ኣሽሓት ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ መበል 32 ዙርያ ናብ ሳዋ ወሪዶም

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምርኢት ሰልፊ በዓል ናጽነት ኣብ ኣስመራ Image copyright MARY HARPER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሳዋ ወታሃደራውን ታዕሊምን ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ይወሃቦም

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ 11 ክፍሊ ዝወድኡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ሳዋ ወሪዶም።

ካብ ዞባ ማእከል ጥራይ ልዕሊ 6000 ሽሕ ናብ ሳዋ ከም ዝተፋነዉ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ሓቢረን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ድሐሪ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ ነይሩ።

"ግጭት እንተድኣ ዘይሃልዩ እቲ ቀንዲ መትከላት ናይቲ [ኣብ 1994 ዝተኣወጀ] ሕጊ ክትግበር'ዩ" ክብል ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ኢማኑኤል ኢጉንዛ ኣብ ኣስመራ ገሊጹ።

ንሳቶም ኣብ ሳዋ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ወታሃደራዊ ታዕሊም እናተዋህቦም መበል 12 ክፍሊ ከም ዝውድኡን፡ ናይ ማትሪክ ፈተናታቶም ኣብኡ ከም ክገብሩን ትጽቢት ይግበረሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2003 ጀሚሩ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ኣብ ሳዋ ክዛዝሙ ብዘውጸኦ ፓሊሲ መሰረት ኩሎም ተማሃሮ በቲ ማእከል ወታሃደራዊ ታዕሊም ዝኮነ መዓስር ክሓልፉ ጸኒሐም'ዮም።

ነዚ ንምግባር ዘኽእል "ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ" ከኣ ኣብ ሳዋ ተኸፊቱ።

ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት እቲ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት 'ጊልያነት'ዩ' ክብሉ ይነቕፉ። ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ንስደት ከምዝኾነ ይግለጽ።

መንግስቲ ብወገኑ ኤርትራ 'ኣብ ኩነተ-ኲናት' ስለዝነበረት እቲ ኣገልግሎት ክናዋሕ ተገዲዱ ብምባል ክምጉት ጸኒሑ'ዩ።

Image copyright MARY HARPER
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝበዝሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ደቂ-ተባዕትዮ እዮም

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ጾታዊ ዓመጽን ምስርጣይን ከም ዝበጽሐን ሓበሬታታት ከም ዝኣከበ ኣጻራዪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ንኹሎም እቶም ክስታት ይነጽጎም።

ኣብቲ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብ13 ሓምለ ዝተመረቑሉን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸይድ ዝገለጹሉ ጋጣሚን፡ ብዛዕባ ለውጥታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክዛረብ'ዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ነቶም ተመረቕቲ "ዕጥቁኹም ሸጥ ኣብሉ" ካብ ምባል ሓሊፉ ግን ሓድሽ ነገር ኣይተዛረበን።

ኣባላት ናይቲ ዙር ዝኾኑ ናይ ዲግርን ዲፕሎማን ነጥቢ ዘምጽኡ ናብ ዝተፈላለያ ኮለጃት ትምህርቶም ንምቕጻል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሳዋ ከም ዝተመልሱን፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ክረምቲ ኣሕሊፎም ናብ ኣገልግሎቶም ክምለሱ ተነጊርዎም ከምዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

እቲ 'መደበር ታዕሊም ሳዊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ መዓስከር፡ 'ማእከል ስልጠናን ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ' ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

ምብቃዕ ኩነተ-ኲናት ምስ ኢትዮጵያን ምምስራት ሓድሽ ዝምድናን፡ ንሃራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር፡ ማለት 18 ኣዋርሕ ክመልሶ'ዩ ዝብል ትጽቢት ይግበር። እንተኸነ ግን መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብንጹር ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ዋላኳ ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን እንተኸተማን ዲፕሎማስያዊ ዝምድነአን ዳግም እንተመስረታን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዛጊት ሰራዊተን ካብቲ ን20 ዓመታት ተፋጢጦምሉ ዝጸንሑ ዶባት ጌና ኣይሰሓባን ዘለዋ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሽሓት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዶባዊ ኲናት ሂወቶም ሲኢኖም'ዮም

ካብ 5ይ ዙርያ ንደሓር ምስ ምውላዕ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክናዋሕ ተገዲዱ'ዩ። እዚ ድማ ብዙሓት መንእሰያት ካብ ሰራዊት ሃዲሞም ናብ ስደት ከምርሑ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

እቲ ዶባዊ ኲናት ቅድሚ ምውልዑ ግን ብዙሓት መንእሰያት ከም ግቦኦም ይርእይዎ ብምንባሮም ብዙሕ ተቛውሞታት ዝነበሮ ፕግራም ኣይነበረን፡ እንትርፎ ኣብ ገለ ገለ እዋናትን ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሓሓዝ መዳያቱን።

ኣብ ክረምቲ 1995 ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ማትሪክ ድሕሪ ምግባሮም ንሳዋ ክወርዱ ዘተጀመረሉ ዓመት'ዩ

ቀዳማይ ዙርያ ታዓለምቲ ኣብ ክረምቲ 1994 ንሳዋ ክወርዱ ከም ዝተገብረ ይዝከር።