ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ዘትዩ

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣስመራ Image copyright YEMANE G. MESKEL/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ርክብ ኤትርትራን ኢትዮጵያን ጌና ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ንቡር ኣይተመልሰን

ብፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝተመርሐን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝርከቦን ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ከም ዝተራኸበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የመነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ "ትግባረ ናይቲ [ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ] ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ሓሳባት ተለዋዊጦም" ክብል እቲ ሚኒሰተር ጠቒሱ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ መራሕቲ ጉጅለ ኦነግ ክዘራረብ ናብ ኣስመራ ከም ዝኣተወ ይፍለጥ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ "ሓበራዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምፍርራመን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድነአ ዳግም ብምምስራት ዝውክልወን ኣምባሳደራት መዚዘን።

Image copyright YEMANE G. MESKEL/TWITTER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ሓበራዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን' ኣብ ኣስመራ ፈሪመን

ብዘይካ'ዚ ናይ ነፈርቲ በረራታት ንምጅማር፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ፈላሚ በረራኣ ናብ ኣስመር ብዕለት 18 ሓምለ ክትገብር እንከላ፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 04 ነሓሰ ኣብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዓሊባ።

እንተኾነ ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ገና ኣይተቐየረን ዘሎ።

ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ተፋጢጦምሉ ዘለዉ ቦታታት ኣይሰሓቡን ዘለዉ።

ኤርትራ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ብብይን ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህባ ከባቢታት፡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣለዋ ክትብል'ያ ጸኒሓ።

እንተኾነ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ንኤርትራ ተዋሂቡ ዘሎ ቦታታት፡ እንኮላይ ባድመ ገና ኣይወጸን ዘሎ።

ኣብ ዶባት ዝርከብ መስመራት መጓዓዝያ ምድሪ'ውን ተዓጽዩ ይርከብ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣሓት ህዝብታት ኣብ መሬት ዝተጀመረ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ርክባት ኣይተጀመረን።

ዛጊት ርክባት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዲፕሎማስያውን ሰማያውን (በረራታት) ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ፡ ይብሉ ተንተንቲ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ንግዳዊ ርክባት ናብ ንቡር ንምምላስ'ውን ዝተሓላለኸ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ክዝረብ ጸኒሑ።

ነጋዶ ኣየናይ ባጤራን (ገንዘብ) ኣገባብን ከም ዝጥቀሙ፡ ናይ ቀረጽ ጉዳያትን ገለ ካብቶም ክንጸሩ ዘለዎም ስለዝኾኑ።

ኣብ 1997 ኤርትራ ሓድሽ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዘውጽኣትሉ እዋን'ውን እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ንክልቲአን ሃገራት ኣሰሓሒቦመን ነይሮም'ዩም።

እቲ ጉዳይ ኣብ ክሊ'ቲ ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎ "ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት" ክፍታሕ ዝኽእል እንተኸይኑ ጸኒሑ ዝረአ ክኸውን'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ