ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪፍ ለውጢ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣምፑል Image copyright Thinkstock

ኣብቲ ዝግበር ምምሕያሽ ክፍሊት ኣገልግሎት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ዳይሬክተር በዓል-መዚ ፀዓት ኢትዯጵያ ኣቶ ጌታሁን ሞገስ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ኣገልግሎት ወሃቢ መንግስታዊ ትካል ካብ ደገ ኣብ ዘእትዎም ኣቑሑት ወሰኽ ስለዝተርኣየን ኣብ ዕዳ ስለዝርከብን ነቲ ምምሕያሽ ክገብር ከምዝወሰነ ድማ ገሊፆም።

እቲ ምምሕያሽ ንመንን ከመይን እዩ ክትግበር ንዝብል እቶም ሓላፊ ምላሽ ኣለዎም።

ኣቶ ጌታሁን ከምዝብሉዎ ብመንፅር እቲ ዝጥቀምዎ ሓይሊ ፡ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ኣብ ግምት ንምእታው ተፈቲኑ'ሎ።

"ናይ ድጎማ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ'ዩ። ኣስታት 500 ሽሕ ዓማዊል ትሑት ኣብ ዝበሃል ኣታዊ ዝተመደቡ እዮም። ነቲ ዝተሓተ ዝበሃል 50 ኪሎ ዋትን ትሕቲኡን ዝጥቀሙ ስለዝኾኑ ኣብቲ ዝግበር ናይ ክፍሊት ምምሕያሽ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ኣይግበረሎምን" ዝብል መብርሂ ሂቦም።

"ምናልባት ወርሓዊ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝበሃል ስለዘሎ ዝተሓተ መጠን ለውጢ ክህልዎ ይኽእል'ዩ። 3 ወይ 4 ቅርሺ ዝነበረ፡ 10 ቅርሺ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ወሰኽ ክፍሊት ክበሃል ዝኽእል ኣይኮነን።" ኢሎም።

ወሲኾም ድማ፡ "ክሳብ 200 ኪሎ ዋት ዝበፅሕ ዝጥቀሙ ከኣ ንዕኦም ብዘይጎድእ መጠን ለውጢ ንምግባር ተሓሲቡ ኣሎ። እቶም ብብዝሒ ዝጥቀሙ ነቶም ውሑድ ዝጥቀሙ ዘካሓሕሱሉ ኣሰራርሓ ኢና ክነታኣታቱ" ክብሉ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ዓለም-ለኻዊ ኣሰራርሓ ከምዝኾነን ነዚ ኣሰራርሓ ብምጥቃም ሓያሎ ዜጋታት ካብዚ ወሰኽ ክፍሊት ነፃ ክኾኑ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

"መሰረታዊ ንዝበሃል ማለት ንመብራህቲ ኣብ ዝጥቀሙ ምትዕርራይ ዋጋ ኣሎ ብዘብል ኣይኮነን ቀሪቡ" ኢሎም።

ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝለዓለ ክፍሊት ኣገልግሎት ከምዝሓታ ዘዘኻኸሩ እቶም ዳይሬክተር፡ ንሰን ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ምምሕያሽ ዋጋ ከምዝገብራ ብምግላፅ ኢትዮጵያ ግን ድሕሪ 12 ዓመታት ምምሕያሽ ዋጋ ንምግባር ከምዝወሰነትን ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ከምዝኸውንን ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት