ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዓብዲ መሓመድ ኦማር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ኣብዲ ሞሓሙድ ኦማር

ትማሊ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል ነበር ኣይተ ዓብዲ ሞሓመድ ኦማር ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣይተ ዓብዲ ብኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ።

እቶም ፕረዚደንት ነበር ቅድሚ ምእሳሮም ልውውጥ ተኹሲ ዝነበረ እንትኾን፡ መን ምስ መን ከምዝተታኾሰ ግን ዛጊድ ንፁር ኣይኮነን።

ኣይተ ዓብዲ ካብ ስልጣኖም ዝተኣለዩ ብፌደራል መንግስቲ ተገዲዶም ድዩ ብስምምዕ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብ ክንዲ ኣይተ ዓብዲ፡ ናይቲ ክልል ሓላፊ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ ኣሕመድ ዓብዲ ሞሓመድ ትማሊ ናብ መዝነት ርእሰ ምምሕዳር ከምዝደየቡ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ከተማ ጅግጅጋ ሃንደበት ምእታዉ ስዒቡ ዘይምርግጋዕ ዝተፈጥረ እንትኸውን፡ ብዙሓት አደዳ ሞትን መቑሰልትን ምዃኖም ምፅብፃብና ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብዝተልዓለ ቁጠዐ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ከምዝተቓፀላን ብዙሓት ግዳይ ከምዝኾኑን ይዝረብ። መሰኻኽር ዓይኒ ብሰንኪ እዚ ቅልውላው ዓሰርተ ሰባት እዮም ሞይቶም እኳ እንተበሉ፡ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ'ሎ።

ኢንጂነር እስማዒል፡ ኣብቲ ክልል ዝተገብረ ኢድ ኣእታውነት፡ ንሕገ መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ዘይተኸተለ፡ ከምኡ ድማ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ንቢቢሲ ምዝራቦም ዝዝከር እዩ።

ትማሊ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፌደራል ፖሊስን ናብ ክልል ሶማል ክኣቱ ከምዝተኣዘዘ ተገሊፁ'ዩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴራል፡ ሚኒስትር ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ እዚ ውሳነ ካብ መንግስቲ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ሕቶ ብምቕራቡ ዝተገበረ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ቀዳም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ እቲ ቅልውላው ካብ ዋና ከተማ እታ ክልል ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከተማታት ሶማሊ ከምዝተጋፍሐ ገሊፁ፡ እዚ ድማ "ተቐባልነት ዘይብሉን ብቕልጡፍ ክዕገትን ክእረምን ዝግበኦ ተግባር እዩ" ኢሉ።

ሰላምን ውሕስነትን ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነታት ስለዝተፈጠረ ድማ ነቲ ህውከት ብስቕታ ከምዘይሪኦን "ሰላም ንምውሓስ፡ ነቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ሓልዩ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ፡ ኣይተ አብዲ ሞሃመድ ኦማር ኣብ ቴሌቪዥን እታ ክልል ቀሪቡ ርግኣት ክፍጠር መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።

እዚ ከምዚ እናሃለየ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ኸይዲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዝተኸተለ ክኸውን ብምትሕስሳብ፡ እንተዘይኮይኑ ስርዓት ፌደራል ንሓደጋ ዘሳጥሕ ከይኸውን ሻቕሎቱ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።