ክልል ሶማል፡ ንዓብዲ መሓመድ ኦማር ምስ ዝተከአ ሓድሽ ፕረዚደንት ተላለዩ

ኣሕመድ ዓብዲ ሞሓመድ ምስ ፕረዚደንት ነበር ክልል ሶማል ዓብዲ መሓመድ ኦማር Image copyright Axmed Cabdi
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሕመድ ዓብዲ ሞሓመድ ምስ ፕረዚደንት ነበር ክልል ሶማል ዓብዲ መሓመድ ኦማር

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ዝነበረ ዓብዲ መሓመድ ኦማር፡ ትማሊ ስልጣኑ ንሓድሽ ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ዓብዲ ሞሓመድ ኣረኪቡ'ሎ።

እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ክልል ሶማል መን'ዩ?

ኣሕመድ ዓብዲ ሼኽ መሓመድ ይበሃል።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ1980 ተወሊዱ።

ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እድገት ዝበሃል ትካል ትምህርቲ እዩ ተኸታቲሉ።

እዚ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ማሕበረሳበት ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ እዩ።

ኣብ 2009 ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ወዲኡ።

ብኢኮኖሚክስን ስታስቲክስን ዓውዲ ትምህርቲ ብ 2012 ካብ ዩንቨርሲቲ ድሬዳዋ ተመሪቑ።

ኣብ 2012 ናይ ጉምሩክ መኮነን ኮይኑ ኣብ ከተማ ጎዴ ሰሪሑ'ዩ።

ብ 2014 ድማ ናይ ጅግጅጋ ከተማ መኮነን ጉምሩክ ኮይኑ።

ኣብቲ ዓመት ንሱ፡ ከንቲባ "ቀብሪ ደሓር" ኮይኑ ተሸይሙ።

ኣብ 2015 ድማ ምክትል ዳይሬክተር ቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ክልል ሶማል ኮይኑ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይቲ ክልል ሓላፊ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኮይኑ ተሸይሙ።

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ክልል ሶማል ክሳብ ዝተዛወረሉ ዕለት፡ ሓላፊ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ነይሩ።

ዝሓለፈ ዓመት 2017፡ ካብ ዩንቨርሲቲ ባህር ዳር ብትምህርቲ ሓደጋ ድልውነት (ዲዛስተር ማኔጅመንት) ብደረጃ ማስተርስ ተመሪቑ።

ኣሕመድ ዓብዲ ሞሓመድ፡ በዓልሓዳርን ኣቦ 7 ቆልዑን እዩ።

ደቁ ኣርባዕተ ኣወዳትን 3 አዋልድን 'ዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት