ሰላም ዝፈጥሮም ቁጠባዊ ዕድላት ኣብ ኤርትራ

ካቴድራል ኣስመራ

ሕጂ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁን ምብቃዕ ናይቲ ኩነተ-ኲናትን ንብዙሓት ሓድሽ ተስፋ ዝኸፈተ እንትኸውን፡ ቀጠባዊ ምብርባር ክዕምር ዘሎ ተኽእሎታት ሃንቀው ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ምድኻም ቁጠባ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ምስቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ዶባዊ ኲናትን ዝሰዓበ ምትፍናንን ክተኣሳሰር'ዩ ጸኒሑ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕበለን ዝረአ ዘሎ ዞባዊ ምርግጋእን ከም ሓደ ዕድል ተጠቂሙ ፓለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት እንተድኣ ክገብር ክኢሉ፡ ኤርትራ ብዙሕ ናይ ቁጠባ ኣፍደገታት ክኽፈተላ ይኽእል'ዩ።

"ሕጂ ኣድህቦና ብምሉኡ ናብ ልምዓት ዘብል'ዩ ዝመስለኒ። ኩሉ ጸዓትና፡ ጊዜናን ጸጋታትናን ናብ ልምዓት እንተ ኣውዒልናዮም ብሩህ መጻኢ ጥራሕ'ዩ ክኸውን ዝኽእል" ብምባል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ድሮ'ኳ እተን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ዝድግፋ ዝነበራ ጎረባብቲ ሃገራት እቲ እገዳ ክለዓል ክጽውዓ ጀሚረን ኣለዋ። ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዝምድናታት'ውን እናተመሓየሸ ይመጽእ ከምዘሎ ምልክታት ኣለው።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ኩነታት 'ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት' ብወግዒ ምብቅዑ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ንወፍሪ ዘገትእ ሓደጋ (ሪሲክ) ናይ ኲናት ተወጊዱ'ሎ ማለት'ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ 71 ኢትዮጵያውያን ኣውፈርቲ "ንዳህሳስ" ከም ዝኣተዉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተዛሪቡ ነይሩ።

ንምዃኑ ኣበየኖት ጽላታት'ዮም እቶም ቀንዲን (ናይ ሓጺር እዋን) ዕድላት ክፍጠሩ ዝኽእሉ?

ህን

እዚ ሰክተር'ዚ ብባህሪኡ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሓትት (ሌበር ኢንተንሲቭ) ኮይኑ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ዘለዎ ተራ ቀሊል ኣይኮነን።

ንብዙሓት ፍሉይ ክእለትን ሞያን ዘይብሎም ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ስለዝፈጥር'ውን ኣብ ምቅላል ሽቕለት-ኣልቦነት ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

መብዛሕትኡ ሰብ ቤት ክውንን ዘለዎ ባህጊ ልዑል'ዩ፡ እዚ ባህጊ'ዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ኤርትራው'ያን ዘሎ'ዩ። መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽ ማለት ድማ ሽግር መጽለሊ ምፍታሕ ማለት'ዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዋጋ ክራይን መስርሕን ገዛ ኣብ ኣስመራ እንዳነሃረ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ

ሎሚ ኣብ ኣስመራ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ዝኾነ ኩነታት ገዛ ክራይ እዩ ዘሎ። ዝካረ ገዛ ኣይርከብን ጥራይ ዘይኮነ ዋጋታት ምንሃሩ'ውን ተወሳኺ ጸቕጢ እንናፈጠረ ክኸይድ ጸኒሑ'ዩ።

ነዚ ንምቁጽጻር መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወሰዶ ስጉምቲታት ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ኣምጺኡ ብንጹር ዝተፈልጠ የለን።

"ናይ ክልተ ዓመት ክፈሉ እናበሉ'ዮም ዝምልሱልካ፡ ናይ ክልተ ዓመት ክንከፍል ከኣ ዓቕሚ የብልናን፡ ወርሓዊ ከማን ብኽንደይ ነይነይ ኢና እንኸፍላ" ክብል ሓደ ተቐማጣይ ኣስመራ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ስለዚ "ህንጻ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጽላት'ዩ። ኣብ ካልእ ከይከድና ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ገዛ ክሰርሕ እንተድኣ ተፈቒድሉ ንባዕሉ ዓቢ ወፍሪ'ዩ" ይብል ኣብ ሎንደን ዩኒቨርሲቲ ግሪንች መምህር ስነ ቑጠባ ዝኾነ ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ።

ቱሪዝም

ኤርትራ ብዙሕ ናይ ቱሪዝም መስሕብ ዘለዋ ሃገር'ያ። እቲ ዘይተበከለን ሃብታምን ማያት ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ንብዙሓት ክስሕብ ዝኽእል'ዩ።

እቲ ገና ዘይተመዝመዘ ገማግም ድማ ንብዙሓት ኣውፈርቲ ዕድላት ዝኸፈት'ዩ።

ባጽዕን ዓሰብን ንባዕለን ኲኖ'ቲ ዝህበኦ ናይ ወደብ ኣገልግሎት፡ ርእሰን ዝኸኣላ ናይ መርገጽ እግሪ በጻሕቲ'የን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጎደና ናቕፋ፡ ኣስመራ

ምስኡ'ውን ኤርትራ ከም በዓል ጥንታዊት ኣዱሊስን ቆሓይቶን ዝበሉ ታሪኻዊ ቦታታት ትውንን'ያ።

እታ ኣብ ናይ ዩኔስኮ መዝገብ ቅርሲ ዓለም ክትምዝገብ በቒዓ ዘላ "ንእሽቶይ ሮማ" ኣስመራ ንባዕላ'ውን መስሕብ'ያ።

ድሮ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንባጽዕ በረራታት ክትጅምር ምዃናን ናይ በጻሕቲ ፓኬጅ ክዳሎ ምዃኑ ምግላጻ ነቲ ጸጋ ዘርእይ'ዩ።

ስለዚ ውሽጣውን ካብ ደገ ዝምንጩ ቁጽሪ በጻሕቲ እንተወሲኹ ድማ፡ ንሱ ዝፈጥሮ ናይ ኣገልግሎት ቁጠባ ክዕምብብ ግድን'ዩ።

ኣብ ኩሉ ከባቢታት "ከም መጓዓዝያ፡ ሆቴላትን ቤት ብልዕን መስተን ዝኣማሰሉ ኣገልግሎታት ክበዝሑን፡ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥሩን ስለዝኽእሉ እንተድኣ ብጉቡእ ተሰሪሕሉ ነታ ሃገር ዓቢ መኽሰብ'ዩ" ይብል ዶ/ር ተስፋማርያም።

ኣቬየሽን

ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣስመራ ብ9 ሰነ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ክልቲአን ሃገራት ቁጠባዊ ርክብ ፈሊመን'የን።

ድሕሪ 20 ዓመታት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ኣስመራ እትገብሮ በረራታት ንምፍላም ብ18 ሓምለ ፈላሚ በረራኣ ብምጅማር ክልተ ነፈርቲ ኣብ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣዕሊባ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ እቲ መንገዲ ኣየር 20% ብርኪ ናይቲ ውሱን ዓቕሚ ጥራይ ሒዙ ዝንቀሳቐስን ኣብ 2003 በረራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብምእታው ንቑጠባዊ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ዘበስር ተበግሶ ወሲዶ'ሎ።

ረብሓ ናይዚ ስምምዕ'ዚ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ በረራ መሰላት ብምጥቃም መስመራቱን ዕዳጋታቱን ከስፍሕን ክድልብን ዕድል ክህቦ'ዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ናይ ኣስመራ በረራኣ ኣውፈርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ባዕላ ወፍርን'ውን ኣሳፊራ'ያ መጺኣ

በዘይክኡ፡ ክሊ ኣየር ኤርትራ ክጥቀም ምኽኣሉ ጥራይ ነቲ ተዃሊሉ ክኸዶ ዝጸንሐ መንገዲ ብምሕጻር፡ ንተጓዓዝቱ ስሉጥን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘኽእልን፡ ናይ ነዳዲ ሃልኪ ክቑጥብ ክሕግዞን'ዩ።

ነቲ ብኻልኦት መንገዲ ኣየራት ተባሒቱ ዝጸንሐ ከብን ናብን ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ዘይስሉጥ ዕዳጋ'ውን ናይ ምምንዛዕ ተኽእሎ ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ምስዚ ኣብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ምዕባለ እናምጸአ ዝኸይድ ዘሎ ዓቢ መንገዲ ኣየር ምጽግዑ፡ ነቲ እቲ መንገዲ ኣየር ዝቆጻጸሮ 115 መስመራት ክጥቀም ዕድል ይህቦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ኣኽሳቢ እቶቱ ክቋደስ ይኽእል'ዩ።

ዕደና

ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፈ 10 ዓመት ነቲ ናይ ማዕድን ጸጋታታ ከተለልዮ ኪኢላ ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣብ ምምዝማዙ'ውን በቒዓ'ያ።

ብፍላይ ናይ ወርቂ ዕደና ሓደ ካብቲ ነታ ሃገር እቶት ክህባ ዝጀመረ'ዩ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ፓታሽ መጠን'ውን ተስፋ ዝህብ ስለዝኾነ፡ ንዓበይቲ ኣውፈርቲ ዝሰሓበ ፕሮጀክት እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።

Image copyright NEVSUN RESOURCES WEBSITE
ናይ ምስሊ መግለጺ ዕደና ሓደ ካብ ስትራተጂካውያን ጽላታት ኤርትራ'ዩ

እቲ ተስፋ ድማ፡ ዜጋታት ኣብተን ነቲ ጸጋታት ኣብ ምውጻእ ዝተዋፈራ ኩባንያታት ከውፍሩ ዕድል ክዋሃቦም እንተኺኢሉ፡ ብወጻእተኛታትን መንግስትን ጥራይ ዘይበሓተሉ ኩነታት ክፈጥር ይኽእል'ዩ።

እዚ ጽላት'ዚ እውን ልክዕ ከምቲ ናይ ህንጻ፡ ብዙሕ ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ስለዘለዎ ንኣሽሓት ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥረሎም ይኽእል'ዩ።

ስለዚ ሰላም ምፍጣሩ ነዚ ጽላት እዚ ኣብ ምስፋሕን ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ክህልዎ ይገብር።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ምምሕዳርን ተጠቃምነት ኣታዊታት ዕደና ዘይዕግበትን ነቐፌታን ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ድማ ግሉጽነትን ዝጎደሎን ባጀታዊ ስርዓት ዘይክተል ኣካይዳን ስለዘሎ ምዃኑ ይዝረብ።

ብዘይካኡ፡ ገለ ናይ ዕደና ኩባንያታት፡ ብምግሃስ መሰላትን ተበላጸነትን ክኽሰሳ ጸኒሐን'የን። ንኣብነት እቲ ኣብ ቢሻ ዕደና ከካይድ ዝጸንሐ ኩባንያ ነቭሱን ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይክፍሊት (ብግዱድ ስራሕ) የስርሐ ነይሩ ዝብል ክሲ ከም ዝቐርበሉ ይፍለጥ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓደ ዓቢ ኩባንያ ብብዝሒ ሰራሕተኛታት ዘስራሓሉ ኩነታት፡ ብዛዕባ መሰላት ሰራሕተኛታትን ውክልናታቶምን ዝብሉ ሕቶታት ምልዓሎም ዘይተርፍ'ዩ። ከም ኣብ ካልእ ሃገራት ዝግበር፡ ነዚ ንምግባር ድማ ናጻ ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ዕዮ ማሕበራት ክምስረታ ግድን ክኸውን'ዩ።

ኣገልግሎት ወደብ

ብዓቢኡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምትዕራቐን እቲ ክልቲአን ሃገራት ዝኸሰርኦ ኣብ ዙርያ ኣገልግሎት ወደብ ዘሎ ዕድል ከምብሓድሽ ክምዝምዞኦ ከም ዝኽእላ ጌርወን ኣሎ።

እታ ቁጠባኣን ቁጽሪ ህዝባን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ምርካባ ተወሳኺ ድርኺት ክፈጥረላ'ዩ።

ብዓቢኡ ድማ ንኤርትራ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ኣብ ዓመት ክትረብሓሉ እትኽእል ኣገልግሎት ክትህብ ዕድል ኣለዋ።

እዚ ድማ ነቲ ናይ ልምዓት ባጀታ ውሕነት ከረክብ የኽእሎ። ምስ'ዚ ታኣሳሲሩ ዝኸይድ ዓቢ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት'ውን ንባዕሉ ኣገዳሲ ቁጠባዊ ንጥፈት ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ መስመራት ዘሎ ቦታታት ቁጠባ ከበራብር ከም ዝኽእል ኪኢላታት ቁጠባ ይዛረቡ።

ኣብ ርእሲኡ'ውን እቲ ናይ ወደብ ንጥፈታት ንባዕሉ ንብዙሓት ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቁጠባ እተን ከተማታት'ውን የዕብዮ ስለዝኾነ ድርብ ረብሓ ኣለዎ።

ንወፍሪ ዘተባብዕ ሃዋህው ምፍጣር

ነዞም ኤርትራ ክትረኽቦም እትኽእል ዕድላት ኣብ ረብሓኣ ከተውዕሎም እንተድኣኾይና ግን፡ ንወፍርን ንግድን ዝኸውን "ፓለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት ከተታኣታቱ ኣለዋ" ይብል ዶ/ር ተስፋማርያም መሓሪ።

ቅዋማውን ሕጋውን ዝኾነ ኣከያይዳ ምኽታል'ዩ "ንኣውፈርቲ ምትእምማን ዝህቦም" ድሕሪ ምባል፡ ዶ/ር ተስፋማርያም እቲ መንግስቲ ንጹር ማክሮፓሊሲ ሓንጺጹ፡ ነቲ ናይ ሸርፊ ዕዳጋ ክኸፍቶን፡ ናይ ባንክ ኣገልግሎታት ዘመናዊ ኣብ ምግባር ክሰርሕን ኣለዎ ይብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ንወፍርን ንግድን ከተባብዕ ዝኽእል ሃዋሁ ክፍጠር ጽገናታት ክግበር ኣለዎ

ዓቐሚ ሰባ ካብ ሰራዊት ተጣይሱ፡ ኣፍራዪ ዝኾነሉ ኩነታት እንተድኣ ተፈጢሩ፡ ኣፍራይነት ናይታ ሃገር ክዓቢ'ዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ንኣውፈርቲ እኹል ዓቕሚ ሰብ ክረኽቡ ዘኽእሎም ናይ ዕዮ ዕዳጋ ክፈጥረሎም ይኽእል፡ እዚ ብፍላይ ንዓበይቲ ኣውፈርቲ ኣገዳሲ ረቛሒ'ዩ ይብሉ ኪኢላታት።

ብዓቢኡ'ውን እቶም ዝጣያሱ መንእሰያት ከም ዜጋታት ሰሪሖም ርእሶም ክኽእሉ ዕድል ዝፈጥረሎም ስለዝኾነ።

"ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ከይኖም ናጻ ኮይኖም ከም ዜጋታት ክሰርሑ ግን ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ኣይተወስደን፡ ናብኡ ዝእንፍት ነገር'ውን የለን" ይብል ኣብ ሓደ እዋን ሓላፊ ትረጀሪ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ።

ካልእ፡ እቲ ቑጠባ ብናይ ህገደፍ እናተዓብለለ ከም ዝጸንሐን፡ እዚ ሓድሽ ናይ ሰላም ምዕራፍ ናብ ወፍርን ቁጠባዊ ዕብየትን ከምጽእ እንተድኣኮይኑ፡ እዚ ዕብለላ'ዚ ክጎድልን እቲ ባይታ ንኻልኦት ኣወፈርቲ ማዕረ ዕድል ዝኸፍት ክግበር ከምዘለዎ እቶም ተንተንቲ ይዛረቡ።