ፕረሲደንት ሮሓኒ ንማዕቀብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኮኒንዎ

ፕረሲደንት ኢራን ሮሓኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP PHOTO / HO / IRANIAN PRESIDENCY

መግለጺ ስእሊ,

ፕረሲደንት ኢራን ሮሓኒ

ፕረሲደንት ኢራን ሓሰን ሮሓኒ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዳግማይ ማዕቀብ ብምንባራ ቁጠዐኡ ገሊጹ። ነቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ማዕቀብ `ኣብ መንጎ ኢራናውያን ምክፍፋል ንምፍጣር` ዝዓለመ `ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት` እዩ ድማ ኢልዎ።

እቲ ማዕቀብ ንብዙሓት ጽላታት ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ ንንግዲ ነዳዲ ናይ`ታ ሃገር ዝዓለመ ቀጻዒ ዝኾነ ተወሳኺ ማዕቀብ ንምንባር ድማ ተወጢኑ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር`ዚ ብኣሜሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ። `ሕጋዊ ንግዲ` ንዝገብራ ትካላት ንኽከላኸለለን ድማ ፈኪሩ`ሎ።

ኣሜሪካ ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ዓመት ካብ`ቲ ሓባራዊ ሓፈሻዊ ውጥን ስጉምቲ ወይ`ከ ስምምዕ ኑክሌር ኢራን ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል ድሕሪ ምስሓባ`ያ እዚ ናይ ሕጂ ስጉምቲ ወሲዳ።

እዚ ኣብ እዋን ፕረሲደንትነት ባራክ ኦባማ ዝተበጽሐ ውዕል ኢራን ብኣምሳያ ምፍኳስ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ፡ እቲ ኣካታዒ ዝኾነ ናይ ኑክሌር ውጥና ንኽትድርት ዝጠልብ`ዩ ነይሩ።

እንተኾነ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ውዕል `ሓደ ጎናዊ`ዩ` ብምባል፡ ምንባር ሓድሽ ቁጠባዊ ማዕቀብ ንኢራን ሓድሽ ውዕል ክትቅበል ክቕስባ`ዩ፡ በዚ ድማ እቲ `ሰንካም` ተግባራታ ደው ከተብል`ያ ይብል።

ትሕዝቶ`ቲ ሓድሽ ማዕቀብ እንታይ`ዩ?

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ዝትግበር ሓድሽ ማዕቀብ ንምንባር ፕረሲደንታዊ ትእዛዝ ሂቡ። እቲ ማዕቀብ ነዞም ዝስዕቡ ዒላማታት ክወቅዕ ይእምም፥

  • መንግስቲ ኢራን ባጤራ ኣሜሪካ ከይገዝእን ከይውንንን
  • ንግዲ ኢራን ኣብ ወርቂን ካልኦት ክቡራት ሓጻውንን
  • ግራፋይት፣ ኣሉሚኒየም፣ ስልኪ (ኣቻዮ)ን ካልኦት ንኢንዱስትሪያዊ መስርሕ ዘገልግሉ ሶፍትዌር
  • ብሪያል ወይ ባጤራ ኢራን ዝግበሩ ዕድግታት
  • ምስ ሉኡላዊ ዕዳ ኢራን ዝዛመዱ ምንቅስቓሳት
  • ናይ ኢራን ጽላት ተሽከርከርቲ

ንናይ ኢራን ጽላታት ጸዓት፣ ጉዕዞታት መራኽብ፣ ንግዲ ነዳዲ፣ ብናይ ደገ ገንዘባዊ ትካላት ምስ ማእከላይ ባንኪ ኢራን ዝግበር ዕድግታት ዒላማ ዝገብር ካልኣይ ገጽ ማዕቀብ ድማ ኣብ ዝመጽእ ውርሒ ጥቅምቲ ንኽትግበር ተወጢኑ`ሎ።

ንምንታይ`ያ ኣሜሪካ ነዞም ማዕቀባት እተንብር ዘላ?

ፕረሲደንት ትራምፕ ካብ ነዊሕ ኣዋን ኣትሒዙ ኣንጻር`ቲ ምስ ኢራን ዝተኣትወ ውዕል ክዛረብ ጸኒሑ`ዩ። `ሓደ ኣብ ህይወተይ ምሉእ ካብ ዝረአኽዎም ዝኸፍኡ ውዕላት`ዩ` ብምባል ድማ ነቲ ውዕል `ሕማቕ/ኣዕናዊ` ኢልዎ።

ካብተን ኩለን ነቲ ውዕል ዝፈረማ ሃገራት፡ ኣሜሪካ ንበይና`ያ ነቲ ውዕል ራሕሪሓ ወጺኣ። ከም ውጽኢት ናይ`ዚ ድማ መጠን ሸርፊ ባጤራ ኢራን ብፍርቂ ጎዲሉ ንቑጠባኣ ድማ ሃስይዎ።

ኢራን ክልተ ኣማራጺ ኣለዋ ይብል ሚስተር ትራምፕ፡ ወይ `ነቲ ሓደገኛን ኣዕናዊን ጠባያ ገዲፋ ምስ ቁጠባ ዓለም ክትጽንበር፡ ወይ ከኣ ናብ ቁጠባዊ ተነጽሎ ክትንቆት`።

`ንኹሉ`ቲ ሰራም ዝኾነ ምንቅስቓሳን፡ ናይ ባሊስቲክ ሚሳይላታ ውጥናን ንግብረ-ሽበራ እትገብሮ ሓገዝን ዘተቓልል ሓፈሻዊ ውዕል ንምፍራም ድሉው`የ` ኢሉ ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

መልሰ-ተግባር (ሪኣክሽን)

ኣሜሪካ `ንዲፕሎማሲ ሑቖኣ ሂባቶ` ክብል ፕረሲደንት ኢራን ሓሰን ሮሓኒ ንትራምፕ ገኒሑ።

`ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኢራን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ክኸፍቱ ደልዮም`፡ እንተኾነ ግን `ንዛተ እናበልካ ማዕቀብ ከተንብር ኣይሳነን`ዩ` ኢሉ። `ወትሩ ንዘተን ዲፕሎማሲን ኢና ቀዳምነት እንህብ። እንተኾነ ግን ንኽትዛተ ቅንዕና የድሊ` ድማ ኢሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ ንኢራን ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝግበር ንእሽቶ ሕርያ (ሚድ ተርም ኤለክሽን) ከም መፍጠሪ ጽልዋ ክጥቀመላ ይጽዕር ኣሎ ኢሉ ንሱ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን፣ ብሪጣኒያን ፈረንሳን ግን እቲ ውዕል ኑክሌር ኢራን ንድሕነት ዓለም `ወሳኒ`ዩ` ኢሎም ብሰኑይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ። ምስ ኢራን ንግዲ ንዝገብራ ኤውሮጳውያን ትካላት ዘጽልል ወይ ዝከላኸል `ብሎኪንግ ስታትዩ` ከምዘቖሙ ድማ ግልጺ ገይሮም።

ሚስተር ትራምፕ ምስ ኢራን ንግዲ ንዝገብራ ትካላት `ብርቱዕ ሳዕቤን` ከጋጥመን ምዃን ኣፈራሪሑ ነይሩ።

እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ንትካላቱ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ንምምሕዳር ትራምፕ `ኣይዓጅቦን`ዩ` ኢሉ ሓደ ስሙ ዘይተሮቕሐ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።ፕረሲደንት ሮሓኒ ንማዕቀብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኮኒንዎ