ሰሜን ኮሪያ `ሓደስቲ ተወንጨፍቲ ትሰርሕ ኣላ` ኢሎም ሰበስልጣን ኣሜሪካ

ፈተነ ሚሳይል Image copyright KCNA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ብ2017 ፈተነ ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፉ ሚሳይላት ብተደጋጋሚ ኣካይዳ ኔራ

ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ሳተላይታት ኣብ ሓደ ቅድሚ ሕጂ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከፍሪ ዝጸንሐ ትካል ሰሜን ኮርያ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ከምዘርኣያ ሓደ ስሙ ዘይተረቑሐ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሓደ በዓል ስልጣን ጠቒሱ ከምዝሃበሮ፡ እቲ ስራሕ ንኽደይ ዝኣክል ከይዱ ከምዘሎ ኣይተፈልጠን።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ምስ መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ዮንግ ኡን ተራኺቡ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ድሕሪ`ቲ ርክቦም፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምጥፋእ ክሰርሑ ምዃኖም ተመባጺዖም ነይሮም። ፕረሲደንት ትራምፕ ድማ ሰሜን ኮሪያ `ካብ ሕጂ ንንዮ ናይ ኑክሌር ሓደጋ ኣይተውድቕን`ያ` ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ትራምፕ፡ ሚስተር ኪም ውጥን ምስራሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ደው ንምባል ዋላ ሓደ ጽኑዕ መብጽዓ ከይኣተወ እንከሎ ንሕፈት ብምግባሩ ኣብ ኣሜሪካ ተወቒሱ ነይሩ።

እዞም ሓደስቲ ጸብጻባት እንታይ`ዮም ዝብሉ ዘለዉ?

ሰሜን ኮሪያ ኣብ`ቲ ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ፒዮንያንግ ዝርከብ ሳኑምዶንግ ዝበሃል መሳለጢ ነቑጣ ሓደ ወይ ክልተ ፈሳሲ ዝተመልአ (ሊኲድ ፉወልድ) ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይላት (ኣይ ሲ ቢ ኤም) ተማዕብል ዘላ ትምሰል ክትብል ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ንሰበ-ስልጣን ጠቒሳ ብሰኑይ ጸብጺባ። እዚ ትካል`ዚ እቲ ህዋሶንግ-15 ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ፈለማ ኣሜሪካ ክበጽሕ ዝኽእል ናይ ሰሜን ኮሪያ ተወንጫፊ ኣይ ሲ ቢ ኤም ዝፈረየሉ ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሕቲ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኸየደ ኣኼባ ሰላምታ ኢድ እናተለዋወጡ

እንተኾነ ግን እዚ ፈሳሲ ዝተመልአ ኣይ ሲ ቢ ኤም ነዳዲ ንምምልኡ ነዊሕ ጊዜ ስለዝወስድ፡ ከምቲ ጥረ ነገር ዝተመልአ ኣይ ሲ ቢ ኤም ዘስዕቦ ዕንወት ከምዘየስዕብ ሓደ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ምስልታት ሳተላይት፡ መካይን ካብን ናብን`ቲ ነቑጣ ክኣትዋን ክወጻን ከምዘራኣዩ ሮይተርስ ወሲኹ ሓቢሩ። እንተኾነ ግን ኣቲ ምንቅስቓሰን ንመስርሕ ሚሳይል ዝምጥን ኣይኮነ ኢሉ።

ፈላጣት`ከ ብዛዕባ`ዚ ነገር እንታይ ይብሉ?

እዞም ሰሜን ኮሪያ ምስራሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ትቕጽሎ ከምዘላ ዘርእዩ ጸብጻባት ሓደስቲ ኣይኮኑን። ኣዚ ድማ ነቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝተገብረ ክልተኣዊ ርክብ የንጸላልዎ።

እቶም ምስልታት ሳተላይት፡ እቲ ናይ ሳኑምዶግ መሳለጢ ነቑጣ `ንጡፍ` ምህላዉ የርእዩ ኢሉ ናይ ኑክሌር ፈላጥ ዝኾነ ጀፍሪ ልዊስ ናይ ሚድልበሪ ኢስትዪቲድ ኦፍ ኢንተርናሽናል ስታስ (ኤም ኣይ ኣይ ኤስ) ቱድ ንዋሺንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።

`ብዝኾነ ይኹን ግምታዊ መዓቀኒ፡ እቲ ነቑጣ ገና ኣይሞተን` ኢሉ።

`ኮንተይነራትን ተሽከርከርትን ክኣትዋን ክወጻን ንርእይ ኣለና። እዚ ነቑጣ`ዚ ኣይ ሲ ቤ ኤማትን መወንጨፊ ተሽከርከርቲ ህዋን ዝሰርሕሉ ነቑጣ`ዩ`ዚ` ድማ ኢሉ።

ኣብ እዋን ርክባት ናይ ፓንሙንጆምን ሲንጋፖርን ዳርጋ ኩሉ ምንቅስቓስ ኣብ`ቲ ቦታ ሓደ ዓይነት ነይሩ፡ ማለት ኣይውስኽ ኣይቅንስ። እዚ ማለት ድማ ኣብ እዋን`ቶም ርክባት እቲ መስርሕ ፈጺሙ ደው ኣይበለን ማለት`ዩ ኢላ ሰሜን ኮርያዊት ፈላጥ መሊሳ ሃንሃም ብመንገዲ ትዊተር። እንተኾነ ግን ኣብ ኤም ኣይ ኣይ ኤስ ዝርከቡ ፈላጣት `ንክፋል ናይ`ቲ ሰሊኹ ዝወጸ ጸብጻብ` ከረጋግጽዎም ኣይከኣሉን ዘለዉ ኢላ ንሳ።

ፈላጣት መብጸዓታት ሰሜን ኮሪያ ክሳብ ክንደይ ሓቀኛታት ምዃኖም ጥርጣረታቶም ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሜን ኮሪያ ነቲ ናይ ሮኬታት እትሰርሓሉ ነቑጣ ከተዕንዎ ዝጀመረት ትመስል ነይራ። እንተኾነ ግን ልሒኾም ዝወጹ ጸብጻባት ስለያ ኣሜሪካ ከምዝሕብርዎ፡ እታ ሃገር መስርሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋራ ትቕጽሎ ከምዘላ`ዮም ዘርእዩ።

ካልኦት ጸብጻባት ድማ ሰሜን ኮሪያ ነቲ ወግዓዊ ናይ ኑክሌር መበልጸጊ ነቑጣኣ ጥራይ ተመሓይሾ ከምዘላ ይሕብሩ።