ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደጋ ነታጒ ሰለስተ ህፃውንቲ ቀቲሉ

ህዝቢ ከተማ ዛላምበሳ ኣብ ሓዘን ሞት ሰለስተ ህፃናት Image copyright BEREKETE HAILEMICHEAL
ናይ ምስሊ መግለጺ ህዝቢ ከተማ ዛላምበሳ ኣብ ሓዘን ሞት ሰለስተ ህፃናት

ዕለት 24 ሓምለ ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ነታጒ ህይወት ሰለስተ ህፃውንቲ ቐዚፉ።

ካብቶም ግዳያት ሓደ ህጻን ሓጎስ መብራህቶም፡ ወላዲ ኣቡኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድሃኒኣለም ብናይ ልመና ኣታዊ ዘዕበዩዎ ቖልዓ'ዩ።

ጽባሕ ዝሓሸ ህይወት ክህልዎ ትጽቢት ወላዲኡ'ኳ እንተነበረ፡ ምስ መሓዙቱ ሓመድን እምንን እናሓፈሰ ኣብ ዝጻወተሉ እዋን፡ ነታጒ ስለዝነኽአ ከምብዋዛ ህይወቱ ሓሊፋ ይብሉ ነበርቲ ዛላምበሳ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ዛላንበሳ ከምዘጋጠመ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎመኸዳ፡ ኣይተ ግርማይ ሓድሽ ኣረጋጊፆም።

ቀደሙ'ውን እንተኾነ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ካብ ድፋዕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሓሊፎም ጥሪት ከምዘዋፍሩ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ ኣብቲ ኸባቢ ዝተቐበሩ ነተጉቲ ፀረ ተሽከርከርቲ ከምዘለዉ ድማ ይዛረቡ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተርኣየ መስርሕ ሰላም፤ ኣብቲ ኸባቢ ፍሉይ ምንቅስቓስ ሰባት ዶ ይህሉ ይኸውን? ኢልና ሓቲትናዮም።

ኣቶ ግርማይ፡ ክሳብ ሕዚ ካብ ቀደም ዝተፈለየ ምንቅስቓስ ሰባት ከምዘየለ ሓቢሮምልና። ኣብ ዶባዶብ ዝነብር ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ጥንቃቐ ክገብር ድማ ምዒዶም።

"ኣብቲ ኸባቢ ዝነበር ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን፤ ከምቲ ዝፍለጥ ብጣዕሚ ዝነፋፈቕ ህዝቢ እዩ" ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ውሒሱ ነታጉታት ክሳብ ዝፅረግ ብፍላይ ቆልዑ፤ ምንቅስቃሶም ነዚ ሓደጋ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

በረኸት ሃይለሚካኤል፡ ሓደ ካብቶም በዚ ኣጋጣሚ ልቦም ዝተተንከፈ ነበርቲ ዛላምበሳ'ዩ።

Image copyright BEREKET HAILEMICHAEL
ናይ ምስሊ መግለጺ ህዝቢ ከተማ ዛላምበሳ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ብነታጒ ዝሞቶ ህፃናት

ንነዊሕ እዋን ተቐቢሩ ዝፀንሐን ብውሕጅ ተጓሕጒሑ ንላዕሊ ዝወፀን 'ፀረ ታንኪ' ምኽንያት ሞት እቶም ህፃውንቲ እዩ ይብል በረኸት።

ትማሊ ከባቢ ቀትሪ ሰዓት ሸሞንተ ዘጋጠመ ሓደጋ፤ ኣብ መንጎ ድፋዕ ኢትዮጵያን ኤርትራን፤ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛ ወላዲኡ ዘጋጠመ ምዃኑ ይዛረብ።

ንበረኸት እዚ ሓድሽ ተርእዮ ሓድሽ ኣይኮነን፤ ቅድም ክብል ካልኦት ነበርቲ እቲ ኸባቢ ብሰንኪ ነታጒ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ኣካሎም ከምዝጎደሉን ይዝክር።

ናይዞም ህፃናት ሞት ግን "ዘስካሕክሕ እዩ" ክብል ይገልፆ። ብፍላይ ድማ፤ ህዝቢ ተስፋ ሰላም ኣብ ዝሰነቐሉ እዋን ምግጣሙ ዘሕዝን ኮይኑ'ሎ ይብል።

"እዞም ዕሸላት፤ ንሕና ብቁልዕነትና ዘሓለፍናዮ ፀልማት ንከይሪእዎ እዩ ነይሩ ተስፋና" ዝበለ በረኸት እንተደኣ ሰላም መጺኡ ኾይኑ ሙሉእ ሰላም ክኾነልና ይግባእ ኢሉ።

ክልቲኦም መንግስታት ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ግዘ ዝወስደሎም እንተኾይኑ ድማ፤ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘሎ ህዝቢ ብነታጒ ጉድኣት ከይበፅሖ እኹል ሓለዋ ክግበረሉ፡ ትምህርቲ ድማ ክወሃብ ይግባእ በሃሊ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ