ገዲም ኢትዯጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ፍቃዱ ተክለማርያም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ገዲም ስነ-ጥበባዊ ፍቃዱ ተክለማርያም

ምንጪ ስእሊ, BOGASTUBE

መግለጺ ስእሊ,

ገዲም ስነ-ጥበባዊ ፍቃዱ ተክለማርያም ካብቲ ንሕክምንኡ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ንሓንቲ ብሕማም ክልቲኡ ኩላሊት ትሳቐ ዝነበረት ቆልዓ ለጊሱ'ዩ

ገዲም ስነ-ጥበባዊ ፍቃዱ ተክለማርያም ቅድሚ ኣዋርሕ ክልቲአን ኩላሊቱ ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ብምዃነን ብኻልእ ናይ ምትካእ ህክምና ከምዘድለዮ ተገሊፁ ኔሩ።

ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ንጥበብ ዝተላለየ ፍቃዱ ብፍላይ ናይ ንጉስ ገፀ-ባህርያት ብምውካል ብዝሰርሐም ተዋስኦታቱ ብዙሓት ይንእድዎን የኽብርዎን።

"እጅህን ስጥ አለኝ ፈረንጅ. . . " ዝብል ዘረባ ሃፀይ ቴድሮስ ገና ክጅምሮ ከሎ ተመልከትቲ ብዘመናት ናብ ድሕሪት ተመሊሶም ነቲ ንጉስ ብኣካል ዝርኢዎ ዘለዉ ክሳብ ዝመስሎም ይምሰጡ።

ንመጀመርታ ግዜ ብቐንዲ ማለት ዋና ገፀ-ባህርይ ዝተሳተፈሉ ተዋስኦ ብኣባተ መኩሪያ ዝተፅሓፈ "እሳት ሲነድ" ዝብል ተዋስኦ ኔሩ።

ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ ዝነጠፈ ገዲም ስነ ጥበባዊ ፍቃዱ፡ ናይ ጥበብ ገዝኡ ካብ ዝኾነ ኣዳራሽ ብሄራዊ ትያትር ከምዘይርሕቕ ይዝረበሉ።

ብዘይካ ትያትር "ቴድሮስ" ኣብ "ኤዲፐስ ንጉስ"፣ "ሃምሌት"ን "ንጉስ ኣርማህን" ዝተብሃሉ ዓበይቲ ትያትራት ሰሪሑ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎ ተወሊዱ ዝዓበየ ፍቃዱ፡ መበገሱኡ ትያትር'ኳ እንተኾነ ኣብ ተኸታተልቲ ናይ ቴሌቪዥን ድራማታትን ፊልምታትን እውን ሞያዊ ብቕዓቱ ኣርእዩ። ናይ ቴሌቪዥን ምውዕዋዓት (ስራሕቲ ምልላይ) እውን ተሳቲፉ።

ካብቶም ሞንጎ እቶም ዝሰርሓሎም ናይ ቴሌቪዥን ድራማታት "ባለጉዳይ"፣ "ያልተከፈለ እዳ"፣ "የአበቅየለሽ ኑዛዜ" ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብ ሬድዯ ኢትዯጵያ ይቐርብ ኣብ ዝነበረ "ከመፃህፍት ዓለም" ዝተብሃለ ፕሮግራም ዝተረኾም መፃሕፍቲ ተፈታውነት ክረኽቡ ኣኽኢሉ። ነቶም መፃሕፍቲ ህይወት ከምዝዘርኣሎም'ውን ይዝረብ።

"ሞገደኛው ነውጤ"፣ "ጥቁር ደም"፣ "ሳቤላ"፣ "ወንጀለኛው ዳኛ" ን "ግራጫ ቃጭሎች" ካብቶም ዝተረኾም መፃሕፍቲ ገሊኦም እዮም።

ብአበራ ለማ ዝተፅሓፈ "ሞገደኛው ነውጤ" ዘሎ ገፀ ባህሪ ካብ ሕልና ብዙሓት ዘይጠፍእ እዩ። ንነውጤ ዘንበቡ ሰባት ፍቃዱ ተክለማርያም ይረኣዮም።

ኣብ ናይ ሃዲስ አለማየሁ "ወንጀለኛው ዳኛ" እውን ብቕዓት ፍቓዱ ዝርሳዕ ኣይኮነን።