ትራምፕ ምስ ሓንቲ ሞዴል ዝነበሮ ርክብ ንምሕባእ እንትዘራረብ ዝተቐድሐ ድምፂ ተፈኒዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ፀጋም፡ ማይክል ኮሀን፣ ካረን ማክዱገል፣ ዶናልድ ትራምፕ
ዶናልድ ትራምፕ፡ ካረን ማክዱገል ምስ እትበሃል ሞዴል ዝነበሮ ርክብ ንምሕባእ ምስ ናይ ቀደም ጠበቕኡ ማይክል ኮሀን እንትዘራረብ ዝተቐድሐ ድምፂ ብ ሲኤንኤን ተፈኒዉ።
እታ ሞዴል፡ ዛንታ ምስ ትራምፕ ዝነበራ ርክብ ናሽናል ኢንኳይሪ ንዝበሃል ሚድያ ሸይጣትሉ ነይራ።
ዶናልድ ትራምፕን ማይክል ኮሀንን ዋንነት ናይዚ ዛንታ ካብቲ ትካል ንምዕዳግ እንትዘራረቡ ዝተቐድሐ ድምፂ እዩ ሕዚ ተፈኒዉ ዘሎ።
እቲ ድምፂ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2016፡ ካብ መረፃ ክልተ ወርሒ ቀዲሙ ዝተቐድሐ እንትኾን፡ ርክብ ትራምፕን ካረንን ድማ ኣብ 2006 ዝነበረ እዩ።
እታ ሞዴል ንዛንታኣ ብ 150,000 ዶላር ንናሽናል ኢንኳይሪ ከምዝሸጠቶ ይዝረብ።
ኣብቲ ብሲኤንኤን ዝተቓልሐ ድምፂ፡ ትራምፕ "ነዚ ክንደይ ክንከፍል ኣለና? ሚኢትን ሓምሳን?" ክብል ይስማዕ።
ናይ ሕዚ ጠበቃ ዶናልድ ትራምፕ ሩዲ ጁልያኒ ግን ዝተኸፈለ ገንዘብ የለን፡ እቲ ድምፂ'ውን እንተኾነ ዋላ ሓደ ገበን ንምፍፃሙ መረዳእታ ኣይኮነን ይብል።
ጁልያኒ ከምዝብሎ፡ እቲ ድምፂ ናይ ቀደም ጠበቓ ፕረዚደንት ትራምፕ ብሕቡእ ዝቐድሖ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ትዊተሩ፡ ንተግባር ናይ ቀደም ጠበቕኡ ነቒፉ፤ "ንዓሚሉ ድምፂ ዝቐድሕ እንታይ ዓይነት ጠበቓ እዩ'ዚ?" ብምባል።
ዶናልድ ትራምፕ፡ 'ካብ ስልጣነይ እንተድኣ ወሪደ "ዕዳጋታት ዓለም ሮማዕ ክብሉ'ዮም"
ቀንዲ ጠበቓን ደጋፍን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ማይክል ኮሆንን ሓላፊ ፕረዚደንታዊ ጎስጓሱ ዝነበረ ፓል ማናፎርትን ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም። ብፍላይ ግን እቲ ብዝሰርሖ ገበን ዝተኣመነ ጠበቓ እቲ ዝሰርሖ ገበን ብዶናልድ ትራምፕ ተኣዚዙ ዝገበሮ ምዃኑን፡ ካልእ ምስጢራት ከውጽእ ፍቓደኛ ምዃኑ ምግላጹ ነቲ ፕረዚደንት ዘየቕስን ኩነታት ፈጢርሉ ኣሎ።