ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ምስ መሪሕነት ግንቦት 7 ዘትዮም

ዶክተር ብርሃኑ ነጋ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ብግብረ ራዕዲ ሞት ተፈሪድዎም ነይሩ

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሒ ግምባር ግንቦት 7 ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ተራኺቦም ዘትዯም።

እቲ ዘተ ንምልልላይን ኣብ መሰረታዊ ዛዕባታት ስምምዕ ንምግባርን ከምዝነበረ ናይቲ ግምባር ሓላፊ ርክብ ጉዳያት ወፃእን ኣባል ቤት ምኽርን ኣይተ ነኣምን ዘለቀ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብዘይካ'ዚ ዘተ ንኻልኣይ ግዜ ተራኺቦም'ውን ከምዝተዘራረቡ ሓቢሮም።

ንሶም ከምዝበልዎ እቲ ዘተ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ዝዓረፉሉ 'ወተር ጌት' ዝተብሃለ ሆቴል'ዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘተ ንኣይተ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ሓዊሱ ሓሙሽተ ኣመራርሓ ግንቦት 7 ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳ'ውን ተሳቲፎምሉ።

ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝፀንሐ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ዝተርኣዮ ከምዝነበረ ኣይተ ነኣምን ሓቢሮም።

ይኹን ደኣ'ምበር ዝርዝሩ ክዝረቡ ኣይደለዩን።

ግንቦት 7 ሕዚ ኣብታ ሃገር ይረአ ዘሎ ለውጢ ከምዝድግፍን፡ ኢትዮጵያ ናብ ትኽክለኛ መስመር ዴሞክራሲ ንምስግጋር ንዝግበር ፃዕሪ ከምዝተሓባበርን ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላቱ ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክኣትዉ ናይ ምግባር ትልሚ'ውን ዘትዮምሉ።

እቲ ግምባር ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ዓዲ ዝኣትወሉ፣ ውሕስና ድሕንነት መራሕቱ ከምኡ'ውን ኣብ በረኻ ኤርትራ ዝርከቡ ሰራዊቱ ናብ ሰላማዊ ናብርኦም ዝምልሱሉ ኩነታት ክመቻቾ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣይተ ነኣምን "እቲ ዘተ ውፅኢታውን ፍረ ዝተረኸቦን ነይሩ" ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዝመፅእ ዘሎ መረፃ ምስታፍ ብዝምልከትከ ተዘራሪቦምዶ? ንዝብል ሕቶና "ንሱ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን" ኢሎም።

"ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ለውትታት ምድጋፍን ዴሞክራሲያዊ ትካላት ክህነፁ ምድጋፍ'ዩ" ዝበሉ ኣይተ ነኣምን፡ ናብ ስልጣን ናይ ምምፃእ ውድድር ምክያድ ኣጀንደኦም ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ኣቦ መንበር እቲ ግምባር ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ናብ ኢትዯጵያ ዝምለሱሉ ግዜ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ንፁር መዓልቲ'ኳ ምቕማጥ እንተዘይተኽኣለ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት