ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንብልሽውና ይቐልዖ'ዶ ይኸውን?

ፕረዚደንት ካፍ ኣሕማድ ኣሕማድ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ካፍ ኣሕማድ ኣሕማድ

ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ኣብቲ ስፓርት ዝረአ ብልሽውና ምቅላስ ጀሚሩ ከም ዘሎ ፕረዚደንት ናይቲ ኮንፈደረሽን ዝኾነ ኣሕማድ ኣሕማድ ተዛሪቡ።

ንሱ እቲ ጉዳይ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነስንሙሉእ ዓለም ዝተንከፈ ምዃኑ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ማውሪሽየስ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ንብልሽውና ንምቅላስ ዝተፈላለዩ ሕግታት ቀይርና ኣለና" ብምባል ነቲ ዝግበር ዘሎ ለውጥታት ዘርዚሩ።

"ምናልባት ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝያዳ ርኡይ ክኸውን ይኽእል'ዩ እምበር እመኑኒ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታትን ኩለን ሃገራትን ብልሽውና ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝነበረ ክወሲ ኒያንታኪ 65, 000 ዶላር ብላዕ ክቕበል ብሓደ መርማሪ ጋዜጠኛ ብምስጢር ብቪድዮ ድሕሪ ምስኣሉ፡ ካብቲ ዝነበሮ ናይ ካፍን ፊፋን መዝነታት ክወርድ ተገዲዱ'ዩ። ንሱ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ዩ።

ሚስተር ኣሕማድ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ከም ፕረዚደንት ካፍ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዒሳ ሓያቱ ብምስዓር'ዩ ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ስልጣን ተረኪቡ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ናይጀርያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰልጣኒ ሳሊሱ ዩሱፍ ዝተሰንዘረ ናይ ጉቦ ክስታት የጻርዮ ከም ዘሎ ተኣሚኑ ኣሎ።

እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ኣሕማድ ብዛዕባ ዝርዝራት ናይቶም ክስታት ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ጋና ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ከተአንግድ ምዃናን ካፍ ነቲ ምድላዋት ብዕቱብ ይከታተሎ ምህላውን ገሊጹ።

ብዛዕባ ምድላዋት ናይቲ ኣብ 2019 ኣብ ካሜሩን ዝግበር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ደቂ-ተባዕትዯ ግን፡ ኣብቲ ኣብ ሻርም ኣልሼክ ግብጺ ኣብ መስከረም ዝገበር ህጹጽ ኣኼባ ካፍ ከም ዝዝረበሉ ሓሊፉ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ብዛዕባ ናይ ካሜሩን ናይ ምንጋድ ብቕዓትን ምድላዋትን ስክፍታት ክስማዕ ጸኒሑ'ሎ።