ቀንዲ ተቐናቐንቲ ምርጫ ዚምባብወ ክዕወቱ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ'ለዉ

ድምጺ ምርጫ እናተኣከበ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ምቑጻር ድምጺ ይቕጽል ኣሎ

ዚምባብወ፡ ትማሊ ሰኑይ 30 ሓምለ ልዑል ተሳታፍነት ዝተራእየሉ ከም ዝነበረ ዝተመስከረሉ ሓፈሻዊ ምርጫ ድሕሪ ምክያዳ፡ ተወዳደርትን ኣድመጽትን ውጽኢት ይጽበዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ምርጫ ፕረዚደንት ንምዃን ዝቐረቡ ቀንዲ ተወዳደርቲ፡ ሰልፊ ዛኑ ፒ ኤፍ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኔልሰን ቻሚሳን ክዕወቱ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ'ለው።

ብዘይካኦም ካልኦት 21 ተወዳደርቲ'ውን ፕረዚደንት ክኾኑ ናብ ምርጫ ቀሪቦም ኣለዉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ "ሓርገጽ" ንፕረዚደንት ነበር መጋበ ተኪኡ'ዩ ክመርሕ ጸኒሑ

"ኣብ ባይታ ካብ ዘለዉ ወከልትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ተስፋ ዝህብ'ዩ" ክብል ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ብትዊተር ብምብሕባር፡ ኮሚሽን ምርጫ ወግዓዊ ውጽኢት ክሳብ ዝገልጽ ብትዕግስቲ ይጽበዩ ምህላዎም ገሊጹ።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾነ ኔልሰን ቻሚሳ ብወገኑ"ዘየወላውል ዓወት" ክብል ድሕሪ ምቅልሑ "ኣብ መብዛሕትኡ ናይቲ 10 000 ናይ ምርጫ ነቑጣታት ወጺኢት ተገሊጹ'ሎ። ጽቡቕ ኬድና ኣሎና" ክብል ጺሒፉ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ውጺኢት ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ክንገር ይኽእል፡ እዚ ማለት እንተደንጎየ፡ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዝመጽእ ቀዳም ብሙሉኡ'ቲ ውጺኢት ክገልጽ ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ድሕሪ'ቲ ነነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣን ምውራዱ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ምርጫ፡ 75% ተሳታፍነት ዝነበሮ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ምርጫ'ዚ ድምጾም ክህቡ ዝተመዝገቡ 5.6 ሚልየን ከም ዝበጽሑን ፍርቆም ትሕቲ 35 ክሊ ዕደም ዝርከቡ'ዮም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ንእስነቱ ናብ ሓላፍነት ዝደየበ ኔልሰን ቻሚሳ

ሓዲኦም ክዕወት እንተድኣ ኮይኑ ልዕሊ 50% ከምጽእ ኣለዎ። እዚ እንተዘይኮኑ ድማ ናብ ካልኣይ መጻረዪ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ከካይዱ ክግደዱ'ዮም።

እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ባቶኣውን ዞባውን ምርጫታት'ውን ዘጠቓለለ'ዩ።

እቲ ናይ ምድማጽ መስርሕ ሰላማዊ ከም ዝነበረ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም፡ እንተኾነ ግን ውጺኢት ናይቲ ምርጫ ምስተነግረ ኩሎም ወገናት እንተ ዘይተቐቢሎሞ ናብ ምስሕሓብ ከምርሕ ይኽእል'ዩ።

ዛኑ-ፒ ኤፍ ኣንጻር ዓሌታዊ መንግስቲ ኢያን ስሚዝ ተቓሊሱ ናጽነት ናይታ ሃገር ዘረጋገጸ ሰልፊ ክኸውን እንከሎ፡ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ነቲ ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ዛኑ-ፒ ኤፍ ንምብዳህ ዝቖመን በቲ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ዝሞተ ሞርጋን ሻንጋራይ ዝምራሕ ዝነበረን'ዩ።

ኢመርሰን ምናንጋግዋ መን'ዩ?

  • "ሓርገጽ" ተባሂሉ ዝተጸወዓሉ ምኽንያት ጎራሕ ፓለቲካዊ ኣካይድኡ ምዃኑን- እቲ ናቱ ጸግዒ ዝሕዝ ክፋል ናይቲ ዝመርሖ ሰልፊ ድማ "ላኮስተ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • ድሕሪ'ቲ ናይ 2008 ምርጫ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት መጥቃዕትታት ወዲቡ ተባሂሉ ይኽሰስ
  • ወዲ 75 ኮይኑ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝፈጥርን ቁጠባዊ ጽገናታት ክገብርን ምዃኑ ይመባጻዕ
  • ካብ ሓያሎ ናይ ቅትለት ፈተነታት ድሒኑ'ዩ፡ እቶም ፈተነታት ብደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ዝተገብሩ'ዮም ይበሃል።

ኔልሰን ቻሚሳ መን'ዩ

  • ኣብ 2007 ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ርእሱ ተጨፍሊቑ ነይሩ።
  • ወዲ 25 ዓመት ምስ ኮነ ኣባል ባይቶ ኮይኑ፡ ኣብ 31 ዕድሚኡ ድማ ሚኒስተር ኮይኑ፡ እንተ ተዓዊቱ ኸኣ ኣብ 40 ዓመቱ እቲ ዝነኣሰ ፕረዚደንት ክኸውን ይኽእል'ዩ።
  • ኣብ ዝቐረባ እዋን ፓስተር (መጋቢ) ክኸውን ዝበቕዐ ኮይኑ፡ #ጋድ ኢዝ ኢን ኢት (#ኣምላኽ ኣለዎ) ዝብል ናይ ትዊተር መጸውዒ ክጥቀም ጸኒሑ'ዩ።
  • ነቲ ዝዓነወ ቁጠባ'ታ ሃገር ከም ዝሃንጽ ተመባጺዑ'ሎ፡ እንተኸነ ግን ዘይክውንነታዊ መብጻዓታት ይኣቱ'ሎ ተባሂሉ ይንቀፍ'ዩ- ከም ጥይት እትበርር ባቡር ከተኣታቱ ምዃኑን፡ ኦሊምፒክ ኣብ ዚምባበወ ከአንግድ ምኳኑን ክገልጽ ብምጽንሑ።

ዚምባብወ 16.5 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር'ያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት