ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ፡ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ትግራይ ሓደጋ ኣንጸላሊዩዎ'ሎ

ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ (ጸጋም) ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ፡ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ (የማን)
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ (ጸጋም) ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ፡ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ (የማን)

ቋንቋ መረዳድኢ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ሰባት መረበቶም፣ ባህሎም፣ ታሪኾምን ትዉፊቶምን ዘንጸባርቑሉ ሃፍቲ'ዩ ኣብ ዝብል ብዙሓት ይሰማምዑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ሰማእታት አዳራሽ "ትግራይ ካበይ ናበይ?" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምሁራት ትግራይ፡ መፃኢ ዕጫ ቋንቋ ትግርኛ ኣካታዒ ዛዕባ ኾይኑ ተስተውዒሉ።

ንሓደ ሓደ ሰባት ዝኾነ ቋንቋ ካብ መዘራረቢ ሓሊፉ ዝህቦ ትርጉም የብሉን።

ኣይተ ስብሓት ነጋ ትግርኛ ኾነ ካልኦት ቋንቋታት ሓደ መዓልቲ ናብ 'ሙዝየም' ምእታዎም ኣይተርፎምን፤ ብእንግሊዝኛ ፍልጠት ሸምቱ ዝብል ርእይቶ ሂቦም። "ትግርኛ ትግርኛ ኣይትበሉ" ኢሎም።

ተመራመርቲ ቋንቋን ታሪኽን ድማ ሓደ ቋንቋ መለለዪ መንነትን ታሪኽን ሓደ ማሕበረሰብ ምዃኑ ገሊፆም ምላሽ ሂቦሞም።

ብፍላይ ምሁራት ታሪኽ ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣድሃናን መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያምን ነቲ ሓሳብ፤ በመርተዖ ወቒዖሞ።

"ትግርኛ መዘራረቢ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ታሪኹን ባህሉን ዝገልፀሉ መበቆል ፍልስፍንኡን ስልጣነኡን እዩ" ዝብል ምላሽ ሂቦም።

እኳ ደኣስ፡ መንግስቲ ትግራይ ሰርዓተ ትምህርቱ ብትግርኛ ክቐርፅን ክሳብ ዶክትሬት ድግሪ ብትግርኛ ክህብን ከምዘለዎ ዶክተር ኣድሃና አተሓሳሲቦም።

መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ድማ ማሕበረሰብ ትግራይን ኤርትራን ሓጎሱ፤ ሓዘኑን ስምዒቱን ብጓይላ መልቅስን ስነቃልን ዝገልፀሉ አካል መንነቱ'ምበር ከምቲ እንግሊዝኛ ኣብ ክፍሊ ኣትዩ ዝመሃሮ ተገይሩ ክረአ ዘለዎ ከምዘይኮነ አዘኻኺሮም።

ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ?

በዝሒ ተዛራቢ ምዉናን፣ ስነ ጽሑፍን ስነ ጥበብን ምዕባይን ኣድማስ ተበጻሕነቱ ምስፋሕን ህልዉና ሓደ ቋንቋ ዝረጋገጸሎም መገዲታት'ዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሰኣን ተዛራቢ ዝሞቱ ቋንቋታት ቑጽሮም ዝነዓቕ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ድማ ንምዕቃብ ቫዕርታት እንትግበር ይስውዓል።

ኣብ ትግራይ፤ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዘሎ ተዛራቢ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዛረብቲ ከምዘለዉዎ ዝንገረሉ ቋንቋ ትግርኛ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘለዎ ሃለዋት ኣብ ሓደጋ'ዩ ዝርከብ ይብል ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግርኛ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ።

ዶክተር ዳንኤል ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ ብዛዕባ እቲ ዛዕባ ካብ መንጎ እቶም መፅናዕቲ ዘቕረቡን ተሪሮም ዝተኻትዑን'ዩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ትግርኛ ከም መግለጺ መንነት

ቋንቋ ትግርኛ ብፍላይ ከኣ ስርዓት ኣጸሓሕፋ ትግርኛ ካብ ዝኾነ እዋን ናብዚ እናተበከለ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ ብዝብል ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ትግራይ ነቲ ብቐረባ ዝከታተል ኣካዳሚ ኣቝሙ ናብ ስራሕ ኣትዩ'ዩ።

እዚ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዝተብሃለ መሓዉር፡ ብፍላይ ብርክት ዝበሉ ትካላት ልምዓት መንግስትን ንግድን ዝኽተልዎ ዝነበረ ኣጸሓሕፋ መላለዪ ትካላት ንግዲ ቅጥዑ ሓሊዩ ክኸይድ ብዝገበሮ ተኸታታሊ ወፍሪ ዝሓሸ ስግግር ክመጽእ ገይሩ'ዩ።

"ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝኾነ እዋናት ናብዚ ቅርጹ እናቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ" ክብል ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግርኛ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ብፍላይ እቲ ነዛ ቋንቋ ጥራሕ ክርዳእ ዝኽእል ገባር ማሕበረሰብ ብዝምጥን መልክዑ ኣብ ምግልጋል ክፍተት ኣሎ" ኢሉ።

ቋንቋ ትግርኛ፡ ሓሳባት መሊእኻ ንምግላጽ ኣይጥዕምን ዝብል ኣረኣእያ ኣብ ምቕያር'ዉን ክሕሰበሉ ከምዝግባእ ብምግላፅ፡ "መረዳድኢ'ዩ ካብ ዝብል ቁንፅል ኣበሃህላ ሓሊፉ መንነት ከምዝኾነ ክንግንዘብ ይግባእ" ክብል ይገልጽ።

"ትግርኛ መረዳድኢ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ትግርኛን ትግርኛን ጥራሕ ዝፈልጥ ትንፋሱን ህይወቱን'ዩ። መንነት'ዩ። እቲ ኣማራጺ ቋንቋ ዘይብሉ እታ ዝፈልጣ ቋንቋ እንተድኣ ጠፊኣ፡ ህይወቱ ይመዛበል ኣሎ ማለት'ዩ። ስለዝኾነ ቋንቋ ትግርኛ፡ ጉዳይ ህልዉና ተገይሩ ክርአ ኣለዎ" በሃሊ"ዩ።

ትግርኛ ከም ኩሉ ቋንቋ ሓደ ዓርሱ ዝኸኣለ ቋንቋ'ዩ ዝብል ሙሁር ቋንቋን ስነ ጽሑፍን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር፡ ሓጎስ ኣብርሃ፡ "ቋንቋ ክዓቢ እንተድኣ ኾይኑ ክዓቢ ኣለዎ። ስነ መዋቕረት ስርዓትን ቅርጽን ክሕዝ ኣለዎ" ይብል።

ቋንቋ ትግርኛ፡ ብናይ ባዕሉ ሳይንስ፣ ስነ ልሳን፣ ስነ ምእላድ፣ ፍትሑን ቃላትን ክርአ ከሎ ኣፈላላዮም ክልተ ዘብል ኣፈላላይ የብሎምን ኣብ ዝብል ሓሳብ እቶም ሙሁራት ይሰማምዑ።

ንዝሓለፉ 3ሽሕ ዓመታት፡ ወለዶ እንትትካእ እቲ ዝሓልፍ ወለዶ ኣብቲ ቋንቋ ዓቕሙ፣ ፍልጠቱ፣ ክእለቱ፣ ታሪኹን ፍልስፍንኡን እናሓደገ'ዩ ኸይዱ። "ስለዝኾነ ዓሚቕ ዉሁሉል ዓቕሚ ኣብቲ ቋንቋ ኣሎ" ዝብል ዶክተር ዳኒኤል ብወገኑ፡ እቲ ቋንቋ ዝሓዞም ተረኻት ኮነ ክዓብዩ እንተድኣ ኾይኖም እቲ ቋንቋ ክብሪ ረኺቡ ክዓቢ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ከምኡ ክኸዉን እንከሎ ናብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክመጣጠር ይኽእል'ዩ፡ ስነ ጽሑፍ ክዓቢ ይኽእል'ዩ። መጽናዕትን ምርምርን በቲ ቋንቋ ክካየድ ይኽእል'ዩ" ዝበለ ዶክተር ዳኒኤል፡ ሕጂ ንኽተሎ ዘለና ኣገባብ ብኢንግሊዘኛ ኣጽኒዕኻ ናብ ትግርኛ ምትርጓም ከምዝኾነ የረድእ።

"ትግርኛይዝረግ ኣሎ"

"ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ትግራይ፡ ሓደጋ ኣንጸላሊዩዎ'ዩ ዘሎ" ዝብል ዶክተር ዳኒኤል፡ እቲ ስርዓተ ቋንቋ ይብታዕ ኣሎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ትግርኛ ኣምሓርኛ ዝጥዕም ከምዝኾነ ይዛረብ።

"ስርዓት ኣምሓርኛ ኣብ ስርዓት ትግርኛ ኣትዩ እቲ ቋንቋ ይዝረግ አሎ። እዚ ብፍቓድና ነበላሽዎ ኣለና። ሓደ ቋንቋ ስርዓቱ እንተድኣ ስሒቱ ካልእ መልክዕ'ዩ ክሕዝ፡ ከምኡ እንተኾይኑ ከኣ ካልእ ቋንቋ'ዩ ክኸዉን" ዝብል ዶክተር ዳኒኤል ንመጻኢ ዕጭኡ ደዉ ኢልካ ምሕሳብ ከምዘድልዮ ይሕብር።

ኣብ ሕሉፍ ጊዜያት ህዝቢ ትግራይ ቋንቁኡ ከዕቢ ዕድል ዘይህቡዎ ግዳማዊ ምኽንያታት ብምናባሮም ኣብቲ ክልል ዕብየት እዚ ቋንቋ ደስኪሉ ምጽንሑ ዝገልጽ እዚ ሙሁር፡ "መን ጸሓፎ ብዘየገድስ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ ተሓብሒባ'ያ" ይብል።

"ህዝቢ ትግራይ ቋንቁኡ ከዕቢ፣ ክስንድ ዕድል ኣይረኸበን ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ግና ዝሓሸ ዕድል ነይሩ። መን ጸሓፎ መን ብዘየገድስ፡ ኤርትራዉያን ጸሓፍቲ ንቋንቋ ትግርኛ ዝወዓሉዎ ዉዕለታ ክርሳዕ የብሉን። ተኽኢላስ ዋላ ህበይ ትጽሓፈልና ነቲ ቋንቋ ዘዕቢ ዘማዕብል'ዩ ኢልና ክንሓስብ ኣለና" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት