ጂቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቐብ ንኽለዓል ዝቐረበ ሕቶ ተቓዊማ

ፕሬዝዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጉሌህ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጉሌህ

መንግስቲ ጂቡቲ፡ ፕረዚደንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንዐ እገዳ ክለዓል ንሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጻውዒት ብጥብቂ ተቓዊሙ።

ኤምባሲ ጂቡቲ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ዝገበሮ ጻውኢት ብጣዕሚ ዘሰንብድ ሕቶ ክብል ኣፍሊጡ።

ዜጋታት ጁቡቲ ሰላምን ርግኣትን ሶማልያ ንምውሓስ ይቃለሱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ሕቶ ክቕርብ ከምዘይግባእ ሐቢሩ።

ሶማሊያ ከም ልኡላዊት ሃገር ምስ ዝኾነት ሃገር'ቲ ዞባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት መሰላ ምዃኑ ብምሕባር: "መሬትን እሱራት ጅቡትን ንዝሓዘ መንግስቲ ኤርትራ ድጋፍ ክህብ ግን ቕቡል ኣይኮነን" ብምባል ቐረትኡ ኣስሚዑ።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ዕለት 28 ሓምለ ንኣስመራ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ንምጅማር'ውን ኣብ ስምምዕ በፂሖም። ኣርባዕተ ዓንድታት ዝሓዘ ሓባራዊ 'ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን' ዝብል ሰነድ'ውን ተፈራሪሞም።

ፕረዚደነት ጂቡቲ ተቓውሞኦም ዝገለፁሉ ምልዓል ማዕቐብ ብወገን ኢትዯጵያ'ውን ንኽለዓል ዝፅውዕ ሕቶ ቀሪቡ ምንባሩ ይዝከር።