ኣብ ወልድያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈፀሙ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ተሓቲቱ

ካርታ ኢትዮጵያ Image copyright ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ወልድያ ዝተጀመረ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጎንፂ ናብ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብፂሑ

ኣብ ክልል አምሓራ ወልድያን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ህይወትን አካልን ጉድኣት ዘብፅሑ አካላት ብሕጊ ክሕተቱ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጰያ አተሓሳሲቡ።

ብአቆፃፅራ ኢትዮጵያ ካብ ጥሪ 12፡ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልል አምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታትን ቀበሌታትን ዝተወለዐ ናዕቢ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወቶም ክስእኑን አካሎም ክጎድልን ምኽንያት ከምዝኾነ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት (ሰመጉ) ኣብ ዘቕረቦ ምርመራዊ ፀብፃብ አመልኪቱ።

ብሰንኪ ናዕብታት፡ ረብሻን ሓይልታት ፀጥታ ዝወስድዎ ስጉምትን፡ ብሓፈሻ ከባቢ 17 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለው፡ ካብ 20 ንላዕሊ ድማ ናይ አካል ጉድኣት ከምዝበፅሖም እቲ መርማሪ ኣካል ሓቢሩ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ነሓሰ 03 ፡ 2010 ዓ/ም ዕላዊ ዝገበሮ "ኣብ ክልል አምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎን ከባቢኣን ዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ብዝብል ኣርእስቲ ዘውፀኦ ፀብፃብ፡ ኣብቲ ከባቢ ተፈፂሞም ዝበሎም፡ ህይወት ምጥፋእ ሓዊሱ አካል ምጉዳልን ማእሰርትን ዝኣመሰሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘርዚሩ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሕዳር 24፡ 2010 ኣብ መንጎ ከተማ ወልድያን ከተማ መቐለንንኽካየድ ተሓሲቡ ኣብ ዝነበረ ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ንምስታፍ ናብ ከተማ ወልድያ ይጎዓዙ ዝነበሩ ተፃወትቲ ጋንታ ከተማ መቐለን ደገፍቶምን ኣብ መንገዶም ዝርከባ ከተማታት አምሓራ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ፀርፍታትን ፀያፍ ቃላትን ይንጸባረቖም ከምዝነበረ እቲ መርማሪ ጉጅለ ከምዘረጋገፀ ኣብ መፅነናዕቱ ኣስፊሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጎንፅታትን፡ እዚ ተጓንፎ ቀንዲ መበገሲ እዩ ክብል እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

በዚ ዝተልዓለ ዕግርግር ምኽንያት እቲ ፀዋታ ከምዝተሰረዘን፡ ሓደ ደጋፊ እቲ ጋንታ ከምዝተቐትለን እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ኩነታት እናተጋደደ ብምኻዱ፡ ኣብ ጥሪ 12፡ 2010 ኣብ ዕለት በዓል ዘገሊላ ብዝተልዓለ ዓመፅ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንብዒ ጋዝ ብምጥቃሞም፡ እቲ ታቦት ክሳብ ምውዳቕ ከምዝበጽሐን፡ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣብሪሁ።

እቲ ፀብፃብ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዝተፈለላዩ ከተማታት እቲ ዞባ ብፍላይ ቆቦ፡ ሮቢት፡ መርሳ፡ ውርጌሳ ኣብ ዝመሰሉ ከባብታት ብሓይልታት ፀጥታ ዝተፈፀመ ግህሰት ተቓዊሞም።

ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋተታት ቅትለት፡ ኣካል ምጉዳልን፤ ምቁሳልን ክበጽሕ እንከሎ፡ ናይ ውልቀ ሰባትን መንግስትን ንብረት ከምዝዓነወ እቲ ጉጅለ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ናይዚ ምርመራዊ መፅናዕቲ ዕላማ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብእሙን መረዳእታ ተታሒዙ፡ ክፅብፀብን ክስነድን እሞ ፍታህ ክርከቦን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብሉን ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ከይፍፀሙ ንምክልኻልን ዝዓለመ ምኳኑ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ፅብፃብ፡ ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት እኹል ካሕሳ ክረኽቡን ነዚ ዝፈፀሙ ድማ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን እቲ ግጅለ ኣብ መደምደምትኡ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ጉጅለ ዝመርመሮ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሕዳር 24 ጀሚሩ ክሳብ ለካቲት 04፡ 2010 ዘካትት ከምዝኾነ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ መረዳእታ ካብ አባላት ቤተሰብ ግዳያትን ማእከላት ጥዕናን ዝተረኸበ ከኸውን እንከሎ፡ መንግስታዊ አካላትን ሓይልታት ፀጥታን ኣብቲ መፅናዕቲ ተሓባበርቲ ከምዘይኮኑ ብምሕባር፡ እቲ ጉዳይ ብዕሊ ክምርመርን መንግስቲ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድን ኣተሓሳሲቡ።

ከምኡ ድማ ላዕዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ልኢኹ ነቲ ጉዳይ ከፃሪ ክፍቀደሉን ሓቲቱ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቅድም ክብል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብደረጃ ሃገር ኮነ ክልል ኣብ አምሓራ ተፈጺሞም ዝበሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣፅኒዑ ምቕራቡ ይዝከር።

ተወሳኺ ዛንታ