሉ ክፍታሕ ዝግብኦ ሃገራዊ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣቐሚጡ።

እቲ ዘተ ረብሓ ተጋሩ ኣብ ክሊ ኢትዮጵያውያን ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣይተ ጌታቸው ረዳ "ሓድነት ኢትዮጵያውያን ንተጋሩ ብዘይጎድእ መንገዲ ክረጋገፅ ኣለዎ" ዝብል ሓሳቦም ተቐባልነት ረኸበ።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ኣበበ ተኽለሃይማኖትን ንሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎምም ናእዳ ገሊፆም ኮይኑ ግና ኣብ ምትግባሩ ፀገማት ይረኣዩ ምህላዎም ገሊፆም።

"ኣብ መኽስብን ኪሳራን እቲ ቃልሲ ሒሳብ ክንገብር ኢና"

እዞም ጉዳያት ከልዕል ዝቐነየ ሓበራዊ መድረኽ "ትግራይ ዳግም ክተዕጽናዕ ምግባርን ረብሓ ትግራይ ኣብ ክሊ ኢትዮጵያዉነት ምርኣይ ከምዘድሊ ኣንጸባሪቑ'ዩ። ከመይ? ንምንታይ ሕጂ?

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ምንቅስቓስን እቲ ሕሉፍ ንረብሓ እቲ ህዝቢ ተባሂሉ ዝተኸፈለ መስዋእትን ቃልስን ኣብ ከይዲ ዝኾነ ስሕተት ኣለዎ ድዩ ኾይኑ ዘብል ኩነታት ስለዝተፈጠረ'ዩ ክብል ግዚያዊ ኣቦ

"ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ መስዋእትን፡ ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ ፈተናታትን መኽስብን ኪሳርኡን ሒሳብ ክንገብር ኢና። ብናትና በዝሒ ህዝቢ ዝርከብ ብሄር ዝኹላይ መስዋእቲ ኸፊሉ ዳግማይ ንብሄራዊ መጥቃዕቲ ግዳይ ክኹወን ከሎ ኣብ ከይዲ እቲ ቃልሲ ጸገም ኣሎ ማለት'ዩ" ኢሉ።

እዚ ክሳብ መዓዝ'ዩ ክቕጽል? ትግራይ እናተጠቕዐት ድያ ክትነብር? ንምንታይ ኣብ ትግራይ ድክነት ኣሎ? ንምንታይ እቲ ቑጠባ ለዉጢ ዘየምጸአ? ዝብሉ መሰረታዊ ጉዳያት ብምጽናዕ ኣብ ብሄራዊ ዕላማና ግልጽነት ክንፈጥር ኣለና ክብል'ዉን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ ትግራይ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብቲ ዘሎ ሕብረብሄራዊ ስርዓት ዘይሳኻዕ እንተኾይኑ ናበይ እያ ክትኸይድ? ድዩስ እናተጠቕዐት እያ ክትነብር ዝብሉ ጉዳያት ክንጽሩ ኣለዎም። ምእንተ ትግራይ እትህሉ ኢትዮጵያ ድያ ክትፍጠር ዘለዋስ፡ ትግራይ ምእንተ ኢትዮጵያ እያ ክትነብር? ኣብ ዝብል ግልጽነት ክህልወና ኣለዎ" ክብል ይዛረብ።

እዚ ድማ ብቅድሚ 43 ምእንተ ትግራይ ኢሉ ንሓርነት ዝወጽአ እሞ ድሓር ሃገራዊ ዝኾነ ሓይሊ ዘይኮነ፡ እቲ ግዳይ እናኾንና ክንቕፍል የብልናን ኢሉ ሓድሽ ምንቅሰዕቃስን ኣንፈትን ዝናዲ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ'ዩ ከጽናዕ።

"እቲ ሽዑ እዋን ዝወጽአ ኣተሓሳስባ ንትግራይ በታ ኣብ መግዛእቲ ዝነበረት ኣረጊት ኢትዮጵያ ትኽተሎ ብዝነበረት ሓቲት ሓሲቡ'ዩ ንትግራይ ፈጢሩዋ። እዚ ሕጂ ክቕየርን ክፍተሽን ኣለዎ" በሃሊ'ዩ መሓሪ።

ነዚ ዝገብር ኣካዳሚያዊ ዓቅምን ፖለቲካዊ ኣረዳድኣን ኣብቲ መንእሰይ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ብቲ ዘሎ ኩነታት ዝደንገጸ፣ ዘለዉ ህቦብላታት ዘይተረጋግአ ሓሳብን ግንዛበን ክትሕዝ ብዝጀመረ ዋዕን ስምዒትን ከይንሕለኽ ግና ጥንቃቐ ክንገብር ኣለና ዝብል መእሰሪ ሂቡ።

እሞኸ?

ንምዃኑ ኢህወደግ ዝበሃል ልፍንታዊ ሰልፊ ኣሎ ድኡ ዝብል ሕቶ እቲ መድረክ ኾይኑ እንትንጸባረቅ፡ ዘለዉ ጉዳያት ክሳብ ዝጸርዩ ትዕግስቲ ኣድላዪ'ዩ ዝብል ርእይቶ ተዋሂቡዎ'ዩ።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ጸገማት ህወሓት/ኢህወዴግ እዩ ፈጢርዎም ዝበሃል ዘረባ ተቐባልነት የብሉን ዝበለ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ደረጃ ፌደራልን ክልልን በብውልቁ ብዝፈጠሮ ፀገም ትግራዋይ ተፀላኢ ኮይኑ ዝብል ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘረባ ስለዝኾነ ክእረም ኣለዎ" ዝብል ርኢእቶ'ዩ ሂቡ።

መራሒ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ብግዲኡ "ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ህልውና ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ወሪድዎ'ሎ። ስለዚ ንድሕነትን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ተደጋጊፍና ክንቃለስ ይግባእ" ኢሉ።

ብሕጂ ናበይ ንኺድ? እቲ ዘሎ መገዲ ክሳዕ ክንደይ'ዩ ዝወድሰና? ዝብሉ ሓበርቲ ኣንፈት ሓሳባት ካብቲ ክካየድ ዝቐነየ መድረኽ ምዉሳድ ከምዘድሊ ብምግላጽ፡ ልዕሊ ዝኾነ እቲ ህዝቢ ዘለዉዎ ጸገማት ሰናይ ምምሕዳር፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ምፍታሕ ትኩረት ክዉሕድ ከምዘይብሉ ተሓቢሩ።

መእሰሪ ዘረባ ዘሕለፈ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ድማ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ዝደላለዩ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ቅዋሙ ኣንጸባሪቑ።

"ሕልፊ መስዋእቲ ስለዝከፈልና ሕጂ'ዉን ክንቕጽል ኣለና ኣይንብልን። ተሓለቕቲ ኢትዮጵያ ዘይኮንና ብልክዕና ኢና ንኢትዮጵያ ክነወፊ። ንደላለ ክንኸዉን ኣለና" ዝብል ርኢይቶ'ዩ ሂቡ።

ካልኦት ዛዕባታትከ?

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትኣን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ብዉሕሉል መገዲ ንምፍጻም ከም ህዝብን መንግስትን ተዓጢቕና እንዓየሉ'ዩ ዝበሉ ኣመራርሓ እቲ ክልል፡ ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ብዘቐድም ኣገባብ ከምዝጸዓረሉ ኣመልኪቶም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ክልል ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ክሳዕ ሕዚ ዘለዉ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምዕቃብን ናብ ወለዶ ምትሕልላፍን እጃመን ክጻወታ፣ ብፍልጠት፥ ክእለትን ኣረኣእያን ዝተሃነጸ ምኽንያታዊ ዝኾነ መንእሰይ ክፈጥራ ኣለወን ተባሂሉ።

ገንጻሊ ኣካይዳ'ዩ ዝኽተል ዝብል ተቃዉሞ ዝገጥሞ ምንቅስቓስ ኣግኣዛዉነት ኣብቲ መድረኽ ዝተዘተየሉ እንተኾን ፍጹም ሓድነት ወይ ቀጥታዊ ዝምድና ኣብ ሞንጎ ተዛረብቲ ትግርኛ ምፍጣር ዝብሉ ክልተ ዕላማታት ዘለዉዎ'ዩ ክብሉ መራሕቲ እቲ ምንቅስቓስ ተዛሪቦም።

ኮይኑ ግና እቲ ታሪኽና ተሓዲግና ክልተ ህዝቢ ዝኾንና "ሃገረ ጽዮን" ተዛረብቲ ትግርኛ ዝብል ዘረባ ነቲ ማሕበረሰብ ሙስሊም ዘግለለ መገዲ ስለዝኾነ ብፍላይ እቲ ማሕበረሰብ ሙስሊም ዉክልንኡ ቅቡል ከምዘይገብሩዎን ከምዝቃለሱዎምን መናእሰይ ተዛሪቦም።

ሃገር ተባሂላ ኣፍልጦ ዝተዉሃባ ኤርትራ ብሽም ተዛረብቲ ትግርኛ ክትሓዉስ ዝግበር ምንቅስቓስ ንሓድነት ተጋሩ ዝበትዕ ዘይቅቡል ኣተሓሳስባ'ዩ ክብሉ'ዉን ኾኒኖሞ።

ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ፣ ዞባዉን ክልላዉን ጉዳያት ዘደየበን ዘዉረደን መድረኽ ሙሁራት፣ መናእሰይን ፖለቲከኛታትን ትግራይ ናይ ከብል ይኸዉን?