ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ

መስቀል ኣደባባይ

ጀነራል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ዘይኑ ጀማል፡ ኣብ ዉሽጢ መኪና ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስመኘው ሽጉጥ ከምዝተረኸበን ብጥይት ከምዝሞተን ፓሊስ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሞት ኢንጂኒር ስመኘው በቀለ ብምስምዑ ከም ዝሓዘነን ከም ዝሰንበደን ሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚስተር ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሞት ናይቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዓቢ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵኣያ (ግሬት ኢትዮፒያን ረይነሳንስ ዳም) ዝነበረ ስመኘው በቀለ ከም ዝሰምዐን፡ ንቤተሰቡን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ከም ዝተመነየን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ጥቓ የማናይ ኢዱ ሽጉጥ ምርካቡ ዝገለጸ ፖሊስ ፌደራል፤ ዝርዝር ኣማዉትኡ ንምጽራይ ሰብ ሞያ ምርመራ በምዉፋር መረዳእታ ኣኪቡ ይምርምር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሬስኡ ትማሊ ንጉሆ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ኣብ መኪንኡ ዝተረኸበ እንትኾን፡ ፖሊስ ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ወሲድዎ ኣሎ።

ንሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ብምቅዋም ኣብ ትውልዲ ዓዱ ዝኾነት ከተማ ጎንደር ኣማኢት ሰባት ተቓውምኦም ከም ዝገለጹ ወኪልና ኣብ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጹ። ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብሞት ናይዚ ፍሉጥ ኢንጂነር ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።

ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ቴሌቪዝን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ሰልፊ ምኽንያት ሞት ኢንጅነር ስመኘዉ ተጻርዩ ንህዝቢ ዕላዊ ክኸዉን ሓቲቶም።

ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ሞይቶም ዝተረኸቡላ ላንድ ክሩዘር ኢት፡ A29722 ቁፅሪ ታርጋ ዘለዋ መኪና ንውሕ ንዝበለ ሰዓታት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ደው ኢላ ዝነበረት እንትትኮን፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዝሕ ዝበሉ ኣባላት ፀጥታ ይረኣዩ ነይሮም።

ፖሊስ ምርመራ ፎረንሲክ ድሕሪ ምግባር ነታ መኪና ካብ መስቀል ኣደባባይ ክትለዓል ገይሩ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ፡ ኣብ ጥቓ እታ መኪና ዝነበረትሉ ቦታ ነጠብጣብ ደምን ጓንትን ከምዝረኣየ ይገልፅ።

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብርክት ዝበለ ሰብ ተኣኪቡ ነቲ ኹነታት ይዕዘብ ኣሎ

ቢቢሲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መምህራን ዩንቨርሲቲ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሂብዎ ዝተብሃለ ርእይቶ ብዝምልከት መብርሂ ክህብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ናብ ኢንጅነር ስመኘው ደዊሉ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን "ብዝተወደበ መልክዑ ብቤት ፅሕፈት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኣቢልኩም ናባይ እንተመፂእኹም ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ምሃብኩኹም" እኳ እንተበለ፡ እቲ ፕሮጀክት ይስራሕ ከምዘሎ ግን ገሊፁ።

መግለጺ ቪድዮ,

ናይ መወዳእታ ቃላት ስመኘው በቀለ

"ኣነ ኣካያዲ ስራሕ እየ። ካልእ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ እንታይ ከምዝተብሃለ ኣይፈልጥን። እዚ ፕሮጀክት ናይ ኩልና ስለዝኾነ ዝሕባእ ነገር እኳ እንተዘይብሉ፡ እቲ ቢሮ ግና ብዛዕባ ዝህቦ መብርሂ ኣፍልጦ ክህልዎ ስለዝግባእ፡ መብርሂ ስለዝደለና ክንድውለሉ በልዎም። ኣካይዳ ሓልየ ክኸይድ ስለዘለኒ እዩ 'ምበር እቲ ፕሮጀክት ይስራሕ እዩ ዘሎ" ኢሉ ነይሩ።

ብዛዕባ ሞቱ ዝተውሃበ መግለፂ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ብሞት እቲ ኢንጅነር ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ድማ፡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ንግዚኡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ኹነታት" ካብዛ ዓለም ዝተፈለየ ኢንጅነር ስመኘው "ተምሳሌት ፃዕሪ፣ ፅንዓትን ተወፋይነትን" ነይሩ ኢሉ።

"ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክኸውን፡ ካብ ህዝብን መንግስትን ዝተውሃቦ ሓላፍነት ክዋፃእ ብልዑል ተወፋይነት ኣገልጊሉ። ደኺሙኒ ከይበለ ብዝገበሮ ምርብራብ ድማ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ናብቲ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ክበፅሕ ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ" ኢሉ።

ኢንጅነር ስመኘው መን እዩ?

ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ 1957 ዓ.ም ኣብ ጎንደር ማክሰኚት ተወሊዱ።

ቅድሚ ሸዉዓተ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ሩባ ኣባይ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዝሳተፈሉ ገዚፍ ፕሮጀክት ጸዓት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ጉባ ክሃንጽ ወግዓዊ እንትገብር፡ ነቲ ፕሮጀክት ከፈጽም ብሓላፍነት ዝሃቦ ንኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክሳብ ሕጂ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኾይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ፡ ኣካል ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ሩባ ኣባይ'ዉን እዩ ነይሩ።

ኢንጅነር ስመኘው ኣካያዲ ስራሕ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግልገል ግቤ 3 ኾይኑ'ውን ኣገልጊሉ እዩ።

እቲ ኢንጅነር ብዘለዎ ድሕረ ባይታ ትምህርቲ፣ ተሞኩሮን ክእለትን ብብዙሓት ዝንኣድ እንትኾን፡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራት እንተዝሰርሕ ዚያዳ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኑ ካብ ዝረኽቦ ኣታዊ ክረክብ ይኽእል ከምዝነበረ ይንገረሉ።

ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ

  • ካብ 1978-1992 (ዓ.ም) ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮተቤ መምህር ነይሩ
  • ካብ 1991-1992 (ዓ.ም) ድማ መሃንዲስ ክፍሊ ኢንጅነሪንግ
  • 1992-1993 (ዓ.ም) ካዉንተር ፓርት ኢንጅነር መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊቤ
  • ካብ 1997-2002 (ዓ.ም) ኣካያዲ ስራሕን ኣተሓባባርን መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊቤ ክልተ
  • ካብ 2003 ክሳብ 19 ሓምለ 2010 (ዓ.ም) ኣካያዲ ስራሕ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ

ልዑል መጠን ዋዒን ሓያል ዝርግሐ ጣንጡን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝህነጽ ዘሎ ንኢትዮጵያዉያን "ታሪኻዊ" ዝበሃል ግድብ ንምህናጽ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራሕተኛታትን ከበድቲ ናውቲ ህንጸትን ዝሓትት ፕሮጀክት ምምራሕ ቀሊል ዕዮ ኣይነበረን።

ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብቶም ዝሓለፉ ሸዉዓተ ዓመታት ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ ዑደት ገይሮም'ዮም።

ልዕሊ 200 ትካላት ሚዲያ፣ ዲፕሎማትን ልኡኻትን'ዉን ዑደት ገይሮም'ዮም።

ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ 6540 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፍሪ ብዘኽእል ዓቕሚ ክህነጽ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።