ኣብ ሶርያ ልዕሊ 200 ሰባት ብናይ ዳዒሽ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም

ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መኪና ዝበጽሐ መጥቃዕቲ እናተኸታተሉ ዘርኢ ምስሊ Image copyright AFP

እዚ ትማሊ ዝተኻየደ መጥቃኦቲ ካብቲ ኣብዚ ወርሒ ዝተኽእየደ መጥቃዕትታት ኣዝዩ ደማዊ ከምዝነበረ ጋዜጠኛታት ገሊጾም።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶርያ በቲ ተዋዲዱ ዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 215 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገለ ሰበስልጣናትን ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፍ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኸታተል ጉጅለን ገሊጾም።

ብሮቡዕ፡ ኣብታ መንግስቲ ዝቆጻጸራ ከተማ ሱዊዳ ብርክት ዝበለ ናይ ርእሰ ቕትለት ናይ ቦምባ መጥቃዕትታት ተኻይዱ።

ብእስላማዊ መንግስቲ [ኢስላሚክ ስቴት፡ ኣይኤስ] ዝፍለጥ ጉጅለ ነቲ መጥቃዕትታት ከምዘካየዶ ተኣሚኑ።

ድሕሪ`ቲ መጥቃዕትታት፡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይታ ከተማ ምስ ዕጡቓት ኣባላት ኣይኤስ ኲናት ከምዝገጠሙ ተገሊጹ።

እቲ ብሩስያ ዝድገፍ መንግስቲ ሶርያ ነተን ኣብ ደቡባዊ ክፋላ ናይቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ዘለዋ ከባቢታት ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ንምእታው ኣብዚ ቐረባ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘበገሰ ይፍለጥ።

እቲ ብሮቡዕ ኣብቲ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ቦታታት ዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ካብቲ ኣብዚ ወርሒ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣዝዩ ደማዊ ከምዝነበረ ጋዜጠኛታት ሓቢሮም።

ኣብታ ደቡብ ካብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ እትርከብ ከተማ ስዊዳ ብርክት ዘበለ ናይ ቦምባ ርእሰ-ቕትለት ከምዝተኻየደን፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ብምእታው ነቶም ሰብ-ቤት ከምዝቐትሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣብ ሶርያ ዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ጉጅለ ጸብጺቡ።

በቲ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ብውሕዱ 221 ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብኦም እቶም 127 ሰላማዊ ሰባት ከምዝነበሩ እቲ ጉጅለ ገሊጹ።

ሰራዊት እታ ሃገር ኣብቲ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዒሽ [ኣይኤስ] ዝዓረደሉ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ ሱዊዳ ዝርከብ ቦታታት ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት የካይድ ከምዘሎ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ጸብጺቡ።

እታ ከተማ ኣብዚ እዋን ``ውሕስትን ርግእትን`` ከምዘላ ኣማሓዳሪ`ታ ከተማ ኣምር ኣል-ኢሽ ንኣኽባሪያ ቲቪ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዳዒሽ ኣብ ሶርያን ዕራቕን ዝቆጻጸረን ዝነበረ ግዝኣታት ከምዝኸሰረን ይዝከር።

ዳዒሽ ኣብቲ ሓያል ዝነበረሉ እዋን ኣስታት 10 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣብቲ ንሱ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ቦታታት ይነብር ነይሩ። ኣብዚ ዓመት`ዚ ግና እቲ ጉጅለ 98 ሚኢታዊት ካብቲ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ቦታታት ክወጽእ ከምዝተገብረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ገለ ከባቢታት ኣውራጃ ስዊዳን ዴራን ከምኡ`ውን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሶርያን ተሓጺሩ ይርከብ።

ኣብቲ ካልእ ክፋል ናይቲ ሃገር`ከ እንታይ ይግበር ኣሎ?

እብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት ሶርያ ብሓይልታት ሩስያ እናተሓገዘ ነቶም ዕጡቓት ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዝርከብ ደጀኖም ጓሕጒሑ ንምውጻእ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘበገሰ ይፍለጥ።

ብሮቡዕ፡ ኣቲ ብሩስያ ዝድገፍ ሰራዊት ሶርያ ኣብቲ ኣይኤስ ዝቆጻጸሮ ምብራቓዊ ክፋል ስዊዳ ደብዳብ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ`ቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣስታት 270,000 ዝኾኑ ሰባት መረቤቶም ገዲፎም ከምዝሃደሙ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ብሰንበት፡ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣማኢት ዝኾኑ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታታት፡ ደቡባዊ ክፋል ሶርያ ተዓጊቶም ዝነበሩ ጻዕዳ ወተሃደራዊ ቆቢዕ ዝወድዩ ኣባላት ሲቭል ሰራዊት ሶርያ ካብቲ ተዓጊቶምሉ ዝነበሩ ቦታታት ኣውጺኣቶም።

እንተኾነ መንግስቲ ሶርያ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ሰብ ጻዕዳ ወተሃደራዊ ቆቢዕ ካብቲ ተዓጊቶምሉ ዝነበሩ ቦታታት ብምውጽኣ ፡ነቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ድሕሪ ምኹናን ነቲ ስጉምቲ ``ገበነኛ ስርሒት`` ሰምያቶ።

ኣብ ሶርያ ልዕሊ 200 ሰባት ብናይ ዳዒሽ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት