ኣብ መረፃ ዚምባብወ ዝተፈጠረ ጎንፂ ንምህዳእ ዓለማዊ ፃውዒት ቀሪቡ

ፖሊስ ኣብ ከተማ ሃራሬ ንዝወፁ ተቓወምቲ ንምብታን ተኹሲ ከፊቱ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፖሊስ ኣብ ከተማ ሃራሬ ንዝወፁ ተቓወምቲ ንምብታን ተኹሲ ከፊቱ

ኮምሽን ምርጫ ዚምባብወ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ኣብ ምርጫ ባይቶ ብዓብላሊ ድማጺ ከምዝተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ ብዝሰዓበ ህውከት ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ መንግስቲ ዓቕሊ ኪገብርን ዝኾነ ሓይሊ ዝተሓውሶ ስጉምቲ ንኸይውስድ ጸዊዕም። ተቓዋሚ ሰልፊ ኤምዲሲ ግና ተዓሊቑና ኢና ኢሎም።

መንግስቲ ዚምባብወ ድሕሪ ናይ ሰኑይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወስዶ ዘሎ ሓይሊ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ዘይተሓጎሱ ኣባላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ መንግስቲ ዓቕሊ ኪገብርን ካብቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኪቑጠብን ጸዊዖም።

ሕቡራት ሃገራትን እታ ናይ ቀደም ገዛኢቶም ዝነበረት ዓባይ ብሪጣንያን በቲ ኣብቲ ሃገር ዝርአ ዘሎ ህውከትን ወተሃደራት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ሞት ሰለስተ ሰባት ዘኸተለ ናዕብን ሻቕሎቶም ገሊጾም።

ድሕሪ ምውራድ ፕሬዚደንት-ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ምርጫ፡ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ኣብቲ ናይ ባይቶ ምርጫ ተዓዊቱ።

እንተኾነ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ኣብቲ ምርጫ ኣደናጊሩ ኢዩ ኪብል ይኸስስ።

ውጽኢት ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ብሕጂ ኢዩ ክእወጅ። ተቓዋሚ ሰልፊ ኤምዲሲ-ኣልያንስ ግና ፕሬዚደንታዊ ተወዳዳራይ ሰልፎም፡ ኔልሶን ቻሚሳ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕሬዚደንት ኤሜርሶን ምናንጋግዋ ከምዝሰዓሮ ኢዮም ዝገልጹ።

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬስ ፖለቲኬኛታት ዚምባብወ ነብሶም ኪገትኡ ክምሕጸን ከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃርየት ባልድዊን ድማ በቲ ኣብቲ ሃገር ዝርአ ዘሎ ህውከት ``ኣዝያ ከምዝተሻቐለት`` ገሊጻ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዚምባብወ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ድማ ሰራዊት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ``ኪቑጠቡ`` ድሕሪ ምምሕጻን፡ እታ ሃገር ``ታሪኻውን ትስፍውን ብሩህን መጻኢ`` ከምዘለዋ ገሊጹ።

ብመሰል ወዲ ሰባት ዝሕለቕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድማ መንግስቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ዝወሰዶ ስጎምቲ ክምርምር ሓቲቱ።

ዋና ጽሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኮልም ኩዋንከይን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ድሕሪ`ቲ ምርጫ ኣብቲ ሃገር ዝተራእየ ``ወተሃደራዊ ስጉምቲ መሰል ናይ ርእይቶኻ ምግላጽን ምእካብን ዝዕፍን ኢዩ`` ኢሉ።

``ሰባት ናይ ምቅዋም መሰሎም ክሕሎን ክረጋገጽን ኣለዎ`` ድማ ኢሉ።

ድሕሪ`ቲ ምርጫ እንታይ ተፈጺሙ?

ናይቲ ሃገር ናይ ምርጫ ኮምሽን ኣብቲ ንባይቶ ዝተኻየደ ምርጫ እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዛኑ-ፒኤፍ ብክልተ ሲሶ ዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራረ ተቓውሞ ኣብጊሱ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኮሚሸን መረፃ ከምዘፍለጦ ኣብታ ሃገር ከምዝተመዝገቡ መረፅቲ 70 ሚኢታዊት ኣድሚፆም

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዚምባብወ፡ ኦበርት ምፖፉ ድማ መንግስቱ ነቲ ዝርአ ዘሎ ተቓውሞ ``ከምዘይጻወሮ`` ገሊጹ። እቶም ተቓወምቲ ``ናህና ውሳነ ኢዮም ዝፈታተኑ ዘለው`` ድሕሪ ምባል ``ኣነ ብወገነይ ዓቢ ጌጋ ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለው`` ድማ ኢሉ።

ኣፈኛ ተቓዋሚ ሰልፊ ድማ ምውፋር ሰራዊትን ዝሰዓበ ሞት ናይ ሰባትን ኮኒኑ።

``ወተሃደራት ኣብ እዋን ኲናት ጸላእቶም ክቐትሉ`ምበር ሰላማውያን ሰባት ኪቐትሉ ኣይኮኑን ዝተዓለሙ፡ ዳሕራይ ድማ ሰላማውያን ሰባት ጸላእቲ እዛ ሃገር ዲዮም`` ክብል ሓቲቱ።

``እዚ ሎሚ ዝራእናዮ ጭካነ ዝኾነ ይኹን መመኽነይታ ክውሃበሉ ኣይክእልን ኢዩ`` ድማ ኢሉ እቲ ኣፈኛ።

ዛጊት ኮምሽን ምርጫ ብዝዘርግሖ ውጽኢት ምርጫ- ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ 140 መናብር ክስዕር ከሊ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ኤምዲሲ-ኣልያንስ ድማ 58 መናብር ከምዝሰዓረ ተገሊጹ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ