ኦነግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣቋሪጹ ናብ ኢትዯጵያ ክኣቱ ተሰማሚዑ

ኣቦ መንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ (ማእከል) ምስ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳን ወጻኢ ጉዳይት ሚኒስተር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ Image copyright YEMANE G. MESKEL/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቦ መንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ (ማእከል) ምስ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳን (የማን) ወጻኢ ጉዳይት ሚኒስተር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ

ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ኦነግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምቁራጽ ሰላማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምርኻቡ ተሰማሚዑ።

እቲ ጉጅለ፡ ደጀኑ ኣብ ኤርትራ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጎነጻዊ መጥቃዕትታት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳ ዝቖመ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝታይ ናይ 'ዕርቂ ስምምዕ' ከም ዝገበሩ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ተጻበኦታት ደው ከብሉ ተሰማሚዖም።

በዘይካ'ዚ ኦነግ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምቁራጽ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣትዮ ብሰላመዊ መንገዲ ፓለቲካዊ ንጥፈታቱ ከካይድ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ባይቶ ኢትዮጵያ ንኦነግን ግንቦት 7 ዝተብሃሉ ውድባት ካብ መዝገብ ግብረ-ራዕዲ ክወጹ ወሲኑ ነይሩ።

ነቲ ስምምዓት ንምትግባር ሓደ ሓበራዊ ኮሚቴ ክቐውም ዝብል'ውን ኣካላት ናይ ዝተበጽሐ ምርድዳእ'ዩ።

Image copyright YEMANE G. MESKEL/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኦነግ ንነዊሕ ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይ ዝጸንሐ ውድብ'ዩ

ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣይተ ቶሌራ ኣደባ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ አመልኪቱ፡ "ኦነግ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ነፃ ኾይኑ ዕላምኡ ሒዙ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንክንቀሳቐስ ተረዳዲእና አለና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ደገን ዝርከቡ ሰራዊት እቲ ጉጅለ ከመይ ከም ዝኣትውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዘለዉ ድማ ከመይ ከምዝቕፅሉን ሓዊሱ ኣብ ቀፃላይ ዘተ ከምዝገበር ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።

"እቲ ሰራዊት ዘይሕጋዊ እዩ ኢልካ ስጉምትታት ምውሳድን ምትንኻፍን ደው ክብል'ውን ኣብ ሰምምዕ በፂሕና" ኢሉ።

---------------------------------------------

ኦነግ ንነዊሕ እዋን ንናጽነት ህዝቢ ኦሮሞ ክቃለስ ዝጸንሐ ውድብ ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ምፍንጫላት ከም ዝገጠሞ ይፍለጥ።

ሓደ ተፈንጪሉ ዝወጸ ክፋል እቲ ውድብ ዝኾነን ብገዲም መራሒ ኦነግ ነበር ኣቶ ሌንጮ ለታ ዝምራሕን ብዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ዝፍለጥ ውድብ ፓለቲካዊ ምንቅስቓሳቱ ብሰላማዊ መንገዲ ከካይድ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ንኢትዮጵያ ኣትዩ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ንዝተፈላለዩ ኣብ ደገ ዝነበሩ ፓለቲካውያን ሓይልታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንጥፈታቶም ከካይዱ ድሕሪ ምዕዳሙን፡ ሕጋዊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምክያዱን ዝተፈላለዩ ፓለቲካውያን ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዕድል ረኺቦም ኣለዉ።

እዚ ስምምዕ ንምስላጥ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ሓጋዚ ተራ ተጻዊቱ ክኸውን ከም ዝእኽእል ይግመት።