ቤተ ሰብ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ብዛዕባ ሞቱ እንታይ ይብሉ?

ኢንጂነር ስመኘው በቀለው

ስድራ ትማሊ ረፋድ ኣብ መኪንኡ ሞይቱ ዝተረኸበ ዋና ኣካኣዲ ስራሕ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ፡ ኣብ ከቢድን መሪርን ሓዘን'ዮም ዘለዉ።

ኣብ እዋን መርመራ ኣስክሬን፡ ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳዉሎስ፡ ሪፖርተር ቢቢሲ ዘዘራረበቶም ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ ኣብ ዓᎁቕ ሓዘን ከምዝርከቡ ኣካፊሎምዋ።

ናይ ቀረባ ዘመድ ዋላ'ኳ እንተኾኑ ሞት እቲ ኢንጅነር ብማዕኸናት ዜና ከምዝሰምዑ ዝገለጹ እዞም ቤተ ሰብ፡ እቲ ኣስክሬን ምንግልትዑን ዝግብኦ ክብሪ ዘይምርካቡን ቅርታ ክመዝፈጠረሎም ተዛሪቦም።

ካልኦት ኣባላት እቲ ቤተ ሰብ'ዉን ሓደ መንግስታዊ ኣካል ኣብቲ ከባቢ ዘይምንባሩ ዝፈጠረሎም ስምዒትን ቅርታን'ዉን ኣይሓብኡን።

"ኣብ ቢሮ ኾፍ ኢልካ መግለጺ ምሃብ ኣይኮነን" ክብሉ ኣብ ልዕሊ ኣካላት መንግስቲ ዘተኮረ ዝመስል ቅርታ ኣስሚዖም።

"ንሱ ገዝኡ ገዲፉ ኣብ በረኻ'ዩ ዝነብር። ንስመኝ እዚ ኣይግብኦን። እንታይ ኣቢሱ? ዝበደሎ እንተሃልዩ ዘይነግሩና? እዚ ንዕኡ ኣይግብኦን" ክትብል ኣብ መሪር ሓዘን ኮይና ሽማ ዘይገለጸት ሓንቲ ኣባል እቲ ቤተ ሰብ ተዛሪባ።

"መን"ዩ እቲ ጅግና' መን"ዩ እቲ ጎበዝ? መን'ዩ ንሃገር ዝሓስብ? ዘምስል ወይስ ኾይኑ ዝተረኸበ?" ክብል ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ዝገለጸ ካልእ መንእሰይ፡ "ወላዲኡ ኩራዝ'ዉን የብሉን፤ ንሱ ግና ንኢትዮጵያ ብርሃን ክህብ ሞይቱ" ክብል ገሊጹ።

ካብቶም ሓዘንተኛታት ኣብ ቀረባ መዓልቲ ብስልኪ ይኹን ብኣካል ረኺበሞ እንተኾይኖም ሓቲትና፡ ኢንጅነር ስመኘዉ ኣብ ስራሕ ስለዘተኩር ብዙሕ ግዘ ምስ ቤተ ሰብ ከምዘይራኸብ ዘመላኽት ርኢይቶ'ዮም ሂቦምና።

"ንሱ ሃገረይን ስርሐይን ክብል ኩሉ ሰብ ረሲዑዎ'ዩ። ኹሉንተንኡ ኣብ ስራሕ"ዩ። ዘመድ ኣይብልን......." ክትብል ሽማ ክግለጽ ዘይደለት ቀረባ ቤተ ሰቡ ገሊጻ።

"ምስ ሰብ ኣይነበረን፤ በረኻ'ዩ ነይሩ" ብምባል እዚ'ዩ ዝበሃል ማሕበራዊ ናብራ ከምዘይነበሮ ትዛረብ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ