ሰመጉ፡ ኣካላት ፀጥታ ክልላት ሶማልን ኦሮሚያን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈፂሞም ኢሉ

ሶማሊ፥ ኦሮሞ
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልላት ሶማልን ኦሮሚያን ዝተልዓለ ጎንፂ ብዙሓት ተመዛቢሎም።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ኦሮሞን ሶማሌ ኢትዮጵያውያንን ብዝተልዓለ ጎንፂ፡ መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ገሊፁ።

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከም ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥሪ 2009 ዓ.ም፡ ክሳብ ወርሒ ጥሪ 2010 ፤ ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ናይ ብዙሓት ንፁሃን ህይወት ከምዝጠፍአ፣ ኣካል ከምዝጎደለ፣ ዜጋታት ጥሪቶምን ቤቶምን ራሕሪሖም ከምዝተሰደዱ ኣረጋጊፀ'ለኹ ኢሉ።

ግዚያዊ ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ ቢኒያም ኣባተ፤ ቅድም ኢሉ መበገሲ ጎንፅታት ዝነበረ ሕቶ ይግብኣኒ ተሓራሳይ መሬትን ጋህጽን እዩ ነይሩ ይብል።

"ሕዚ ግና ሓይልታት ጸጥታ ኣብቶም ጎንፅታት ኢድ ኣለዎም። ምምሕዳራዊ ምኽንያት'ዉን ኣሎ። እቲ ዉጽኢት መጽናዕቲ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ'ዉን ናይ ባዕሎም ብጽሒት ከምዘለዎም'ዩ ዘመላኽት" ኢሉ ኣይተ ቢኒያም።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ክልላት ዘጋጠመ ብሄር ተኮር ጎንፂ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉ እቲ ፀብፃብ የመላኽት።

ህፃናት ከምዝሞቱን ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ግህሰት ከምዝበፅሐንን 'ውን የረድእ።

ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልቲአን ክልላትን ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን፡ ንፁሃት ዜጋታት ከምዝቐተሉ ዘብረሀ እቲ ፀብፃብ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማሌን ኦሮምያን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ግህሰት ፈፂሞም ኢሉ።

ጥቕዓት ፆታዊ ግህሰት ከምዝተፈፀመ ዘመላኽቱ ናይ ሕክምና መረዳእታታት ከምዝረኸበ፡ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊፁ'ሎ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ፀብፃብ ጥርዓኖም ዘቕረቡ ዜጋታት፡ ኣብ እዋን እቲ ጎንፂ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ገንዘብ ከምዝዘመትዎም እውን ጠቒሶም።

Image copyright ሰመጉ

ሕዚ'ውን እንተኾነ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ክልላት ጎንፂ ይቕፅል እዩ ዘሎ ዝበለ እቲ ፀብፃብ፤ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ክልቲኦም ብሄራት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ'ውን ኣብሪሁ።

እቲ ትካል፡ ግቡእ ምፅራይ ክግበርን ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድን ፀዊዑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራላዊ ስርዓት ካብ ዝትከል ጀሚሩ ኣብ ኣብዝሓ ክፋላት እታ ሃገር ዓሌታዊ ጎንፅታት ብተደጋጋሚ ተኸሲቶም እዮም ይብል፡ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ።

ኣብ ሕሉፍ 26 ዓመታት አብ መንጎ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን፣ ኦሮሞን ሶማሌን፣ ኦሮሞን ጌዲኦን፣ ወላይታን ጋሞን፣ ወላይታን ሲዳማን፣ ኣኝዋክን ኑዌርን ከምኡ ድማ ሱርማን ዲዚን ዓሌታዊ ጎንፂ ክኽሰት ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

ግዚያዊ ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ "ክሳብ ሕዚ ንዝበጽሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓላፍነት ክወስዱ ዝኽእሉን ቀጥታዊ ተሳትፎ ዝነበሮምን ኣካላት ምምሕዳር፡ መንግስቲ ከጻሪ ኣለዎ። ዜጋታት መሰሎም ክኽበር መንግስቲ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣለዎ" ኢሉ።

ቤቶምን ጥሪቶምን ንዝሰኣኑ ዜጋታት ተመጣጣኒ ካሕሳ ክኽፈል፣ ኣብ ህይወትን ኣካልን ዜጋታት ጥቕዓት ዘብፅሑ ሰብመዚ ናብ ሕጊ ክቐርቡ፣ መንግስቲ ብሄርን ቋንቋን መሰረት ዝገበረ ፌደራላዊ ስርዓት ዘለውዎ ፀገማት ኣለልዩ ምትዕርራይ ክገብር ይግባእ ክብል እቲ ሃገራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ።