ቅንያት ኣፍሪቃ ብስእልታት፡ ካብ 3-9 ነሓሰ 2018

ካብ መላእ ኣፍሪካ ዝተመረፁ ውቁባት ስእልታት ናይዚ ሰሙን

ኣብ ስደት ዝፀንሑ ፓትርያርክ ኣቡነ መርቆርዮስ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትምለሱ ነዛ ኣብዚ ስእሊ እትሪእዋ ኣማኒት ሓዊሱ፡ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ሓጎሶም ገሊፆም። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ስደት ዝፀንሑ ፓትርያርክ ኣቡነ መርቆርዮስ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትምለሱ ነዛ ኣብዚ ስእሊ እትሪእዋ ኣማኒት ሓዊሱ፡ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ሓጎሶም ገሊፆም።
እቶም ፓትርያርክ ቅድሚ 27 ዓመት እንትስደዱ ገና ዘይተወልዱ ቆልዑ፡ ምምላስ እቶም ፓትርያርክ ኣመልኪቶም ኣብ ኣዳራሽ ሚልንየም ዝማሬ ኣቕሪቦም። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቶም ፓትርያርክ ቅድሚ 27 ዓመት እንትስደዱ ገና ዘይተወልዱ ቆልዑ፡ ምምላስ እቶም ፓትርያርክ ኣመልኪቶም ኣብ ኣዳራሽ ሚልንየም ዝማሬ ኣቕሪቦም።
ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣይቮሪኮስት፡ ሕብሪ ሰንደቕ ዕላማ ሃገሮም ኣብ ገፆም ተለኽዮም፡ ሃገሮም ካብ ፈረንሳይ ናፅነታ ዝረኸበትሉ መበል 58 ዓመት እንተብዕሉ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣይቮሪኮስት፡ ሕብሪ ሰንደቕ ዕላማ ሃገሮም ኣብ ገፆም ተለኽዮም፡ ሃገሮም ካብ ፈረንሳይ ናፅነታ ዝረኸበትሉ መበል 58 ዓመት እንተብዕሉ።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይ ካሕሳ መሬት ካብ ፀዓዱ ንምሕዳግ ዘለዎ ትልሚ ብዝምልከት ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፡ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ባህላዊ ኣልባስ ዝተኸደነ ነይሩ። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይ ካሕሳ መሬት ካብ ፀዓዱ ንምሕዳግ ዘለዎ ትልሚ ብዝምልከት ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፡ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ባህላዊ ኣልባስ ዝተኸደነ ነይሩ።
ቅድሚ 56 ዓመታት ተቓላሲ ፀረ ኣፓታይድ ኔልሰን ማንዴላ ንምእሳር ፖሊስ ዝተጠቕመላ ዓይነት መኪና ንምርኢት እንትትቀርብ፡ ብዙሓት ተረኺቦም። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቅድሚ 56 ዓመታት ተቓላሲ ፀረ ኣፓታይድ ኔልሰን ማንዴላ ንምእሳር ፖሊስ ዝተጠቕመላ ዓይነት መኪና ንምርኢት እንትትቀርብ፡ ብዙሓት ተረኺቦም።
ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ተምሃራይ ምህንድስና ዝኾነ ግብፃዊ ምስ መሓዙቱ ኮይኑ ዝሰርሓ ብኣየር-እትንቀሳቐስ መኪና ንምልላይ ኣብ ጎደናታት ካይሮ እንትዝውራ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ተምሃራይ ምህንድስና ዝኾነ ግብፃዊ ምስ ካልኦት ኮይኑ ዝሰርሓ ብኣየር-እትሰርሕ መኪና ንምልላይ ኣብ ጎደናታት ካይሮ እንትዝውራ።
"ግብፂ ኣብ ልቢ እያ ዘላ" ዝብል ናይ መንደቕ ፅሑፍ ኣብ ጎደና ካይሮ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ "ግብፂ ኣብ ልቢ እያ ዘላ" ዝብል ናይ መንደቕ ፅሑፍ ኣብ ጎደና ካይሮ።
ዋና ከተማ ዚምባብወ ሃራሬ ተቓወምቲ ብዙሕ ድጋፍ ዝረኸቡላ ከተማ እያ፤ ስእሊ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርፀ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ተቐዲዱ ይረኣይ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ከተማ ዚምባብወ ሃራሬ ተቓወምቲ ብዙሕ ድጋፍ ዝረኸቡላ ከተማ እያ፤ ስእሊ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርፀ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ተቐዲዱ ይረኣይ።
ኣብ ግብፂ፡ ከባብታት ጊዛ፡ ካብ በዓል ዒድ-ኣል-ኣድሓ ቅድም ኢሎም ኣባጊዕ ዝዓደጉ ነበርቲ ብሞተር ብሽክለታ ፅዒኖም እንትወስዱ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ግብፂ፡ ከባብታት ጊዛ፡ ካብ በዓል ዒድ-ኣል-ኣድሓ ቅድም ኢሎም ኣባጊዕ ዝዓደጉ ነበርቲ ብሞተር ብሽክለታ ፅዒኖም እንትወስዱ።
ሸያጢ በጊዕ፡ ነታ እንስሳ ናብ ናይ ዓሚሉ መኪና እንትወስዳ። ዒድ-ኣል-ኣድሓ፡ በዓል መስዋእቲ እናተብሃለ 'ውን ዝፍለጥ ክኸውን ከሎ፡ ኣብርሃም ንኣምላኹ ወዱ ክስውእ ዝነበሮ ፍቓደኝነት ዝዝከረሉ እዩ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሸያጢ በጊዕ፡ ነታ እንስሳ ናብ ናይ ዓሚሉ መኪና እንትወስዳ። ዒድ-ኣል-ኣድሓ፡ በዓል መስዋእቲ እናተብሃለ 'ውን ዝፍለጥ ክኸውን ከሎ፡ ኣብርሃም ንኣምላኹ ወዱ ክስውእ ዝነበሮ ፍቓደኝነት ዝዝከረሉ እዩ።

ስእልታት ካብ AFP፣ EPA፣ Getty Images ከምኡ ድማ Reuters