ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዝጸንሐን ጎንፂ ብኸመይ ዘላቒ ፍታሕ ይረክብ?

ሙሁር ሕግን ኣተኣላልያ ግርጭትን ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሴ
ናይ ምስሊ መግለጺ ግጭታት ነባሪ ፍታሕ ክረኽቡ ኣለዎም

ኣብ ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክግለጹ ዝኽእሉ ዘይተኣደኑ ግርጭታት ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ጎንፂ፣ ጅቡትን ኤርትራን ዘሰሓሕበን ጉዳይ ዶብ፣ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማሲ ዝርከባ ቅድም ኢሉ ዘዋጠጠ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ- ኤርትራ ተጠቀስቲ'ዮም።

ኣብዚ ዞባ ዝኸፍአ ቅልዉላዉ ተባሂሉ ሰብ ሞያ ምእላይ ግርጭት ዘልዕሉዎ ዉሽጣዊ ዘይምቅዳዉ፡ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ክሳብ ስድራቤታት ወሪዱ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ቀቢላታት ሓደ ኣብነት'ዩ።

ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ሱር ዝሰደደ ቀቢላዊ ምክፍፋል ምስ ኵናት ኦጋዴን ዘተሓሕዞ ጉዳይ ከምዘሎ ይግለጽ። ብመሪሕነት ሲያድ ባሬ ናብ ተስፋ ዝህብ ልምዓታዊ ምንቅስቓእ ኣቲያ ዝነበረት ሶማሊያ፡ ድሕሪ ዉግእ ኦጋዴን መሊሳ ዓንያ።

ኣብዚ እቲ ዘሕዝን ነገር ዝበሃል፡ ብቲ ኵናት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ኦጋዴን ናብ ሶማሊያ እንትኣትዉ፡ ሲያድ ባሬ'ዉን ዝነሓንሑዎ ሓይልታት ስለዝነበሩ ኣብ መወዳእታ ተገልቢጡ።

ኣብዚ ግዜ ዝነበረ ንሕንሕ ኣብ ቀቢላ ዝተሞርኮሰ ብምንባሩ፡ እተን ዝነበራ ሓይልታት ነናተን ቀቢላ ብምዉካል ሲያድ ባሬ ምስ ከደ ነንሓነድሕደን ዉግእ ጀሚረን። ኣወዳድበአን ሃገራዊ ዘይኮነ ቀቢላዊ ኮይኑ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ዘተ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ?

ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ምክፍፋል ብምፍታሕ ሶማሊያ ናብ ሓደ ንምእካብ ዝግበር ኣብ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ተሳታፊ ዝነበረ ሙሁር ሕግን ኣተኣላልያ ግርጭትን ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሴ፡ እቲ ዝነበረ ከይዲ ቀሊል ከምዘይነበረ'ዩ ዝዛረብ።

"እቲ ዝነበረ ኩነታት ሶማሊያ ነታ ሃገር ብዙሕ ኣኽሲሩዋ'ዩ። እቲ ኣፈላላይ ክሳብ ገዛታት ዝበጽሐ'ዩ ነይሩ። ነዚ ክትዓርቆ ኣሸጋሪ'ዩ። እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ድሕረ ባይታ እንታይ'ዩ ክጽናዕ ዘለዎ" ይብል።

ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ኣብ ብሄራዊ ሃብቲ ዝተሞርኮዘ'ዩ ዝብል ኣቶ ኤልያስ፡ መግሃጫ ከፍቲ፣ ማይ፣ ዶብን ካልእን ሓንቲ ሃገር ኣብ ዉሽጣ ይኹን ምስ ጎረባብታ ናብ ግጭት ክወስዳ ከምዝኽእል ይገልጽ።

"ሽማግለታት ጌርካ ዘጋጥመካ ግርጭት ምፍታሕ እቲ ሕብረተሰብ ዝነበሮ ልምዲ'ኳ እንተኾነ ዘመናዊ ስርዓት ምስ መጽአ ግና ነዚ ኣልሚሱዎ'ዩ። ብመዉስቦ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መሻይኻት፣ ደቂ ኣነስትዮን መንእሰያትን፣ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ብምስታፍ ኣብቲ ምፍጣር ሰላም እጃሞም ከበርክቱ ምግባር ትኽእል። ኣብ ሶማሊያ ዝተፈተነ ፍታሕ ክመጽእ ዝሓገዘን እዚ መገዲ'ዩ ነይሩ" ይብል እቲ ሙሁር።

ብግርጭት ኣብ ዝተዳኸመት ሃገር ንኡሽቶ ሃብቲ'ዉን እንተኾነ ዜጋታት ከባእስ ከምዝኽእል ዝገልጹ ተንተንቲ፡ ልዕሊ ኹሉ ብኣተሓሳስባ ዘይተወደበ ሕብረተሰብ እንትህሉ ብንኡሽቶ ነገር ዝተልዓለ ግርጭት ምፍትሑ ኸቢድ ክገብሮ ከምዝኽእል የቐምጡ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ህዝቢ ካብቲ ተተፋኒኑዎ ዝነበረ ወጺኡ ዝምድናኡ ናብ ንቡር ከምለስ ኣለዎ

ሙሁር ሕግን ኣተኣላልያ ግርጭትን ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ'ዉን ብዚ ሓሳብ'ዩ ዝሰማማዕ።

"እቲ ክሕግዘካ ዝኽእል ባህላዊ መገዲ ተጠቒምኻ ህዝቢ ነንሓድሕዱ ክዘራረብ መገዲ እንተኸፈትካ'ዉን ዘላቒ ንክኸዉን ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ህዝቢ ክትዉድቦ ኣለካ። ዘይተወደበ ሕብረተሰብ ፋይዳ የብሉን" ኢሉ።

መገዲ ምፍታሕ ኣፈላላያትን ግርጭትን ሶማሊያ ንኻልኦት ሃገራት እቲ ቐጠና ኾነ ኣፍሪቃ ኣብነታዊ ግደ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝገልጽ እዚ ሙሁር ብዝተፈለላየ መልክዑ ዝለዓሉ ግርጭታት ምፍታሕ እንተዘይተኻኢሉ ልምዓት ክህሉ ከምዘይኽእል የስምረሉ።

ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራኸ?

ኣብ ቀርኒ ኣፍረቃ እቲ ዝነዉሐ ታሪኽ ሓበራዊ ቃልስን ጽልእን ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ነዚ ቐጠና ሓድሽ ተስፋ ሒዘን መጺአን ኣለዋ።

ዞባዊ ዉህደት ሰላም፣ ልምዓትን ምሕደራን ምርግጋጽን ምዕባይን፡ እዘን ሃገራት ብዝፈጥርኦ ስሙር ሕብረት ዝዉሰነሉ ዕድልን ዓቕምን ሰፊሕ ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ ንሸዉዓተ ዓመት ዝነበረን ሰላማዊ ርክብ ዶብ ምኽንያት ገይረን ናብ ኵናት ዝኣተዋ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክበን ይሕድሳ ኣለዋ።

ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣስመራ፣ ምኽፋት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ምብጽጻሕ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራትን ገለ ካብቶም እቲ ዘርእይኦ ዘለዋ ምቅርራብ'ዩ። እቲ ኣሰሓሒቡና'ዩ ዝብልኦን ናብ ኵናት ዘእተወንን ጉዳይ ዶብ ግና ክሳብ ሕጂ ዛዕባ ዘተ መራሕተን ኣይኮነን ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን "ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዶብ ኣይተዘራረብናን" ምባሉ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ'ዩ።

እዚ ጉዳይ ክሳብ መዓዝ'ዩ ከይተልዓለ ክቕጽል? ዝብል ንጹር'ኳ እንተዘይኾነ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከቡ ሰባት ከየመዛብል ካብ ዝብል ስግኣት ወጻእ ናይ ብሓቂ ምንጪ ግርጭት እዘን ሃገራት ዶብ ድዩ ነይሩ ዝብል ነገር ናብ ሕቶ ዘእትዉዎ ኣይተስኣኑን።

ኣቶ ኤልያስ ሓደ ካብኣቶም'ዩ። "ብናተይ ኣረኣእያ እዘን ሃገራት ዘለወን ጸገም ብዘላቕነት ክፍታሕ እንተድኣ ኾይኑ፡ ብመጀመርያ መንቀሊ እቲ ጉዳይ ናይ ብሓቂ ናይ ዶብ ጉዳይ ድዩ ነይሩ? ዝብል ዓብዩ ሕቶ ክንጸር ኣለዎ። ፖለቲካዊ ምዉድዳር ድዩ ነይሩ? ዝብል ክኣ ካልእ ሕቶ'ዩ" ይብል።

ስለዝኾነ ድማ፡ መንቀሊ ከይፈለጥኻ መፍትሒኡ ኣይትረክብን ዝብል እቲ ሙሁር፡ ናይ ስልጣን ዉድድር እንትነይሩ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕዚኸ ንምንታይ ኢሉ ክሓትት ይግባእ ይብል።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
''ኢሳይያስ ብጥዕንኡ'ሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለኒ?''

እዚ'ዉን ኮይኑ ግና ብፍላይ እቲ ኣብ ከባቢታት ዶብ እዘን እሃገራት ዝነብር ሕብረተሰብ ዘራኽቦ ብዙሕ ነገር ብምህላዩ፡ እቲ ሽግር ብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ ርክብ ገይርካ ክፍታሕ ይከኣል'ዩ ዝብል ሙያዊ ርኢይትኡ ይህብ።

እንተኾነ ግን፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ህዝቢ'ዩ ክፈትሖ ዘለዎ ዝብል ዘረባ "ናይ ቁሸት ኣተሓሳስባ" ክብል ቀዳማይ ሚስተር ኣብይ ነጺግዎ'ዩ። ንሱ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ናይ ማሕበረኮም ጉዳይ ዘይኮነስ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ምዃኑ ኣነጺሩ።

እቶ ሕቶ ብወገን ኢትዮጵያ፡ ነዚ ክልተ ኣተሓሳስባታት ብኸመይ ኣተዓሪቑ ነቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣልዩ ሰላም ከረጋግጽ ይኽእል ዝብል'ዩ።

ብወገን ኤርትራ'ውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ልዝባት ህዝቢ ርእይቶ ዘይምህላዉ ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ'ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ዝውክል ባይቶ ዘይምህላዉን እቲ መንግስቲ ህዝቢ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዱ ዝመረጾዘይምዃኑን ተራ ናይ ህዝቢ ኣብ ምውሓስ ናይቲ ዝድለ ዘሎ ሰላም ድሩት ይኸውን ይብሉ ተንተንቲ።

ሰላም፣ሰላማት......

ሰላም ዝጸልእ እሀዝቢ ኣብ ዓለም የለን። ሰላም ከመይ ኢላ ትመጽእ፡ ከመይ ኢላኸ ተዓንቂፋ ትፈርስ ዝብል ምፍላጥ ግና ዓብዪ ርድኢት ይሓትት።

"እታ ዝነበረት ሰላም ዝፈረሰት በቶም ፖለቲካዊ ሓይልታት'ዩ። እዚ ፈቲሕኻ ዘላቒ ክኸዉን ንምግባር ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ስርዓት ይዉስኖ'ዩ" ድማ ይብል ኣቶ ኤልያስ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ዘለዉ ፖለቲካዊ ለዉጢታት ተስፋ ዝህቡ'ዮም ዝበለ እቲ ሙሁር፡ ብወገን ኤርትራ ዝተርኣየ ዝኾነ ዓይነት ለዉጢ ክሳብ ሕጂ ዘይምህላዩ ግና እቲ ድርኺት ሰላም ዉጽኢታዊን ዘላቕን ዘይክኸዉን ይኽእል'ዩ ይብል። ብምንታይ ኢኻሞ ነዚ ነዊሕ ከሳግር'ዩ ትብሎ? ብምባል ድማ ይሓትት።

"ብወገን ኢሳይያስ ክሳብ ሕጂ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ኣይፈትሐን፡ ቅዋም ኣብ ግበሪ ኣየዉዓለን፡ እዚ ከይገበርኻ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ ነባሪ ሰላም የምጽእ'ዩ ነዊሕ ክኸይድ'ዩ ኣይብልን። ህዝብኻ ተቐይሙ እናሃለወ፣ ሃገራዊ ባይቶ ከይፈጠርኻ፣ ለዉጢ ኣይመጽእን" ኢሉ።

"ዝተወንዘፉ ነገራት እናሃለዉ ዘሊልኻ ዝስርሑ ስራሕቲ ዕንቅፋት ምዃኖም ኣይተርፍን" ዝበለ ኣቶ ኤልያስ፡ ዋላ ኢትዮጵያ'ዉን ትኹን ሕዚ ምስዚ ስርዓት ትፍጽሞም ዘላ ዉዕላት ድሓር ሕቶ ዝለዓሎም ከይኾኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ'ዉን ምስ መን ዉዕል ይገብር ኣለኹ ኢሉ ክሓትትን ክጥንቀቕን ኣለዎ ኢሉ።

እጃም ህዝቢ?

ህዝቢ ካብቲ ተተፋኒኑዎ ዝነበረ ኣዉጺእካ ናብ ንቡር ክትመልሶ፡ ነቲ ህዝቢ ዘቀራርቡ ስራሕቲ ክስርሑን ናይ ኣተሓሳስባ ለዉጢ ክምጽእ ክግበርን ኣለዎ።

"መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ተጠቒምኻ ምስራሕ፣ ህዝቢ ምንቃሕን ምድርጃዉ የድልየካ'ዩ። ብሕልፊ እቲ ሙሁር ኣካል እቲ ዝነፍስ ሕማቕ ንፋስ ንምእላይ ኣብ ጽሑፋቱን ዘረብኡን ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ" ዝብል ኣቶ ኤልያስ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ድማ መሰረታዊ ለዉጢ ክመጽእ ምስራሕ ልዕሊ ዝኾነ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይዛረብ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
''ኣብ ኤርትራ ብፍሉይ ህግሰት ሰብኣዊ መሰል የለን''

"ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣርማድዩ ተዓጽዩ'ዩ ዘሎ ሕቶ ዶብ ከይተወድአ ኣይንትግበርን ኢና ዝበሃሎ ዝነበረ ቅዋም ክትግበር ኣለዎ። ፋሕፋሕ ኢሉ ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ'ዉን ክእከብ ክኽእል ኣለዎ" በሃሊ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ