ሰሜን ኮርያ ሬሳታት ናይቶም ኣብ ኲናት ኮርያ ዝሞቱ ወተሃደራት ኣሜሪካ መሊሳ

ኣብ ኣሜሪካ 3500 ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ይርከቡ'ዮም ይበሃል Image copyright Getty Images

ሰሜን ኮርያ ኣብ ኲናት ኮርያ ናይ ዝሞቱ ወተሃደራት ኣሜሪካ ሬሳታት ኣረኪባ።

እዚ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጥንቁቕ ዲፕሎማሲያዊ መስርሕ ዋሺንግቶንን ፕዮንግያንግን ሓድሽ ምዕባለ ኢዩ።

ወተሃደራት ኣሜሪካ ነታ ሬሳታት ሒዛ ዝመጸት ነፋሪት ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ናይ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝዓለበትሉ እዋን ብናይ ክብሪ ወተሃደራዊ ሰለፊ ተቐቢሎምዋ።

ስድራ ቤት ናይቶም ኣብ ናይ ኮርያ ኲናት ዝሞቱ ወተሃደራት ኣሜሪካ ንዓመታት ሬሳታት ናይቶም ዝፈትውዎም ክረኽቡ ተጸብዮም።

ፕሬዚደንት ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግን ኣብ ሲንጋፖር ብ12 ሰነ ዝገበርዎ ርክብ ኢዮም ምምላስ ናይቶም ሬስታት ዝተሰማምዑ።

ብዙሓት ነቲ ናይ ሲንጋፖር ርክብ ብዛዕባ እቲ ነቲ ከባቢ ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ነጻ ምግባር ምዓስ ከምዝጅመርን ፕዮንግያንግ ድማ መዓስ ብወግዒ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከምትኹንን ስለዘይገልጽ ክኹንንዎ ጸኒሖም።

እንተኾነ፡ ምምላስ ናይ ኣሜሪካውያን ሬሳታት ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ጉዳያት በቲ ናይ ሰነ ርክቦም ዝተሰማምዕሉ ነጥቢ ኢዩ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ ሰሜን ኮርያ 55 ሬሳታት ኣረኪባ ኣላ።

እንተኾነ ብርግጽ እቶም ዝተመልሱ ሬሳታት ናይ ኣሜሪካውያን ወተሃደራት ሬሳታት ምዃኖም ንምርግጋጽ ናይ ፎሬንሲክ መርመራ ክግበረሎም ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።

Image copyright Getty Images

ስለምንታይ ሬሳታት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኮርያ?

ኣሜሪካ ኣብቲ ቅድሚ 65 ዓመታት ኣብ ኮርያ ዝተኻየደ ኲናት ከም ኣካል ናይ ሕቡራት ሃገራት ጥሙር ሰራዊት ኣብ ጎኒ ደቡብ ኮርያ ደው ብምባል ልዕሊ 326,000 ወተሃደራት ኣሰሊፋ ነይራ።

እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ደቡብ ኮርያን ዴሳዊት ሃገር ሰሜን ኮርያን ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣስታት 5,300 ወተሃደራት ኣሜሪካ ስጋብ ሎሚ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን፡ ኣብቲ ኣብዚ እዋን ከም ግዝኣት ሰሜን ኮርያ ዝፍለጥ ቦታታት ኢዮም ጠፊኦም።

ድሕሪ`ዚ ፍጻመ እንታይ ክስዕብ ኢዩ?

እቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጸ ሬሳታት መርመራታት ድሕሪ ምክያድ ብ1 ነሓሰ ናብ ኣሜሪካ ክምለስ ኢዩ። ኣብ ኣሜቲካ ምስበጽሀ ድማ ፎሬንሲክ መርመራ ኪግበረሉ ኢዩ።

ናይ ኣሜሪካ መልሰ ተግባር`ከ ከመይ ነይሩ?

መንግስቲ ኣሜሪካ በቲ ``ናይ ሰሜን ኮርያ ኣውንታዊ ለውጥን ተበግሶን ከምዝተተባብዐ`` ገሊጹ።

ምምላስ ናይዞ ሬሳታት፡ ሓደ ርኡይ ስጉምቲ ንምጅማር ምምላስ ናይቶም ኣስታት 5,300 ዝኾኑ ኣብቲ ኲናት ኮርያ ዝሞቱ ወተሃደራት ኣሜሪካ ከምዝኾነን ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኮርያ ናይቶም ዝሞቱ ኣሜሪካውያን ሬስታት ናይ ምንዳይ ስርሒት ንምጅማር ዘኽእል ስጉምቲ ኢዩ ኢላ።